ድለ

AUSTRIA-IRAN-UN-DIPLOMACY-NUCLEAR-IAEA AUSTRIA-IRAN-UN-DIPLOMACY-NUCLEAR-IAEA 

ዲ ጆቫኒ፥ ኣልቦ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝኾነት ዓለም ምሕናጽ

ዲ ጆቫኒ ንመራሕቲ ዓለም “ጥምየት ንምፋእን ንምዕባለ ነተን ዝደኸያ ሃገራት ኣበርክቶ ንምግባርንኣብ ኣጽዋር ዝወጽእ ሃብቲ ገንዘብ ንዓለም ለኻዊ ማዕከን ንምጥቃም ትብዓት ዝመልኦ ውሳነ” ኽገብሩ ተማሕጺነን

ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጽኢ ርክባት ጉዳይ ብዝሓ-ጐናውነት ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ሓላፊት ኣብቲ ገሊኣቶም ብኣካልን ገሊኦም ድማ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዝተሳተፍሉ ናይ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት መበል 65 ጠቕላሊ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ተረኺበን፥ ንመራሕቲ ዓለም “ነጽዋር ውግእ ዝወጽእ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ዓለም ጥምየት ንምፍጣእን ነተን ዝደኸያ ሃገራት ምዕባለ ኣበርክቶ ክውዕል” ዝብል ምሕጽንታ ከምዘቕረባ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫትካን

ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘይብላ ዓለም ምፍጣር - እዚ ዕዮ’ዚ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ትካል ንኣቶማዊ ጸዓት ዕላማ ምዃኑ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ብዝሓ-ጐናውነት ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ሓላፊት ፍራንቸስካ ዲ ጆቫኒ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ኣብ ኦስትሪያ ርእሰ ከተማ ቪየና ካብ ዕለት 20 መስከረም ኣትሒዙ ክሳዕ 24 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘካየዶ ዘሎ መበል 65 ሓፈሻዊ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ተረኺበን ዕለት 20 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘስመዐኦ መደረ ብምዝኽኻር፥ “ዝርጋሐ ኑከልሳዊ ኣጽዋር ደው ንምባል ኑክለሳዊ ጸዓት ንጥቕሚ ኵሎም ደቅሰብ ንሰላማውን በርገሳውን ጉዳይ ክውዕል ዝሕግዝ ዕደ ጥበባዊ ምድላው ከምዘድልን፡ ቅድስቲ መንበር ኑክለሳዊ ኣጽዋር ካብ ሰላማዊ ዕላማታት ከላግስ ከምዘይብሉን ኑከሳዊ ኣጽዋሪ ኣብ ዘይምብዛሕ ዝብል ውሳኔ እተካይዶ ጻዕርታት ዓቢ ግደ ከምዘለዋን” ብተወሳኺ “ሃገራት ኑክለሳዊ መሳለጥያታተን ንተቘጻጻርቲ ኣካላት በራተን ክኸፍታ ከለዋ፡ ኣብ መቓን ዓለም ለኻዊ ውዕላት ዕቝባን ተወሳኺ መምርሕታት ንምትእምማን ኣብ ምሕናጽን ጥርጣረታት ኣብ ምንካይን ይሕግዛ እያተን” ስለዚ “እቲ ትካል ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘይብላ ዓለም ኣብ ምሕናጽ ዘለዎ ዓቢይ ኣበርክቶ” ከምዘመላኸታኣ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ሓሶት ድሕንነት

