ድለ

ብጹዕ ካርዲናል ኦምለይ፥ “ናይ ጒስነት ለውጢ” ብጹዕ ካርዲናል ኦምለይ፥ “ናይ ጒስነት ለውጢ” 

ብጹዕ ካርዲናል ኦምለይ፥ “ናይ ጒስነት ለውጢ”

ብጹዕ ካርዲናል ኦምለይ ድሕሪ እቲ ነዊሕ ጉዕዞ ኣብ ድንቍርና እቲ ዝሓለፈ ስቓይ ምንጪ ምሕያው ከምዝኾነ ሓቂ እዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን እዚ ገበን እዚ ከይፍጸም ጽኑዕ ድላይ ክህሉን ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለዩ ስጒምቲ ንኽትወስድ ዘብቅዓ

ዕለት 19 መስከረም 2021 ዓ.ም. ተበጊሱ ክሳብ ዕለት 22 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ፖላንድ ቈልዑን መንእሰያትን ተኣፋፍያንን ንምዕቋብ ኣብ ኣቢያተ ክርስትያን ሃገራት ማእከላይን ምብራቕን ኤውሮጳ ብፍሉይ ዝምልከት ብጳጳዊ ሽማግለ ንዕቝባ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ብናይ ፖላንድ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን እተወደበ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ ተወከልቲ ጳጳሳትን መንፍሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ምእመናን ሰብ ሙያ ኣሳቲፉ ይካየድ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ኣብ ከተማ ዋርሶ ዝካየድ ኣብ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ጳጳሳዊ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ጉዳይ ዝሓልይ ሽማግለ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኦምለይ፥ ኣብ ዕቝባ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን ተኣፋፍያንን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ዝግበር ጒዕዞ ካብ ግሊ ተመክሮኦም ተበጊሶም ኣብ ዝስምዕዎ መደረ፥ “ስቓይ ምንጪ ምሕዋይ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሎሚ ናይቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጾታዊ ማህሰይቲ ንምቅላስ ዘቘሙዎ ጳጳሳዊ ሽማግለ ንዕቝባ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ናይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ሽማግለ ኣቦ መንበር ንኽኾኑ ብቕዱስነቶም ተሓርዮም ዘገልግሉ ዘለዉ፡ ጾታዊ መጥቓዕቲ ኣብ ምቅላስን ንኽውገድን ካብ ቀደም ኣዚዮም ዝተወፈዩ ናይ ቦስቶን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ፓትሪክ ሲን ኦምለይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “እዚ ቃልሲ እዚ ናይ ጒስነት ለውጢ” ዝሓትት እዩ። እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ ሽማግለ ነዚ ዓቢይ ጸረ ሰብኣዊ ገበን እዚ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ንምቅዋም ዘብቅዕ ኣየናይ ልምድታትን ሜላታትን ንምልላይ ዝዓይን ምስ ኵሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ብጹዓን ጳጳሳኣት ኣባይቲ ምኽሪ ብምትሕብባር ዝዓዪ ምዃኑ ገሊጾም፥

ተዘክሮን ተመክሮን

ብጹዕ ካርዲናል ኦመለይ ነቲ ዓውደ ኣኼባ ወግዓዊ መደረ ቅድሚ ምቕራቦም ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደልይዎን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣድላዪ ዝኾነን “ሕዳሴ” ኣተኲይሮም ሰፊህ መርብሂ ከምዝሃቡን . . . ከም ኣማንን ጓሳን ተመክሮኦም እውን ከምዘካፈሉን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2014 ዓ.ም. ነቲ ዘቖምዎ ንትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝሓልይ ጳጳሳዊ ሽማግለ ኣቦ መንበር ንኽኾኑ ካብ ዚሰመይዎን እዋን ኣትሒዞም ነታ ብጾታዊ ዓመጽን ካልእ ነጋራትን ዝዓነወት ቤተ ክርስቲያን ናብ “ዳግመ ሕንጸት” ንምምጻእ እተገብረ ጻዕሪ ብሰፊሕ ገሊጾም፡

ድንቍርናን “ለውጥን”

“ቅድሚ ሓምሳን ሓደን ዓመት ማዕርገ ክህነት ክቕበል ከለዅ ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ኣብ ዋርሶ ብዛዕባ እቲ እንመያየጠሉ ዘሎና ጒዳይ ዘሎ ርሕቐት ኣብ መንጐ ዘይምፍላጥን ለውጥን ዘሎ ግዜ እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን እቲ ብዛዕባ እዚ ዓይነት ናይ ውሲብ ዓመጽ ድንቍርና ከምዝነበርን ይዅን ደኣ እምበር ዘይፍላጥ ሓጐስ ክኸውን ኣይኽእል እዩ። ስለዚህ እቲ ለውጢ ናይ ርሑቕ ዓመታት ተመክሮ ምዃኑ” ምስቲ በቢ እዋኑ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝሃበቶም ሓላፍነት ኣተሓሒዞም ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን መንእሰያትን ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብን ዝፍጸም ዓመጽ ዝተበጽሐ ዓሚቝ ምስትውዓል ካብ ድንቁርና ናብ ምልዋጥ ናይ ዝተገብረ ጉዕዞ ውጽኢት ምዃኑ ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን ዝፍጸም ዓመጽ እናሃለወ ነቶም እቲ ዓመጽ ዝፍጽሙ ዝነበሩ ካብቲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክዛወሩ ምግባር ልሙድ ዝነበረ ኣሰራርሓን ሳዕቤናቱን እውን ገሊጾም “ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ዝነግሩ መጻሕፍትን ዝተፈላለየ ፊልም ወጺኡን እዩ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ዝነበረ ጾታዊ ዓመጽ ስውር መንሽሮ ከምዝቐትለና ንኽንርዳእን ብሓቂ ሓጊዙና እዩ።”

