ድለ

መጻኢ ሃገራት ባልካን፥ ጋላገር ካብ ዕለት 16 – 19 ሰነ ኣብ ሰሜን መቈዶንያ መጻኢ ሃገራት ባልካን፥ ጋላገር ካብ ዕለት 16 – 19 ሰነ ኣብ ሰሜን መቈዶንያ 

መጻኢ ሃገራት ባልካን፥ ጋላገር ካብ ዕለት 16 – 19 ሰነ ኣብ ሰሜን መቈዶንያ

ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ኣብቲ ብዛዕባ መጻኢ ምዕራባውያን ሃገራት ባልካን - ድሕንነት ኤውሮጳን ኣብ ዝመያየጥ ዓውደ ኣኼባ ከም ዝሳተፉን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻእ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብቲ ኣብ ሰሜን መቄዶኒያ “ዛዕባ መጻኢ ምዕራባውያን ሃገራት ባልካን” ኣማእኪሉ ኣብ ዝካየድ ዓውደ ጒባኤ ንኽሳተፉን ክሳዕ ዕለት 19 ሰነ ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ንኸካይዱን ዕለት 16 ሰነ ሰሜን መቄዶኒያ ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርካባት ጒዳይ ዋና ጽሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ኣብቲ ብዛዕባ መጻኢ ምዕራባውያን ሃገራት ባልካን - ድሕንነት ኤውሮጳን ኣብ ዝመያየጥ ዓውደ ኣኼባ ከም ዝሳተፉን፥ ኣብዚ ኣብ ሰሜን መቄዶኒያ ዘካይድዎ ምብጻሕ ምስ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ስተቮ ፐንዳሮቭስኪን ምስቶ ዕለት 25 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን እተራኸቡ መራሔ መንግስቲ ዲሚታር ኮቫቸቭስኪን ምስ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተር ቡጃር ኦስማኒ ክራኸቡ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብ ስኮፕየ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ መደብ ከም ዘለዎም ኣፍሊጡ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕቲ ሓቢሮም እታ ኣብታ ሃገር ኣብ 1910 ዓ.ም. እተወልዳ እናቴ ቅድስቲ ተርዛ ንዝኽረን ኣብ እተወፈየ ስፍራ ተረኺቦም ጸሎት ኣዕሪጎምን ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምስ ዝተዋጽኡ መንእሰያት ተራኺቦም ቃለ ምዕዳን ለጊሶም ከም ዝነበሩ የዘኻኽር።

16 June 2022, 15:45