ስለዚ ፍራንቸስካ ዲ ጆቫኒ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኑከሳዊ ኣጽዋር ምውናን “ኢግብረ ገባዊ” እንክብሉ ከምዝኾነንዎ ምዝካር የድሊ። ከመይሲ “ጃምላዊ ጥፍኣት ዘውርድ ኣጽዋር ብፍላይ ከኣ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናይ ሓሶት ድሕንነት ስምዒት እዩ ዝፈጥር።” በዚ ምኽንያት እዚ ዲ ጆቫኒ ንመራሕቲ ዓለም “ጥምየት ንምፋእን ንምዕባለ ነተን ዝደኸያ ሃገራት ኣበርክቶ ንምግባርንኣብ ኣጽዋር ዝወጽእ ሃብቲ ገንዘብ ንዓለም ለኻዊ ማዕከን ንምጥቃም ትብዓት ዝመልኦ ውሳነ” ኽገብሩ ተማሕጺነን። “ብሳዕቤን ለብዒ ኮቪድ - 19 ከምኡ እውን ብጥሜትን ብሕማምን እናወሰኸ ብዝኸይድ ዘሎ ጽዋል ምዝባዕ ኵነታት ኣየርን ኣጸቢቖም ዚሳቐዩ” ድኻታትን ተኣፈፍትን ክፍሊ ሕብረተሰብ እያቶም፡ “ኵላትና ኣብ ኵሉ እንገብሮ ነገራት ንሰብኣዊ ክብረትን ሓባራዊ ጥቕምን ዘተኵር ባህሊ ናይ ምቕዳም ሓላፍነት ኣሎና” ቢለን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ዓለም ሓቆፍ ትካል ምስቲ ዕላማኡ ኣሳኒዩ እቲ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ኣብ መንጎ እንስሳታትን ሰባትን ክመሓላለፍ ዝኽእል ረኽሲ ወይ ሕማም ንምብዳህ ዘሳልጦ መርሓ ግብርታት ቅድስቲ መንበር ንኢዳ፥ እዚ ኣብ 2020 ዓ.ም. ዝተበገሰ መርሓ ግብሪ ኣብ መንጎ ስነ ምርምርን መምርሕታት ዝሕንጽጹን ማሕበረሰብን ዘሎ ክርብ ንምምሕያሽ ሓደጋታት ንምልላይን ነቲ ነቲ ካብ እንስሳታት ናብ ሰባት ዚመሓላለፍ ሕማማት ንምቍጽጻርን ምትሕብባር ዝብል ዕላማ ኣለዎ” ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ቅድስቲ መንበር እቲ ትካል ነቲ ኑክለሳዊ እደ ጥበባዊ ኣጠቓቕማ “ምጥቃም ፕላስቲክ ዝፈጥሮ ብከላን” ከምኡ እውን “ሕማም መንሽሮ” ንምእላይን ዝያዳ መግቢ ክህሉ ንምግባርን ንምቍጽጻር ኣጠቓቕማን ንምዕቃብ ሃብቲ ማያትን” እተወፈየ መደባት ብኣድናቖት ትምልከት። እቲ ትካል “ኣብ ጉዳይ ለውጢ ከባቢ ኣየርን ብከላ ውቅያኖሳትን ስርዒት ማሓድሮን ምቍጽጻርን ከምኡ እውን ሃገራት ምስ ሕጽረት መግብን ማይን ሓዊስካ ምስ ሓድሽ ኵነታት ኣየር ክጻወራን ኣብ ምሕጋዝ ዝብል መደብ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኣበርክቶ” ከምዝገብር ዲ ጆቫኒ ኣብ ዘስምዐኦ መደረ ገሊጸን በዚ መዳይ እዚ ቅድስቲ መንበር “ኣብ ዘይንጽል ማሓድሮ ዝኣመተ ሕንጸት ንምድንፋዕ ከምኡ እውን ኣብ ሕውነትን ኣብ መንጎ ወድሰብን ኣካባብን ኣብ ዘሎ ቃል - ኪዳንን (ጥምረት) ዝተመርኮሰ ባህላዊ ኣረኣእያ ዕቤትን ዘላቕነትን ከም ዝህሉ ዝገብር ፖለቲካውን ግብርኣውን ስጒምትታት” ንምውሳድ እተርእዮ ቘራጽነትን ኣብዚ መዳእ እተካይዶ መደባት ምንቕቓሕን ሕንጸትን ከምዘዘኻኸራ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 September 2021, 08:53