ር. ሊ. ጳ. ኣብ ጀናዛኖ ናብ እትርከብ ቤተ መቕደስ ደብረ ቅድስተ ማርያም ዘሰናይ ምክር ክበጽሑ ኢዮ
ዜና ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብታ ካብ ሮማ ኣስታት ኣርብዓን ሓሙሽተን ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ጌናዛኖ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ዳግም ክበጽሑ እዮም፣ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ኣብ ግዜ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ፣ ኣብ እዋን ሓጋይ ናይ ዕረፍቲ ስፍራ ዝነበረት፣ ኣብ ማእከላይ ዘመን ከኣ ክፍሊ ስድራ ቤት ኮሎና ዝዀነት ቍሸት ኢያ ። ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ንኣባላት ማሕበር ካህናት ኣጐስጢኖሳውያን ብሕድሪ እተዋህበት ንእሽቶ ቤተ-ክርስትያን ድማ ኣባኡ ትርከብ፣ እዛ ቤተ ክርስትያን ደብረ ቅድስተ ማርያም ዘሠናይ ምክር ተባሂ ድማ ትፍለጥ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ናብ መንበረ ጴጥሮስ ድሕሪ ምቕማጦም፣ ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ብዕለት 10 ግንቦት 2025 ናብዛ ቤተመቕደስ እዚኣ ብሕታዊ ምብጻሕ ከም ዘካየዱ እውን ዝዝከር ኢዩ። ልዕሊ ሓደ ዓመት ጸኒሖም ድማ ኣብ ድሮ በዓል ልደት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዳግም ክበጽሕዋን ኣባኡ ድማ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕርጉን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣፍሊጡ።
ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካየድዎ ናይ መጅመርታ ምብጻሕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ኣብዘን ቀዳሞት መዓልትታት ዘመነ ጵጵስናይ፣ እቲ ቤተ-ክርስትያን ብሕድሪ ዝሃበትኒ ሓድሽ ኣገልግሎት ከም ተካኢ ቅዱስ ንጴጥሮስ ኰይነ ተልእኾይ ንምቕጻል፣ ናብዚ ክመጽእ ኣዝየ እደሊ ነበርኩ" ቢሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ፣ ነቶም ኣብ ወጻኢ ቤተ ክርስትያን ተኣኪቦም ንዝነበሩ ምእመናን ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኑ ንፈለማ እዋን ናብ ጌናዛኖ ኣብ ዝበጽሑሉ ነዚ ሓሳባት እዚ እውን ኣካፈልዎም። ኣብ ናይ ክብሪ መጽሓፍ ኣጋይሽ እቲ ቤተ መቕደስ ድማ ናብ "ቤተ መቕደስ ቅድስቲ እመቤትና ዘሰናይ ምክር" ንምምጻእ "ግዴታን ዓሚቝ ባህጊን" ከም እተሰምዖም ጸሓፉ።
"ኣብ ምሉእ ህይወተይ ብህላወኣን ብጥበባን ከምኡውን በቲ ወትሩ ማእከል እምነተይ ዝዀነ ወዳ ዘለዋ ፍቕሪ ኣርኣያ ኮይናትኒ እያ። ነቲ መንገድ፣ ሓቅን ህይወትን ዝኾነ ወዳ፣ ከም ኣደይ ኮይና ስለ ዝሓገዘትኒ አመስግና፣ ኣብዚ ሓድሽ ተልእኾ እውን ኣሰንዮምኒ ኢዮም" ክብሉ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ገሊጾም።
ኣብ ማሕበር ካህናት ኣጐስጢኖሳውያን ኣውራጃ ቺካጎ ኣብ ዝርከብ ምስ ተጸምበሩ ድማ፣ እዚ ማሕበር እዚ ንባዕሉ ንእኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሰናይ ምክር ከም እተወፈየ ኣስተውዓሉ።
ኣብ ደብረ ማርያም ዘሠናይ ምክር ዘካየድዎ ብሕታዊ ምብጽሕ
እቲ ብዕለት 10 ግንቦት 2025 እተገብረ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንመጀመርታ ግዜ ዘካየድዎ ሃደበታዊ ምብጻሕ ኢዩ ዝነበረ።
ከም ፈላሲ ኣባል ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን መጠን ንዓሰርተታት ዓመታት ናብዚ ቤተ መቕደስ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማይርም ዘሠናይ ምክር በጺሖም ኢዮም። ኣብ መጀመርታ 1980ታት መንእሰይ ተመሃራይ እንከለዉ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ሮማ ምስ መጹ እውን ኣባኡ በጺሖም ኢዮም። ጸኒሖም ድማ ብተደጋጋሚ ከም ጠቕላሊ ሓለቓ መሕበር ካህናት ኣጐስጢኖሳውያን እውን ምብጻሕ ኣካይዶም ኢዮም፣ ከም ጳጳስ ቺክላዮ ኣብ ዝንበረሉ እዋን ከምኡውን ካርዲናል ኰይኖም ኣብ ሮማ ኣብ ዘገልግሉሉ ዝንበሩ እዋን እውን ናብዛ ቤተመቕደስ ተመላሊሶም ምብጻሕ ኣካይዶም ኢዮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኖም ቅድሚ ምምራጾም፣ እቲ ናይ ቀረባ እዋን ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብ ዕልት 25 ሚያዝያ 2024 ኣብ ክብረ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማይርም ዘሰናይ ምክር እዩ ዝንበረ። ኣብቲ ዕለት እቲ ኣብ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ነቶም ምእመናን ንማርያም ኣብ መላእ ዓለም ሰላምን ዕርቅን ንምስፋን ከም መተባብዒት ገይሮም ክርእይዋ ተማሕጸንዎም።
ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብታ ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተመርጸላ መዓልቲ፣ ማለት ዕለት 8 ግንቦት 2025 ኣብ ማእከላይ ሰገነት ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ምቕልቃሎም፣ ኣብ ቤት ጸሎት ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሃዋርያዊ ሕንጻ ሃገራ ቫቲካን ዝርከብ፣ ኣብ ቅድሚ ምስሊ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሰናይ ምክር ብየማን እቲ መንበረ ታቦት ዝርከብ ግዜ ወሲዶም ከም ዝጸለዩ ዝዝከር ኢዩ።
ታሪኽ ናይታ ቤተ መቕደስ
ቤተ መቕደስ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሰናይ ምክር፣ ኣብታ ኣብ መበል 13 ዘመን እተሓንጸት፣ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም እተወፈየት ንእሽቶ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዝነበረትሉ ስፍራ እዩ ዝርከብ፣ ኣባላት ማሕበር ኣጉስቲንያውያን ዝኾኑ ካህናት ከኣ ኣብ ወሰናስን ከተማ ጌናዛኖ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ገዳም ኢዮም ዝንበሩ።
ብ1356 እቶም ገዛእቲ እቲ ኸባቢ ዝነበሩ ስድራቤት ኮሎና፣ ነቲ ቦታ ኣምልኾ ናይ ምክንኻን ጉስነታዊ ኣገልግሎት ነዞም ፈለስቲ ብሕድሪ ኣወፈይዎ። ኣብ መጀመርታ መበል 15 ክፍለ ዘመን ምስቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ገዳም እንደገና ኺሃንጽዎን ኬስፍሕዎን ድማ ወሰኑ።
ፔትሩሺያ ዝስማ ኣብ ኣባል ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን ናይ ሳልሳይ ደረጃ መበለት፣ ንዅሉ ጥሪታ ብምሻጥ ኣብቲ ዝተጀመረ ውጥን ኣበርክቶ ግበረት። ነቲ ዕዮ ንምፍጻም እኹል ገንዘብ ስለ ዘይነበራ እኳ እንተ ተላገጹላ፣ ቅድስት ድንግልን ቅድስት ኣጐስጢኖስን ግን ከም ዚዛዝምዎ ወትሩ ትኣምን ነበረት።
ብዕለት 25 ሚያዝያ 1467 ተኣምራዊ ፍጻመ ተፈጸመ፣ ምስሊ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ መንደቕ እታ ገና ኣብ ህንጸት ዝነበረት ቤተ-ክርስትያን ተራእየ። ጸኒሑ ብኽልተ ኣልባንያውያን ነጋድያን እቲ ኣብ ሽኮደር ኣልባንያ ዝኸብር ዝነበረ ምስሊ ኻብቲ ኣኽቢርካ ዚርአ ዝነበረ ቦታ ኸም ዝጠፍአ ተፈልጠ።
እዚ ፍጻመ እዚ ዓቢይ ኣግራሞት ዝፈጠረ፣ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ምእመና ድማ ምስሕብ ዝኾነ ኢዩ ዝንበረ። ነዛ ምስሊ እዚኣ ድማ ብዙሕ ተኣምራትን ጸጋታትን ተነግረ፣ ሳላ እቲ ዝፈሰሰ ወፈያታት ከኣ ህንጸት እቲ ቤተ-ክርስትያንን ገዳም ኣጐስጢኖሳውያንን ድማ ተዛዘመ።
ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ካልኦት ጳጳሳት እውን ነቲ ኣብ ጌናዛኖ ዚርከብ ቤተ መቕደስ ይበጽሕዎ ነበሩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኡርባን ሻምናይ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ ታሽዓይ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ከምኡውን ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብዛ ቤተመቕደስ ምብጻሕ ኣካይዶም ኢዮም። ስእልታቶም ኣብ መንደቕ እታ ንእሽቶ ቤት ጸሎት ድማ ይርከብ ኣሎ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ዕለት 7 መስከረም ዝካየድ ምብጻሕን መሥዋዕተ ቅዳሴን ምኽንያት ብምግባር፣ ክቡር ኣባ ሉዶቪኮ ሴንትራ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ልክዕ ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅድሚ ምስሊ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያማ ክጽልዩ ኸለዉ ዘርኢ ስእሊ ክኽፈት ምዃኑ ድማ ንዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