ምንጪ ሕውየት ዝኾነ ስቃይ

ብጹዕ ካርዲናል ኦምለይ ድሕሪ እቲ ነዊሕ ጉዕዞ ኣብ ድንቍርና እቲ ዝሓለፈ ስቓይ ምንጪ ምሕያው ከምዝኾነ ሓቂ እዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን እዚ ገበን እዚ ከይፍጸም ጽኑዕ ድላይ ክህሉን ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለዩ ስጒምቲ ንኽትወስድ ዘብቅዓ መዃኑ ገሊጾም ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ብጹዕነቶም ቅድሚ እቲ ዓውደ ጉባኤ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትቲ፥

ኣብ ጐድኒ ኣቢያተ ክርስቲያን ማእከላይን ምብራቕን ሃገራት ኤውሮጳ

እቲ ዕለት 19 መስከረም ብወግዒ ኣብ ፖላንድ ከተማ ዋርሶ ዝተበገሰ ዕለት 22 መስከረም 2021 ዓ.ም. ዝዛዘም ዓውደ ኣኼባ ብዛዕባ እቲ ዘሳቒ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ብኣካላት ኤቅለሳውያን ዝፍጸም ዓመጽን ብዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ሓሳብ ምልውዋጥን ምክፋልን ምንጽጻርን ምስትንትናንን ነዚ ዓመጽ እዚ ምኹናን ከምኡ እውን ብዛዕባ ምትግባር እቲ ሕጂ ዘሎ ነቲ ዓመጽ ንምውጋድ ዝመርሕ ኣገባብን ብዛዕባ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ፍልዩ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን መሰረትንስኻትኵም ናይ ምድሪ ጨው ኢኻትኵም ብዝብል ኣርእስቲ ዝደንገግዎ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ብኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ዓመጽ ዝምልከት ናይ መቕጽዒ ጽኑዕ ሕጊ ዘማእከለ ምይይጥ ዝካየደሉ ምዃኑ ገሊጾም፡ ዕላማኡ ነቲ ኣብ ከባቢ ማእከላይን ምብራቓውያንን ሃገራት ኤውሮጳ እቲ ሓድሽ ሕጊ ዘሕድሮ ዘሎ ጽልዋን ኣተገባብራኡን ንምግምጋም እዩ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ዓመጽ እንታይ ምላሽ ከም ዝወሃቦ ንምምርማር እውን እዩ። እቲ ተስፋ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ጥብቂ ምትሕብባር ንምምስራትን መራኽቦ ንምፍጣርን እውን ምዃኑ ናይ ጳጳዊ ሽማግለ ንዕቝባ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ቦስቶን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ሴን ፓትሪክ ኦምለይ ሓቢሮም፥ “እቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ዓመጽ ንምስትውዓልን ህልው ኩነታት ምምርማርን ነቶም ነኣሽቱ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን ተኣፋፍያን ዜጋታትን ንምዕቋብ መገዲ ንምሕባር ዘሎ ባህጊ ዘቃልሕ ዓውደ ኣኼባ እውን ምዃኑ ናይ ፖላንድ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ስታኒስላው ጋደክ እውን ብወገኖም ሓቢሮም “ናብ ሓባራዊ ስጒምትታት ኤውሮጳ ዝመርሕ ተመክሮታትን ውርዝና ዝመልኦ ልምድታትን ንምልውዋጥ ዝሕግዝ ርክብ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ሕንጸትን ስልጠናን መምርሕን፥ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እተወስዱ ስጉምትታት

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ሰብእ መጽናዕቲ ጨንፈር ኣቦ መንበር ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ዞልነር ኣስዒቦም፥ ጾታዊ ዓመጽ ንምውጋድን ኣቐዲምካ ንምክልኻል ዝሕግዝ ዝወሃብ ሕንጸት ስልጠናን መምርሕታትን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝግበር ጻዕሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብሉጽ እናዀነን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ከይሁሉ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዘድሊ ሕንጸት ክወሃብ ምስቲ ኣብ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ዝቖመ ክፍሊ መጽናዕቲ ስነ ሰብእ ምትሕብባር ከምዝገብራን ንኣብነት ኣብ ዩክራይንን ስሎቫክያን ገሊአን ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ምስ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ጨንፈር መጽናዕቲ ስነ ስብእ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምክልኻል ዘድሊ መምርሕታትን ሕንጸትን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ምትሕብባር ከምዘሎን፡ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጉዳይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምክልኻል ዝምልከት መምርሕን መስርሕን ኣብ ወረቐት ተቐሊሙ መታን ከይተርፍ ንትግባሬኡ መገዲ ዝሕብር ዓውደ ኣኼባ እውን እዩ። ስለዚህ “ቈልዑን መንእሰያትን ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብን ዕቝባ ምእንቲ ክረኽቡ ኣድላዪ ዘበለ ኵሉ ንምፍጻም ዝያዳ ጥንቃቐን ዝያዳ ምብርትታዕን ክንገብር ንደሊ” ኢሎም።

22 September 2021, 08:35