ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንሲኖዶስ መጥዮዲስትን ቫልደዝን፡ ብዛዕባ ሓርነት ደቂ ኣምላኽ ብሓባር መስክሩ ር.ሊ.ጳ. ንሲኖዶስ መጥዮዲስትን ቫልደዝን፡ ብዛዕባ ሓርነት ደቂ ኣምላኽ ብሓባር መስክሩ  (Chiesa Evangelica Valdese - Unione delle chiese metodiste e valdesi)

ር.ሊ.ጳ. ንሲኖዶስ መጥዮዲስትን ቫልደዝን፡ ብዛዕባ ሓርነት ደቂ ኣምላኽ ብሓባር መስክሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምኽንያት ምጅማር ናይ ኣብያተ ክርስቲያን ሜዮዲስትን ቫልደዝን ሲኖዶስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ እንከስተንትኑ፣ “እደ ጥበብ ልቢ ወዲ ሰብ ንድሕሪት ክምለስ ከይፈቐደ ክስጉም ኣድላዪ ምዃኑ የጒልሑ።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ናይ ከተማ ፒነሮሎ ሰበኻ ጳጳስ ዳሪዮ ኦሊቨሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እቲ ዕለት 22 ነሓሰ ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ዞባ ፒየሞንት ኣብ እትርከብ ከተማ ቶረ ፔሊስ ዝጀመረ ሲኖዶስ ኣብያተ ክርስቲያናት ሜቶዲስትን ቫልደዝን “ሰናይ ትምኒቶም” ገሊጾም፡ ቫልደዝያዊት ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣልያን ስዊዘርላንድን ደቡብ ኣሜሪካን እትርከብ ክፍሊ ፕሮተስታንት ቤተ ክርስቲያን  ኮይና ምስ ሜጦዲስት ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተዋሃሃደት ከም ዝኾነትን ሲኖዶስ ሕብረት ሜጦዲስትን ቫልደዝያን ኣብያተ ክርስቲያን ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 26 ነሓሰ 2026 ኣብ ቶረ ፔሊስ ዞባ ቶሪኖ ይካየድ ከም ዘሎን፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ዘካይዶ ሲኖዶስ ብዛዕባ መጻኢ ቀዳምነታቱ ክዘራረብን ክውስንን ዝተጸውዐ ኮይኑ፡

እቲ ሲኖዶስ፡ ሰላም፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ኤቍመናዊ ምትእስሳር፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ምክልኻል ተቓላዕቲ ሰባት፡ ዘላቕነት፡ ከምኡ’ውን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓለም ክርስትያናዊ ምስክርነት ዘጋጥሞም ብድሆታት ዝኣመሰሉ ሰፊሕ ጉዳያት ክድህሰስ እዩ።

ዝተፈላለዩ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብሓባር ብዛዕባ ናጽነት ክምስክሩ ይጽውዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ቅድሚ ምኽፋት ንጥፈታት ሲኖዶስ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ ማእከላይ ዝክረ ነገር ዝነበረ ዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ምልእኽቶም እንከስተንትኑ፡ “ኣብ ቅድሚ ብድሆ ስነ ኣሃዛዊ ሰውራ፣ ክርስትያን ነቲ በርኣያን ብኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ናጽነት ሰብኣውነት ብሓባር ክምስክሩ ዝተጸውዑ ምዃኖም ከስተውዕሉ ተላብዮም”Magnifica humanitas - ግሩም ሰብኣውነት  ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ጠቒሶም፡ “እደ ጥበብ ንልቢ ወዲ ሰብ ንድሕሪት ከመልስ ብዘይምፍቃድ ምምዕባል የድሊ - ቢሎም - በዚ ተስፋ እዚ ድማ ውህበት መንፈስ ቅዱስን በረኸት ጎይታን ኣብ ልዕሊ ሲኖዶስ እምሕጸን ኢሎም።

25 Aug 2026, 16:14