ድለ

2026.08.06 Visita Pastorale ad Assisi - Basilica di Santa Maria degli Angeli: Celebrazione della Santa Messa 2026.08.06 Visita Pastorale ad Assisi - Basilica di Santa Maria degli Angeli: Celebrazione della Santa Messa  (@VATICAN MEDIA)

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ኣሲዚ ንዝገበርዎ ምብጻሕ ኣመስጊኖም፣ "ሎሚ ቤተ-ክርስትያን ምዃንና ንእመን"

ኣብ መደምደምታ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ደብረ ቅድስተ ማርያም ዘመላእክት ኣብ ኣሲሲ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ሓደ ፍራንቸስኮ ዝስሙ መንእሰይ ንክርስቶስ ኣብ ምስዓብ መንእሰያት ትብዓት ምእንቲ ኸይጐድሎም ክጽልዪሎም ንቅዱስ ኣቦና ሓተቶም። ቅዱስነቶም ድማ "ሓደ እኳ ጓና ኣይኰነን፣ ሓደ እኳ ዝተገለለ የልቦን ክብሉ" ኣመልከቱሎም።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ኣሲሲ ዘካየድዎ ጕስነታዊ ምብጻሕ ብሓቂ "ኣባታዊ" እዩ ዝንበረ፣ "እዞም ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ተስፋኦምን ቓልሶምን ከም ዝካፈሉ ዚሕብር ምልክት" እዩ ነይሩ። በዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ መደምደምታ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘመላእከት ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ናይ መወዳእታ ቡራኬ ምክፋሎም፣ ፍራንቸስኮ ቫሮን ዝተሰመየ ሓደ ኻብቶም ተሳተፍቲ ፍራንቸስካውያን መንእሰያት ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስለቲ ናብ ኣሲሲ ዝገበርዎ ምብጻሕ ኣመስገኖም።

ቫሮን ከም ዝገለጾ ቅዱስነቶም ኣብ መንጐኦም ምርካቦም ንመንእሰያት "ሰናይ ንምምራጽን ወንጌል ንልቢ ደቂ ሰብ ክቕይሮ ኸም ዚኽእል ክኣምኑን" ከይፈርሁን ከም ዘተባብዖም ኣመልከተሎም።

ክርስቶስ ንፍልላያትን ጽምዋን ስዒሩ እዩ

ቫሮን ነቲ ብዙሓት መንእሰያት ዜሕልፍዎ ዘለዉ "ስቓይ ምክፍፋልን ፍርሕን ጽምዋን" ገለጸ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቲ ኣብ ኣሲሲ ዝረኸብዎ ተመክሮ፣ ዓሚቝ ህንጸት ከም ዝረኽቡ ከም ዝገበሮም ገለጹ። ኣብ ከተማ ድኻታት ኣሲዚ መንእሰያት "ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓድነት ከም ዚህልወናን በይንና ኸም ዘይኰንናን ብዓይኖም ክርእይዎ ኽኢሎምን እዮም።" ልክዕ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዘዳለውዎ ጳጳሳትዊ ጭርሖም In Illo uno ("ኣብቲ ሓደ ሓደ ኢና") ዝብል ምንባሩ እውን ኣመልከቱ። ኣብ ክርስቶስ "ሓደ እኳ ጓና የልቦን ሓደ እኳ ዝተገለለ እውን የልቦን"፣ ኣብ ክንዳኡስ ኵላትና "ውሉድ ሓደ ኣቦ ስለ ዝዀንና እምበር፣ ብኣጋጣሚ ኣይኰናን" ብምባል ኣሓቀይና ኣሕዋትን ኣሓትን እዮም ክብሉ እውን ኣመልከቱሎም።

ንወንጌል ንምምራጽ ዘድሊ ትብዓት

ኣብ መወዳእታ እቲ መነደብ መንእሰይ ቫሮን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ከምቲ ውሉድ ካብ ኣቦኦም ዝልምንዎ"፣ ሓደ ፍሉይ ውህበት ንቅዱስነቶም ሓተቶም፣ እዚ ኸኣ "ምእንታና ምጽላይ ኣይትረስዑ" ዝብል ኢዩ ዝንበረ።

ቫሮን ኣስዒቡ ከምዚ በለ፦ "ኣብ ማእከል ጫውጫውታ ዓለም ድምኢ ጐይታ ብኸመይ ከም እነለልዮ ምእንቲ ኽንፈልጥ፣ ንእስነትና ድማ ኣብ ኣገልግሎት እተዋህበ ህይወት ምእንቲ ክንገብሮ፣ ንክርስቶስ ንምምራጽ ትብዓት ከይንስእን ጸልዮልና" በሎም።

"ቅዱስ ኣቦና፣ ሎሚ ቤተ-ክርስትያን ከም ምዃና ስለ ዚስምዓና ዘሎ አመስግነኩም" ክብል ድማ መልእኽቱ ደመደመ።

07 Aug 2026, 19:15