ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ ኣዝዩ ጸልማት እዋናት እውን ከይተረፈ ኢየሱስ ኣይሓድገናን እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ነቶም ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ብዙሓት ነገድያን "ህላወ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዅሉ የሓድሶ ኢዩ" ክብሉ ኣስተምሃርዎም።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መብል 14፣ ነቶም ዝሓለፈ ሰንበት ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ኣብ ዝለገሱሎም ኣስተንትኖ፣ ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ኣብ ልዕሊ ማዕበል ባሕሪ ብእግሩ እናኸደ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ከም ዝተራኸበ" ዝገልጽ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ኣስተምሃሩ (ማቴ 14፡ 22-33) ።

'ኣይትፍርሁ'

እዚ ተኣምራት እዚ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኼህድኦም ኢሉ ዝገበሮ፣ ብዝያዳ ከም ዝርዕዱ ገብሮም። ኣብዚ ጸበባ እዚ ኸኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ "ኣነ እየ፣ ትብዑ ኣይትፍርሁ" ክብል ተዛረቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስተምህሮኦም ብምቕጻል፣ "ህላወ ጐይታ ንዅሉ ይቕይሮ እዩ" በሉ። "ጴጥሮስ ናብኡ ኣቢሉ ንክመጽእ፣ ኣብቲ ማዕበል እቲ ሒደት ስጕምትታት ምስ ተጓዕዘ ድማ ፈርሀ፣ ክጥሕል እውን ጀመረ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከአ ብኢዱ ሒዙ ኣድሓኖ።" ስለዚ ቅዱስ መጽሓፍ ክንፈርህን ኣዒንትና ካብ ኢየሱስ ፈጺምና ኸነርሕቕን ከም ዘኡብልና ይሕብረና።

ሓይሊ እምነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ እዚ ተመክሮ እዚ "ካብ ልቢ ደቀ መዛሙርቲ 'ብሓቂ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ' ዝብል እምነት ከም ዘመንጨወ" ከአ ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ወሲኾም፣ ነዚ ናይ እምነት ጸዋዕታ ምስቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዘሎ እተፈልየ ፍጻሜታት ኣተሓሒዞም ኣስተንተኑ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ በለ፦ "ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፣  ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ደአ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተጠራጠርኩም [...] ነዚ እምባ እዚ 'ኪድ ናብ ባሕሪ እቶ' እተበልኩምዎ ከምኡ ክኸውን እዩ" (ማቴ 21፡ 21) ክብል ከም ዘስተምሃሮም ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብቲ ባሕሪ ዘጋጠሞም ነገር እዚ እዩ፣ ሰላም ክርስቶስ ኣብ ማእከል እቲ ዝናወጽ ማያት እንከለዉ በጽሖም።

ኣብ ገዛእ ርእስኹም እምብዛ ኣይትተኣማመኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ ካብቲ ካብዚ ተኣምራት እዚ ክልተ ትምህርቲ ከም ዝርከብ ጠቒሶም፣ ቀዳማይ "ኣብ ቅድሚ ኣሳልጦ ዘይምዕባይ"፣ ካልኣይ ድማ "ኣብ ጸልማት ዝበዝሖ እዋናት፣ ሽግር ከም ዝገጥመና ዘሎ ዀይኑ ኣብ ዝስምዓና ግዜ እውን ከይተረፈ ተስፋ ዘይምቝራጽ፣ ጻዕርና እናገበርና ክንስና ንቕድሚት ዘይኰነስ ንድሕሪት ንምለስ ከም ዘለና ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን" ክብሉ ኣስተንተኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይሓድገናን እዩ፣ ብጸሎትን ብቅዱሳት ምስጢራትን ቅዱስ ቃሉ ብምስማዕን ብትሕትና ናብ ጃልባ ህይወትና እንተ ተቐቢልናዮ፣ ንጕዕዞና ሰላምን ብርሃንን ብርታዐን ክንረክብ ኢና" ክብሉ ተላበዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ፣ "ድንግል ማርያም እታ እምነታ ዝተመስከረላ፣ ኣብ ኣምላኽ ብምትእምማን በዚ መገዲ እዚ ንኽንነብር ክትሕግዘና ትኽእል እያ" ብምባል ድማ ኣስተንትኖኦም ደምደሙ።

10 Aug 2026, 16:21