ድለ

ህዝቢ ደ.ረ. ኮንጎ ካብ ዝመጽእ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ‘ፈውሲ’ ይጽበ! ህዝቢ ደ.ረ. ኮንጎ ካብ ዝመጽእ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ‘ፈውሲ’ ይጽበ! 

ህዝቢ ደ.ረ. ኮንጎ ካብ ዝመጽእ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ‘ፈውሲ’ ይጽበ!

ዝተፈላለየ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ሱር ናይቲ ግርጭታት “ምብራቓዊ ዞባ እታ ሃገር ዘለዋ ናይ ተፈጥሮ ጸጋ እዩ ዝብል ናይ ሓባር ግንዛበ ኣለዎም

ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ናይ ቅድስቲ መንበር ሃዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኤቶረ ባለስትረሮ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ዓመጽ ንገለ ክፋል ናይታ ማእከላይ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ዘዕንወሉ ዘሎ እዋን፡ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካይድዎ ምብጻሕ ናይ ምጽንናዕ ቃል ክትቅበል ተስፋ ትገብር” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ግዝኣት ሰሜን ኪቩ ኣብ እትርከብ ጴንጠቖስጣዊት ቤተ ክርስቲያን ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 15 ጥሪ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምቢ ብውሕዱ 14 ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 40 ድማ ከም ዝቖሰሉን እቲ ምስ ኣስላማዊ መንግስቲ - ዳዒሽ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሽበራዊ ሓይሊ ምትእስሳር ዘለዎ ኪዳን ደሞክራሲያዊ ሓይልታት (AFP) ናይቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ተሓታቲ እየ እንክብል ሓላፍነት ከም ዝወሰደ ክንገር እንከሎ፡ ኣብታ ሃገር ናይ ቅድስቲ መንበር ሃዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኤቶረ ባለስትረሮ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝፈጸሞ ጉጅለ ዘተሓሳስብ ምልክት እዩ ዘመሓላልፍን ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት እታ ሃገር እውን እንታይ ከም ዝመስል ዝነግር እዩ” ኢሎም።

ሰላም ገና ኣብ ነዊሕ ርሕቐት እዩ ዘሎ

እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ሃዋርያዊ ልኡኽ ቀጺሎም፥ ኣብ ሰሜናዊ ኪቩ ኣብ እትርከብ ከተማ ቤኒ ኣብ ዘሎ ናይ ዕዳጋ ማእከል ዝተፈጸመ ናይ ቦምቢ መጥቓዕቲ እውን ዘኪሮም፡ እታ ኣውራጃ “ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ክብያ እያ ዘላ፡ እዚ ድማ እቲ ኵነታት ከም ዘይተመሓየሸ ጥራይ ዘይኮነስ እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ ዝነግር እውን እዩ” ኢሎም፥

ብዝኾነ ይኹን መገዲ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ኮንጎ ሰላም ገና ኣብ ርሑቕ እዩ ዘሎ!

ኣብ ደቡብ እታ ሃገር ምስቲ ገዛእ ርእሱ M23 - ግንቦት 23 ቢሉ ዝጽውዕ ሓይሊ ምስ ሓይሊ ምክልኻል እታ ሃገር ዘካይዶ ዘሎ ግጭት፡ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ እታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኪዳን ደሞክራሲያዊ ሓይልትታት ረባሕታ ኮይንዎ ከም ዘሎን ኣብ መንጎ ኪዳን ደሞክራሲያዊ ሓይልታትን ዳዒሽን ዘሎ ርክብ እናደልደለ ይኸይድ ኣሎ ዝብል ስክፍታኦም ገሊጾም፥ “እዚ ንጸጥታ ዞባ ብፍላይ ድማ ንውሕስነት ነቲ ብቐጻሊ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ህዝቢ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ” ኢሎም።

ምትሕብባር ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስቲያን

“ይኹን እምበር ናይ ተስፋ ምልክታት ኣሎ። እዚ ኸኣ እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ዓቢ ምትሕብባር እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፡ ዝተፈላለየ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ሱር ናይቲ ግርጭታት “ምብራቓዊ ዞባ እታ ሃገር ዘለዋ ናይ ተፈጥሮ ጸጋ እዩ ዝብል ናይ ሓባር ግንዛበ ኣለዎም፡ እዚ ጠንቂ ቁጠባዊ ኲናት እዚ ምስ ኵለን ጎረባብቲ ሃገራት ስልታዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ” እውን ኣዘኻኺሮም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ሃገር ካብ ዕለት 31 ጥሪ ዘካይድዎ ምብጻሕ ምስቶም ተበምዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ዘካይድዎ ርክብ ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያናት ምእመናን እውን ዘራኽቦም እዩ፥”

ብሓባር ደሞክራሲያዊ ህንጸት እታ ሃገር ነሰንይ ኣሎና!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምእንጋድ ዝካየድ ዘሎ ምድላዋት

ቅዱስነቶም ንዘካይድዎ ምብጻሕ ውሕስነትን ህዝባዊ ስርዓትን ንምርግጋጽ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዓቢይ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ምብጻሕ፡ “ኣብቶም እምነት ዘይብሎም እምነት ንምንቕቓሕ ከምኡ እውን ሓሴት ናይቶም እምነት ዘለዎም ንምድልዳል “ እዩ፥

ብዙሓት ሰባት ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ሕልሚ ምዃኑ ይዛረቡ

“መላእ ህዝቢ ዘጸናንዕ ቃል ካብ ቅዱስነቶም ክቕበል ትጽቢት ይገብር። ከምኡ እውን ካብቲ ምብጻሕ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝደሚ ዘሎ ህዝቢ ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ዞባ ዝነብር ዝቖስል ዘሎ ህዝቢ ፈውሲ ይጽበ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

18 January 2023, 16:23