ድለ

FILE PHOTO: Firefighters work on the scene of a deadly accident near Mezokeresztes FILE PHOTO: Firefighters work on the scene of a deadly accident near Mezokeresztes 

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ምንእንቲ እቶም ኣብ ሃንጋሪ ብሓደጋ መኪርና ዝሞቱ ፖላንዳውያን ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 ብዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን እተርፈረመት ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ብምምሕልላፍ፣ ንዅሎም እቶም በቲ ኣብ ሃገረ ሃንጋሪ ዘጋጠመ ዜሕዝን ሓደጋ መኪና እተጐዱኡ ሰባት ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም ዘለዎም መንፈሳዊ ቅርበት እውን ኣረጋገጾምሎም። ነቶም ህይዎቶም ዝሓለፈ ሰባት "ናብ ምሕረት ኣምላኽ" ብሕድሪ ኣወፈይዎም፣ ንጐይታ ድማ 'ንስድራ ቤቶም ኬጸናንዕ' ጸልዮም።

ዜና ቫቲካን

"ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገረ ሃንጋሪ ዘጋጠመ ዜሕዝን ሓደጋ መኪና፣ "ካብ ሜድጁጎርየ ዝምለሱ ዝነበሩ ፖላንዳውያን ነጋድያን ዝሓዘት ኣውቶቡስ ንዘጋተማ ዝተሰምዖም ዓቢይ ጓሂ ገሊጾም። " ዓሰርተው ክልተ ሰባት ሞይቶም ካልኦት ዓሰርተ ድማ ከቢድ ጕድኣት ወሪድዎም ይርከብ ኣሎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብያት ብዋና ሰሕፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዝፈረመ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ናብ ጳጳሳት ናይቶም ነጋድያን ሰበኻተታት ብፁዕ ኣቡነ ኣዳም ሻል ብዓል ፕርዜሚስል ከምኡውን ብፁዕ ኣቡነ ያን ዎትሮባ ብዓል ረሼሾቭ ኣብ ዝለኣኽዎ፣ንዅሎም እቶም በዚ ዜሕዝን ፍጻመ እተጐድኡ ሰባት ዘለዎም "መንፈሳዊ ቅርበት " እውን ገሊጾም።

ወፈያ ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቸስክተኮቫ

ቅዱስ ኣቦና  ኣብ መልእኽቶም፣ "ነዞም  ካብ ናይ እምነት ጕዕዞኦም ተመሊሶም ምድራዊ ጕዕዞኦም ዝፈጸሙ ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ምሕረት ኣምላኽ ብሕድሪ ኣወየይዎም። ብተወሳኺውን "ንስድራ ቤቶም ምጽንናዕ " ኪህቦም ንጐይታ ተማሕጸኑ። ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14፣  "ኣማልድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናይ ቸስቶኮቫ" ብምጥቃስ፣ " ንዅሉ ሰብ ናብ ኣምላኽ ድሕሪ ምምዕቋብ" ነቲ ምልክት ኣባታዊ ቅርበቶምን ክርስትያናዊ ተስፋን ዝዀነ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈልዎም ።"

ብዛዕባ እቲ ሓደጋ መርመራ ይቕጽል ኣሎ

እቲ ሓደጋ ካብ ዕለት 15-16 ነሓሰ ምሸት ካብ ቡዳፐስት ብሸነኽ ምብራቕ 140 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ዞባ ሜዞኬረስተስ ኣብ ዝርከብ M3 ጽርግያ ኢዩ ኣጋጢሙ። ጠንቂ እቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ድማ መርመራታት ይግበር ኣሎ። ብመሰረት እቲ ኣብ ፈለማ እተገብረ መርመርራታት፣ እታ 59 ሰባት ዝሓዘት ኣውቶቡስ ካብቲ መገዲ ወጺኣ ቅድሚ ምግልባጣ፣ ናብ ሓደ ጕድጓድ ኣተወት እዚ ድማ እቲ መራሕ ማኪና ስለ ዝደቀሰ ኪኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምታት እውን ኣሎ። ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሃገረ ፖላንድን ሃንጋሪን እውን ሓዘኖም ገሊጾም ኣለዉ፣ ነቶም ግዳያትን ንዝቘሰሉን ጸሎቶምን ቅርበቶምን እውን ኣረጋገጹሎም።

19 Aug 2026, 15:33