ድለ

ክልተ ህዝብታት፡ ክልተ ሃገራት፡ ጽኑዕ መርገጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ክልተ ህዝብታት፡ ክልተ ሃገራት፡ ጽኑዕ መርገጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን 

ክልተ ህዝብታት፡ ክልተ ሃገራት፡ ጽኑዕ መርገጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 16 ነሓሰ ፍርቂ መዓልቲ ብሓባር ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋዲያን መሪሖም ድሕሪ ዘቕረብዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ቅድስቲ መንበር ንነዊሕ እዋን ንእስራኤልን ፍልስጤምን “ፍትሓውን ነባሪን” ሰላም ንምምጻእ እንኮ መንገዲ ንኽልተ ሃገራት ዝሓቖፈ ፍታሕ ንነዊሕ እዋን እተቕርቦ መርገጽ ጸጊሞም ከም ዘረጋገጹ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሳልቫቶረ ቸርኑዚዮ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ የጒልሕ።

ዜና ቫቲካን

እቲ “ክልተ ሃገራት” ዝብል ፍታሕ፡ እቲ እንኮ ክኸውን ዝኽእል መንገዲ ሰላም ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ታሪኽ  ዝከታተሉ እዮም፣ ከምቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ኩነታት፣ ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ዓመጽን ምፍልላይን ብዓቢኡ ተጠናኺሩ ኣብ ቕጽለሉ ዘሎ እዋን እውን እንተኾነ ንኣስታት ሰማንያ ዓመታት ስነ ሜላዊ ርክብ መርገጺ ቅድስቲ መንበር ጽኑዕ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ: “ክልተ ሃገራት” ፍትሕን ፍትሓውን ነባሪን ሰላምን ከውሕስ ዝኽእል እንኮ ተስፋ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ መንግስቲ እስራኤል ብጽኑዕ እኳ እንተነጸጎ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ታሪኻዊ መርገጺ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ብኣጽንዖት ደጊሞም የረጋግጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዕለት 16 ነሓሰ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ፍልስጤማውያን ዝወረዶም ግህሰታትን ዓመጽን ድሕሪ ምኹናን፡ “ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ንምስጓም ክሰርሕ ብህጹጽ ኣላበው” ከም ዝበሉ ቸርኑዚዮ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣመላኺቱ፡ እዚ ውጥን እዚ - ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1947 ኣብቲ ብሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዝጸደቐ ውጥን ክልተ ሃገራት ዝብል ውሳነ - ኣብ መወዳእታ ክውን ክኸውን፡ ዳግማይ ድፍኢት ክግበረሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ይሕብር።

ጽኑዕ ናይ ስነ ሜላዊ ርክባት መርገጺ

ኣብ 1947 ቅዱሳት ቦታታት ኢየሩሳሌም ኣህጉራዊ ንምግባር ካብ ዝቐረበ ጻውዒት ጀሚሩ፡ እቲ ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ፡ ካብ 1980ታት ጀሚሩ፡ እምነ ኩርናዕ ናይቲ ቅድስቲ መንበር ስነ ሜላዊ ርክባት መርገጺ ኣብ ፍታሕ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ጽኑዕ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ፣ ብተደጋጋሚ ምዕባለታት ብስምዒታዊ ግብረ መልሲ ዝተቐረጸ ዘይኮነስ ኣብ ታሪኽ ጽኑዕ ሱር ዝሰደደን ብተኸታታሊ ተኸተልቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝድልድል ጽኑዕ መርገጺ እዩ።

ፒዮስ መበል 12 ንቅዱሳት ቦታታት ንምሕላው ዘቕረብዎ ጻውዒት

እቶም ቀዳሞት መግለጺታት ካብ 1948 ዝጅምር ኮይኑ፡ ፒዮስ መበል 12፡ ኣብ ኣብ ብዙሕ ሓልዮት - In multiplicibus curis ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ንነፍሲ ወከፍ ካብቶም ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ወገናት (ውግእ ዓረብን እስራኤልን) “ውሕስነት ህላወ፣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ንመንፈሳውን ንዋታውን ሰናይ ሂወት ዝምችእ ግብረ ገባውን ኣካላውን ኩነታት ህይወት ከረጋግጽ ዝኽእል ስርዓት” ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም እዮም፡ ኣብቲ ስዒቡ ዝመጸ ተበጃዊ ስቓይና - Redemptoris nostri cruciatus ዘርእስቱ ናይ 1949 ዓዋዲ መልእኽቲ ምስ ሕይወት መድሓኒ ዝተኣሳሰሩ ቅዱሳት ቦታታት ብኲናት ዕንወት ከይወርዶም ዝተሻቐሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 12 ንመራሕቲ ዓለም ንኢየሩሳሌምን ከባቢኣን “ሕጋዊ ዂኔታ” ክህብዋ ከእምኑ “ኩሉ ሕጋዊ መገዲ ክጥቀሙ” ተማሕጺኖም፣ ርግኣታ ብእኹል ጻዕሪ ሰላም ዝፈትዉ ሃገራት ብእኹል መንገዲ ክረጋገጽ ዝኽእል ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ቸርኑዚዮ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ የስተብህል።

