ድለ

2023.01.18 Decreti Cause dei Santi - 19 gennaio 2023.01.18 Decreti Cause dei Santi - 19 gennaio 

ር.ሊ.ጳ ሓንቲ ዓለማዊት ምእመንን ካልኦት 5 ውሉደ ክህነትን ናብ ቅድስና የቕርቡ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ንሽዱሽተ ሰባት ሓንቲ ምእመንን 5 ውሉደ ክህነትን ናብ ደረጃ ቅድስና ዘቅርብ ኣዋጃት ከምዘጽደቁ እንክምልከት፣ እዞም ሓደስቲ ሕጹያት ቅድስና ካብ ሃገራት ኢጣልያን ስጳኛን ኮይኖም፣ ሓንቲ ዓለማዊት ሰበይቲ፣ ሓንቲ ገዳማዊት ሓፍትን ኣርባዕተ ካህናትን ምዃኖም እውን ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ትማሊ ሓሙስ ንጉዳይ ቅዱሳን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ንኣርባዕተ ካህናትን ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ናብ ደረጃ ቅዱስነት ክብ ንምባል ዚዓለመ ሽዱሽተ ኣዋጃት ከውጽእ ሥልጣን ከምዚሃቡ እንኪምልከት እዞም ዕውታት ሕጹያት ቅድስና ከኣ፣ ሓንቲ ኢጣልያዊት ዓለማዊት ምእመን ጓል ኣንስተይቲ ከምእትርከቦም ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣገልጋሊት ኣምላኽ በርቲላ ኣንቶንያዚ ኣብ መንጎ 1944ን 1964ን ኣብ ቬነቶ ኢጣልያ ጓል 20 ዓመት፣ ጓል ትሽዓተ ዓመት እንከላ ብሰንኪ ረውማቲክ ኢንዶካርዲቲስ ዝመጽእ ከቢድ መልመስቲ ኣብ ሆስፒታል ቪቸንዛ ካብ ትኣቱ፡ እቲ ሕማም ክሳብ ግዜ ዕረፍታ ኣብ ገዛ ተደኒሳ ንክትጸንሕ ኣገዲድዋ። ብዓቢ መንፈሳውነትሓይሊ ድማ ተልእኾኣ ነቶም ዝሳቐዩ ዝነበሩ ምጽንናዕ፡ ከምኡ’ውን ስለ ሓጥኣን ነፍሳትን ንኩሉ ስቃያን መስዋእቲ ሕይወታን ድኻማን ናብ ኣምላኽ ብምውፋይ ፈጸመቶ። ምስ ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማት ነርስታትን ምሕዝነታዊ ዝምድናታት ፈጢራ ምስ ካልኦት ሕሙማት ድማ ጽዑቕ ደብዳቤታት ትለዋወጥ ነበረት። ብጸሎት ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ብምእማን፡ ኣብተን ናይ መወዳእታ ብርቱዕ ሥቃይ ዝተጻወረትለን ክልተ ዓመታት ከይተረፈ ምስ ሕማማ እናተቓለሰት ከላ፡ ኣማሪራ ኣይትፈልጥን።

ብ1963 ዓ.ም. ንመንፈሳዊ ንግደት ናብ መካነ ንግደት ቅድስት ድንግል ማርያም ዘሉርድ ኣብ ዝኸደትሉ ግዜ ንእኖና ድንግል ማርያም ካብ ሕማም ክተሕውያ ዘይኮነ ቅድስና ክትህባ ከምዝተማህለለት ታሪኽ ሕይወታ የዘንቱ።

ኣገልጋሊ ኣምላኽ ሚገል ኮስታ ኢ ዮበራ ቆምስ ካቴድራል ቤተክርስትያን ማዮርካ ዝነበረ፤ ብ10 መጋቢት 1854 ኣብ ፖለንሳ (ስጳኛ) ተወሊዱ ብ16 ጥቅምቲ 1922 ኣብ ማዮርካ (ስጳኛ) ዓሪፉ፤

ኣገልጋሊ ኣምላኽ ጋይታኖ ፍራንቸስኮ ማውሮ፡ ካህን ሃገረ ስብከት፡ መስራቲ ጉባኤ ገጠራዊ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘለዎም ሰራሕተኛታት መማምህራን ትምህርቲ ክርስቶስ፤ ብ13 ሚያዝያ 1888 ኣብ ሮግልያኖ ኢጣልያ ተወሊዱ፡ ኣብ ሞንታልቶ ኡፉጎ ኢጣልያ ድማ ብ31 ታሕሳስ 1969 ዓሪፉ፤

ኣገልጋሊ ኣምላኽ ጆቫኒ ባራ ካህን ሃገረ ስብከት፤ ብ13 ጥሪ 1914 ኣብ ሪቫ ዲ ፒነሮሎ ኢጣልያ ተወሊዱ፡ ኣብ ቱሪን ኢጣልያ ድማ ብ28 ጥሪ 1975 ዓሪፉ፤

ኣገልጋሊ ኣምላኽ ቪሰንተ ሎፔዝ ደ ኡራልደ ላዝካኖ፡ ካህን ብዓል መብጽዓ ኣባል ማሕበር ድንግል ማርያም፤ ብ22 ጥሪ 1894 ኣብ ቪቶርያ ስጳኛ ተወሊዱ፡ ኣብ ካዲዝ ስጳኛ ድማ ብ15 መስከረም 1990 ዓሪፉ፤

ኣገልጋሊት ኣምላኽ ማርያ ማርጌሪታ ዲዮሚራ ዘቃል ሥጋ ኮነ ዓለማዊ ስማ ማርያ ኣለግሪ፡ ገዳማዊት ኣባል ማሕበር ግብረ ሠናይ ሕያዋይ ጓሳ፤ 26 ሚያዝያ 1651 ኣብ ፊረንዙላ ኢጣልያ ተወሊዳ፡ ኣብ ፍሎረንስ ኢጣልያ ድማ ብ17 ታሕሳስ 1677 ዓሪፋ፤

ኣገልጋሊት ኣምላኽ በርቲላ ኣንቶንያዚ፡ ዓለማዊት ምእመን፤ 10 ሕዳር 1944 ኣብ ሳን ፒየትሮ ሙሶሊኖ ኢጣልያ ተወሊዳ፡ ኣብ ቪቸንዛ ኢጣልያ ድማ ብ22 ጥቅምቲ 1964 ዓሪፋ።

 

21 January 2023, 11:02