ድለ

ዓለም ለኻዊ ማሕበራት ካቶሊክ ደቂ ኣንስትዮ፥ ንደቂ ኣንስትዮ ድምጽን ርኡይነትን ምሃብ ዓለም ለኻዊ ማሕበራት ካቶሊክ ደቂ ኣንስትዮ፥ ንደቂ ኣንስትዮ ድምጽን ርኡይነትን ምሃብ 

ዓለም ለኻዊ ማሕበራት ካቶሊክ ደቂ ኣንስትዮ፥ ንደቂ ኣንስትዮ ድምጽን ርኡይነትን ምሃብ

ናይቲ ማሕበር ሸቶ ኣብ ዓለም ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ንምስማዕ እዩ። እዚ ማሕበር እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ክዓዪ ስለ ዝጀመረ ድማ ስቓይን ተጻዋርነትን እተን ኣብታ ክፍለ ዓለም ዝርከባ ደቂ ኣስንትዮ ንምስማዕ ኣጋጣሚ ክህልወና እዩ

ዕለት 14 ሰነ ዓለም ለኻዊ ማሕበራት ካቶሊክ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሮማ ዓውደ ኣኼባ ከካይድ ምዃኑን ብዛዕባ እዚ መደብ ኣኼባ እዚ ኣማእኪለን ናይቲ ማሕበር ኣደ መንበር ማሪያ ሊያ ዘርቪኖ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ ህልው ኵነታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓለም ምክትታልን ሰነዳዊ ጸብጻባት ናይ ምቕራብን ሸቶ ኣብ መላእ ዓለም ድምጸን ምስማዕ ዝብል ምዃኑ የብርሃ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዓለም “ኵነታት ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ እውን ጽልዋ ኮቪድ - 19 ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን” ዘርእስቱ ናይ ጸብጻብ ሰነድ ከምዝቐረበን እዚ ኸኣ ዕለት 14 ሰነ ብዓለም ለኻዊ ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ ካቶሊክ ኣብ ሮማ ኣብ ዘካየዶ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ካብ ዝምልከቶም ፍጻሜታት ሓደ ከም ዝኾነን፥ ኣብዚ ኣብ ሮማ ዝካየድ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ኣኼባ እዚ ብጀካ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጒዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ማርክ ኦለት፡ ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጒባኤ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ሚገል ካርበኾስ ቪዳርተን ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት እናቴ ኣለሳንድራ ስመሪሊን ናይ ላቲን ኣመሪካ ጒዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ድርገት ዋና ጸሓፊት ፕሮፈሰር ኤሚልሰ ኵዳን መደረ ከስምዓ ምዃነን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ዕላማ ናይቲ በቢ ዓመቱ ዝቐርብ ናይ መጽናዕቲ ሰነዳዊ ጸብጻብ ነተን “ዘይረኣያ” ዝመስላ መሳኺን ደቂ ኣንስትዮ ንምርኣይን ንዓኣተን ድምጺ ንዃንን ስለኤን ምስ መንግስታት ዓለም ብምትሕብባር ዘድሊ ጓስጓሳት ምትብባዕን ህዝባዊ መምርሕታት ምሕዳስን ኣብ ኣህጉራዊ መደብ ኣበርክቶ ምግባርን ዘይንጽል ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕቤት ደቂ ኣንስትን ኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰብን ህዝብን ምድንፋዕ ዝብል ምዃኑ የመልክት።

ድምጺ ደቂ ኣንስትዮ ምስማዕ

እቲ “ጽልዋ ኮቪድ - 19 ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣስንትዮ ዘሕድሮ ጽልዋ” ዘርእስቱ ሰነዳዊ ጸብጻብ ነተን ኣብቲ ክፍሊ ዓለም ዝርከባ እሞ ድምጸን ዘይስማዕ ደቂ ኣንስትዮ ድምጺ ንምስማዕ ንኣኣተን ድምጺ ንምዃን ኣጋጣሚ ዝኸፍት ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዳ ሓፈሻዊ ኣደ መንበር ውድብ ደቂ ኣንስትዮ ካቶሊክ ማሪያ ሊያ ዘርቪኖ ገሊጸን፥ ናይቲ ማሕበር ሸቶ ኣብ ዓለም ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ንምስማዕ እዩ።  እዚ ማሕበር እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ክዓዪ ስለ ዝጀመረ ድማ ስቓይን ተጻዋርነትን እተን ኣብታ ክፍለ ዓለም ዝርከባ ደቂ ኣስንትዮ ንምስማዕ ኣጋጣሚ ክህልወና እዩ። ናይቲ ማሕበር ግምጃ ቤት ሓላፊት ሞኒካ ሳንታመሪና ኖሪየጋ እውን ብወገነን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ እቲ ለብዒ ነቲ ኣብ መንጐ ሰብኡትን ኣንስትን ዘሎ ፍልልያትን ማሕበራውን መዋቕራውን ቍጠባውን ዘይማዕርነት ከም ዘጋደዶን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዓመጽ እውን ክብ ክብል ከም ዝገበረን ኣብዚ እዋን እዚ እውን ክንክን ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ተዳኺሙን፡ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ጋግ እውን ክሰፍሕ ይገብር ኣሎ ቢለን እዚ ማሕበር እዚ ነዚ ከምዚ ዓይነት ጸብጻባት ብጭቡጥ ብምቕራብ ንኽመሓየሽን ንኸይህሉን ምስ ዝምልከቶም ኣካላትን ዓለም ሓቆፍ ማሕበራትን ብምርኻብ መፍትሒ ዘናድይ ምዃኑ ይሕብራ።

11 June 2022, 16:31