ጳውሎስ ሻድሻይን ሕጋዊ መሰላት ፍልስጤማውያንን ዝምልከት እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1964 ናብ ቅድስቲ መሬት ዝተጓዕዙ ኣብ ዋዜማ ናይ 1967 ኲናት ሽዱሽተ መዓልቲ ብዛዕባ ሕጋዊ መሰላት ህዝቢ ፍልስጤም ብንጹር ተዛሪቦም፡ ነቲ ጉዳይ ካብ ሰብኣዊ ህጹጽ ኩነታት ናብ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ሕቶ ቀይረምዎ እዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኡ ታንት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ልባዊ መልእኽቲ፡ ኢየሩሳሌም “ብሰንኪ እቲ ፍሉይ ብሩክ ወቅዱስ ባህርያታ” “ክፉትን ዘይትግሃስን ከተማ” ከምኡ እውን ካብ ወተሃደራዊ ስርሒታት ነጻ ክትከውንን ካብ ሳዕቤን ውግእ ክትድሕንን “ኩሉ ጻዕሪ” ክግበር ብስም መላእ ክርስትያናዊ ዓለም ጻውዒት ኣቕሪቦም ምንባሮም ቸርኑዚዮ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ የዘኻኽር።

ወሳኒ ድርኺት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ

እቲ ወሳኒ ድርኺት ግና ካብ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝመጸ ኮይኑ፡ ናይ ፍልስጤማውያን መሰል ናጻ ዓዶምን ብሓይሊ ዝጸውዑ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ እስራኤል ብውሕስነት ናይ ምንባር መሰል ክረጋገጽ ኣለዎ እንክብሉ ብኣጽንዖት ዝተዛረቡ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዮም።

እዚ ክልተኣዊ ጻውዒት ኣብ 1984 ዓመተ ድሕነት - Redemptionis anno ኣብ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ተሰኒዱ ኣሎ፡ "ነቶም ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝነብሩን ኣብታ ምድሪ ከምዚ ዝኣመሰለ ክቡር ምስክርነት ታሪኹን እምነቱን ዝዕቅብ ህዝቢ ኣይሁድ፡ ኣድላዪ ውሕስነትን ግቡእ ቅሳነትን ክንሓትት ይግባእ፡ እዚ ድማ ናይ ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ፍሉይ መሰልን ንነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ናይ ህይወትን ምዕባለን ኩነታትን እዩ" ከም ዝበሉን ኣስዒቦም እውን፡ “ኣብታ መሬት ታሪኻዊ ሱር ዘለዎን ንዓሰርተታት ዓመታት ተበታቲኑ ዝጸንሐን ህዝቢ ፍልስጤም፡ ዓዱ ዳግማይ ናይ ምርካብን ምስ ካልኦት ህዝብታት ናይቲ ዞባ ብሰላምን ድሕንነትን ክነብርን ባህርያዊ መሰል ኣለዎ” ከም ዝበሉ ቸርኑዚዮ ኣዘኻኺሩ፡

ኣብ 2000 ናብ ቅድስቲ መሬት ኣብ ዝገበርዎ ጉዕዞ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ደጊሞም ብምቕላሕ - ብሓደ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተባህለ ናይ መጀመርታ መርገጺ ዘይኮነስ ብኣገዳስነቱ “ታሪኻዊ” ተባሂሉ ዝንኣድ እዩ።

ደገፍ በነዲክቶስ መበል 16

ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት ካልእ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ማለት በነዲክቶስ መበል 16 ናብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2009 ኣብታ ቅድስቲ ግን ከኣ ቆሲላ ዝነበረት ምድሪ ኢየሱስ እግሮም ዘንበሩ፡ ኣሰር ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ብምስዓብ፡ እቲ “ክልተ ሃገራት” ዝብል መርገጺ ቅድስቲ መንበር ኡጦቢያ ወይ ዘይጭበጥ ራእይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ዓንኬል ዓመጽ ንምውጋድን መጻኢ ናይቲ ዞባ ንምውሓስን ኣድላዪ ቅድመ ኩነት ምዃኑ በኣጽንዖት ከም ዘስመሩሉን ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 “ቅድስቲ መንበር መሰል ህዝብኹም ኣብ መሬት ኣቦታትኩም ውሑስን ምስ ጎረባብታ ብሰላምን ኣብ ውሽጢ ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ዶባት ልኡላዊት ፍልስጤማዊት ዓዲ ክትረክብ ትድግፍ - ቢሎም - ፍልስጤማውያን “ሃልሃልታ ተስፋ ህያው ክገብሩ፣ ንሕጋዊ ባህጊ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ንሰላምን ምርግጋእን ዘማልእሉ መንገዲ ክርከብ ከምዝኽእል ተስፋ ክገብሩ” እክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ቸርኑዚዮ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ የጒልሕ።

