ር. ሊ. ጳ. ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ዝፍጸም ዓመጻ ደው ክብል ጸዊዖም
ዜና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ደድሕሪ እቲ ትማሊ ሰንበት ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ሰምታን ምሕጽናታን፣ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጥኤም ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዝፍጸም ዘሎ ተደጋጋሚ ዓመጽ ደው ክብል ከም ብሓድሽ ጻውዒት ኣቕሪቦም"። ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘካፈልዎ ቃል ምሕጽናታ ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ "ናብ ፍትሓውን ነባርን ሰላም፣ ናብ ናይ ክልተ ሃገራት መፍትሒ ምምሕያሽ ክግበር ኣለዎ" ድማ በሉ። ከምቲ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቺያ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2025 ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ከም ዝገለጽዎ፣ ቅድስቲ መንበር ኣብ ድሕንነትን ኣህጉራዊ ተፈላጥነትን ዘለዋ ዶባት እተመስረተ፣ ናይ ክልተ ሃገራት መፍትሒ ናብ ቅድስቲ መሬት ፍትሓውን ነባርን ሰላም ዝመርሕ እኳ እንተኾነ፣ ህያውን ፍትሓውን መገዲ ምዃኑ ውን ብቐጻሊ ኣረጋጊጻ እያ።
ጸኒሑ ድማ ኣብዛ ዓመት እዚኣ እቶም በቲ ግዜቲ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበሩ ብፁዕ ሊቀጳጵሳት ጋብሪኤለ ካቺያ ከም ዝገለጽዎ፣ "እስራኤልን ፍልስጥኤምን" ሓደ መዓልቲ "ኣብ ውሽጢ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ዶባት ብሰላምን ደሓንን ሓቢን ክነብራ ከም ዝኽእላ" ዘለዎም ርእይቶ ቅድስቲ መንበር ደጊሞም፣ ነቲ ሓቀይናን ነባርን ምዕባለ ክርከብ ከም ዝኽእል "ብብዙሓውነት ጥራይ ክርከብ ከም ዝኽእል" ብምምልካት ሓቢሮም። ብሓይሊ ዘይኰነስ ብትዕግስትን ዝርርብን ሓቚፉ ዝሕዝ ምትሕብባርን እዩ" በሉ።
'ትንቢታዊ ምልክት ሰላምን ሕውነትን'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ከም ዘመልከትዎ፣ ነቲ ኣብ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃን እስያን ኣውሮጳን ዝመጹ ስፖርተኛታት ዝሳተፍዎ ውድድራት ስፖርት ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝጀመረ እውን ኣዘኻኺሮም። ኣብዚ ዓመት እዚ ጸወታታት ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ታራንቶ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ወግዓዊ ማሕበር ስፖርታዊ ውድድራት ቅድስቲ መንበርን ኣትለቲካዊ ምንቕስቓሳት ቫቲካናን እውን ኣብቲ ውድድር ክትሳተፋ ኢያተን፣ ኣርባዕተ ተወዳደርቲ ድማ ኣብቲ ጸወታታት ይወዳደሩ ኣለዉ።
ቅዱስ ኣቦና እቲ ጸወታታት "ኣብ መንጎ ህዝብታት እዚ ዞባን መላእ ዓለምን ትንቢታዊ ምልክት ሰላምን ሕውነትን" ክኸውን ተስፋ ከም ዝገብሩ ድማ ገለጹ።
ፍሉይ ሰላምታ ንነጋድያን
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነቶም ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ፣ ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝሳተፉ ዘለዉ ነጋድያን ሓንጐፋይ ኢሎም ብምቕባል፣ ነቶም ኣብ ፖላንድ ኣብ ዞባ ላዕለዋይ ሲሌዥያ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ፒካሪ ሽሎስኪ ዝካየድ ባህላዊ ንግደት ደቂ ኣንስትዮ ንዝገበርዎ ጕዕዞ ንዝሳተፉ ዘለዉ ፍሉይ ሰላምታ ኣቕረቡሎም።
