ር. ሊ. ጳ.፦ ቅድስት አጋታ ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ሞት ከም እትዕወት ኣርእያ
ዜና ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብ ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝጸሓፍዋ ደብዳበ፣ ኣብ መበል 900 ሚእቲ ዓመት ምምላስ ቅርስታት ሰማእት ቅድስቲ አጋታ ማለት ናብታ ኸተማ እተመልሰሉ እዋን፣ ኣብ ካታንያ ሲቺልያ ኣብ ዚግበር ጽምብላት ከም ተወካሊ ቅዱስነቶም ኰይኖም ክሳተፉ ከም እተሾም ኣብ ዘልክቱሉ መልእኽቲ፣ "ኣብ ሰማእትነት ቅድስቲ ኣጋታ ንክርስቶስ ተኣማንነትን ፍቕርን ክሳዕ ምሉእ ብምሉእ ገዛእ ርእስኻ ብመስዋእቲ ክሳዕ ንምሕላፍ ዝገብር ወፈያ ዘንጸባርቕ ኣብነት ናይ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ፣ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ዓመጻ፣ እምነት ኣብ ልዕሊ ፍርሂ፣ ፍቕሪ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሞት ከም ዝዕወት የስተንትኑሉ" ክብሉ ኣመልከቱሎም።
ቅድስቲ አጋታ ኣብ 3ይ ክፍለ ዘመን ናይ ሃጼይ ሮማ ዝንበረ ደሰዩስ ኣብ ዘስዓቦ ጸረ-ክርስትናዊ ስደት እምነታ ንምኽሓድ ብምእባያ መንእሰይ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ተሰቒላ ሰማዕትነታ ፈጸመት።
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መልእኽቶም፣ እዛ ቅድስቲ ኣብ ሕማማት ክርስቶስ ከም እተሳተፈን፣ "ጐይታ ነቶም ኣብ ፈተናታትን ሽግርን ጸኒዖም ዘፍቅርዎ ብርታዐ ዜንጸባርቕ ምስክርነት" ከም ዘርኢ እውን ጽሒሮም ኣለዉ።
'ህያው ህላወ'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝጸሓፍዎ፣ እታ ኣብ ካታንያ እትኸብር ቅድስት ኣጋታ "ሳንቱዛ" (ንእሽቶ ቅድስቲ) ብዝብል ስም ኢያ እትጽዋዕ፣ "ንክርስትያናዊ ተዘክሮ ናይቲ ሕዝቢ ዝሕሉን፣ ናብ ወንጌላዊ ጽኑዕ ህይወት ከምኡ እውን ናብ ተስፋን ልግስን ዝጽውዖም ህያው ህላወ" ድማ እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ህላወኣ ንሕብረት ቅዱሳን ከም ዘርአ ይገብር፣ ከምኡውን "ኣብ ምእመናን ናይታ ኣብ ምድሪ ዘላ ነግዲት ቤተ-ክርስትያን ብምልማድን ኣብነትን እቶም ድሮ ኣብ ሰማያዊ ኽብሪ ተኻፊሎም ዘለዉ ቅዱሳን ሰባት ከም እትድግፍ ንምፍላጥ ዘኽእል ኢዩ" ክብሉ እውን ኣመልከቱሎም።