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቃልን ምልክትን

ኣብ ግዜ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እዚ ቃል ኪዳን እዚ ዝያዳ ኣህጉራውን ወግዓውን ባህሪ ሒዙ። ብስነ ሜላዊ ርክባት ተበግሶታት - ቅድስቲ መንበር ኣብ 2015 ንሃገረ ፍልስጤም ብወግዒ ኣፍልጦ ዝሃበት ኩለመዳያዊ ስምምዕ ምፍራማ ሓዊሱ - ከምኡ'ውን ብዝያዳ ጉስነታዊ ምልክታት፡ ከም ኣብ 2014 ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ኣብቲ እዋን ናይ እስራኤል ርእሰ ብሔር ሽሞን ፐረስን ርእሰ ብሔር ፍልስጤም ማሕሙድ ኣባስን ኣሳቲፉ ብዝተኻየደ መደብ ጸሎት ምንቲ ሰላም ብዝኣመሰሉ ተግባራት ደልዲሉ እዩ።

እቲ ምትእኽኻብ እቲ ሓደ ካብ ፍረታት ናይቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ቅድስቲ መሬት ዝገበርዎ ጉዕዞ እዩ ነይሩ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኾርገ ማርዮ በርጎሊዮ ብዘይ ምግናን:- “ኩሉ ሰብ ኣብ ኣገልግሎት ሓባራዊ ረብሓ ለጋስን ፈጠራውን ክኸውን ትብዓት ዝረኽበሉ እዋን በጺሑ ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣብ ምእማን መሰል ክልተ ሃገራት ህላወን ኣብ ውሽጢ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ዶባት ብሰላምን ድሕንነትን ዝምርኮስ ሰላም ንምፍጣር ትብዓት ዝረኽበሉ እዋን በጺሑ ኣሎ” እንክብሉ ብዘየማትእ መገዲ ገሊጾምዎ እዮም።

ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቃላቶምን ኣካላቶምን ብቐጻሊ ካብ ቀዋሚ ተልእኾታት ቅድስቲ መንበር ናብ ዓለም ሓቆፍ ትካላት ብዝሃብዎ መግለጺታትን ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ብቐጻሊ ዝድገፍ ኮይኑ፡ “ክልተ ህዝብታት፡ ክልተ ሃገራት” ዝብል መፍትሒ እቲ ዝያዳ ህጹጽ ፖለቲካዊ መንገዲ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዘስመሩሉ ምንባሩ ቸርኑዚዮ የዘኻኽር።

ጻውዒት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14

እዚ ሕድሪ’ዚ ሕጂ ኣብ ኢድ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘሎ ኮይኑ፡ ነቲ ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ዝብል መርገጹ ካብ ዝጸንዕ ኣትሒዙ ማእከላይ ቅዉም ሓሳብ ኣህጉራዊ ክትዕ ገይሮምዎ ኣለዉ።

ብፍላይ ኣብ ቱርኪ ዘካየድዎ መገሻ ዛዚሞም ካብ ኢስጣምቡል ናብ ቤሩት - ሊባኖስ ኣብ ዝተጓዕዙላ ነፋሪት፡ ነቶም ዘሰንይዎም ዝነበሩ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ማዕከናት ዜና ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ቅድስቲ መንበር ንብዙሕ ዓመታት ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ዝብል ሓሳብ ብግልጺ ደጊፋቶ እያ ትድግፎ እውን ኣላ። እስራኤል ክሳብ ሕጂ ነዚ ፍታሕ ከምዘይትቕበሎ ኩላትና ንፈልጦ ኢና፡ እንተኾነ ግን ነቲ ብቐጻሊ ዘጋጥሞም ዘሎ ግጭት ፍታሕ - ንበል - መፍትሒ ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ዘለዎ እንኮ መገዲ ቢልና ኢና እንኣምን” ከም ዝበሉ ቸርኑዚዮ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣዘካኺሩ፡ ዕለት 9 ጥሪ 2026 ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነዚ መርገጺ’ዚ ደጊሞም፡ “ብፍላይ እቲ ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ንዕግበት ሕጋዊ ባህጊ ክልቲኡ ህዝብታት ቅዋማዊ ኣረኣእያ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ” ከም ዝበሉ ኣዘካኺሩ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮንን ቅድሚኦም ዝነበሩን ገና መልሲ ይጽበዩ ኣለዉ። ኲናት ንህዝብታት ምጥፋእ እናቐጸለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ እናኸበደ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል። ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ግና ፖለቲካዊ ዘይምስምማዕን ሰብኣዊ መዓትን ነቲ ፍታሕ ዘዳኽም ኣይኮነን፤ ብኣንጻሩ ግን ህጹጽነቱ የጉልሑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ህጹጽነት ኣስሚሮም ማሕበረሰብ ዓለም ሓላፍነት ክወስድ ድማ ጻውዒት የቕርቡ ከም ዘለዉ የመላኽት።

18 Aug 2026, 17:07