ድለ

ቅድስቲ መንበር፥ ዓሌትነት ክሳብ ሎሚ ንሕብረተሰብ ዓለም የሳቕይ ኣሎ! ቅድስቲ መንበር፥ ዓሌትነት ክሳብ ሎሚ ንሕብረተሰብ ዓለም የሳቕይ ኣሎ! 

ቅድስቲ መንበር፥ ዓሌትነት ክሳብ ሎሚ ንሕብረተሰብ ዓለም የሳቕይ ኣሎ!

ኣፍልጦ ክብሪ ወዲ ሰብ ጥራይ እዩ ናይ ሓባርን ውልቃውን ዕብየት ኩሉ ሰብን ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ክውን ዝገብር፡

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋብሪኤለ ካቻ፥ ዕለት 21 መጋቢት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ምውጋድ ዓሌታዊ ኣድልዎ ምኽንያት ዛዕባ ዓሌትነት ኣብ ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ኣብ ሕብረተሰብ ዝቕጽል ዘሎ ዓሌታውነት ሓቀይና ናይ ርክብ ባህሊ ብምስፋሕ ክጠፍእ ይኽእል” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 21 መጋቢት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ምውጋድ ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት ቅድስቲ መንበር ንዝኾነ ዓይነት ዓሌትነት ብትሪ ደጊማ ኮኒና፡ እዚ እውን ናይ ርክብ ባህሊ ብምስፋሕ ምቅዋምን ምውጋድን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲባ፡ ናይ ርክብ ባህሊ ክሰፍሕ ጻውዒት ከም ዘቕረበት ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ ኣብ ውድብ ሃገራት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋብሪኤለ ካቻ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ዓሌትነት ኣብቲ ሓደ ሰብ ካብ ካልእ ሰብ ይበልጽ ዝብል “ዝተዛበዐ እምነት” ዝተመርዘ ምዃኑን እዚ ድማ ነቲ “ኩሎም ደቂ ሰባት ናጻን ብኽብርን መሰላትን ማዕረ ኮይኖም እዩም ዝውለዱ” ንዝብል መሰረታዊ መትከል ኣዚዩ ዝጻረር ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።

ቅልውላው ኣብ ርክብ ደቂ ሰባት

“ማሕበረሰብ ዓለም ኣድልዎ ብዓሌት ንምጥፋእ ተወፋይነት እኳ እንተሃለዎ፥” ዓሌትነት ልክዕ ከም ሓደ ዝቀያየር “ተህዋስ” ዳግማይ ይቕልቀል ኣሎ፥ ነዚ እውን ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ፥ ቅልውላው ኣብ ርክብ ደቂ ሰባት እንክብሉ ከም ዝገልጽዎ እውን ብጹዕነቶም ኣመላኺቶም፥ “ዝተፈላለየ መልክዕ ዘለዎ ዓሌትነት” ክሳብ ሎሚ ንሕብረተሰብና የሳቕይ ኣሎ” ወይ ብግልጺ ከም ግሁድ ዓሌታዊ ኣድልዎ” እዚ ድማ “መብዛሕቲኡ ግዜ ዝልለን ዝኹነንን” ወይ ከኣ ብዓሚቝ ደረጃ ኣብ ሕብረተሰብ ከም ዓሌታዊ ጽልኢ፡ ዋላ እኳ ውሑድ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ግን ይርአ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ገሊጹ፥

ናይ ርክብ ባህሊ ብምስፋሕ ዓለታዊ ጽልኢ ምቅላስ

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ “ኵላትና ኣሕዋት” ኣብ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶ፥ “ብዛዕባ ዓሌታዊ ጽልኢ ዝመጽእ ቅልውላው ኣብ ዝምድናታት ደቂ ሰብ፥ ብሓባር ምንባርን ንሓድሕድካ ምጽውዋርን ጥራይ ማለት ዘይኮነስ፡ ናይ ርክብን ምትሕግጋዝን ሓቀይና ሰብኣዊ ሕውነትን ባህሊ ብምስፋሕ በድማዒ መገዲ ምቅዋም ይከኣል” ዝበልዎ ሓሳብ ብኣጽንዖት ኣቃሊሖም፡ “ከምዚ ዝበለ ባህሊ ምህናጽ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ሕብረተሰብ ዘምጽኦ ፍሉይ ኣረኣእያን ብዋጋ ዘይሽነን ኣበርክቶን ካብ ምፍላጥ ዝምንጩ መስርሕ ምዃኑ ኣተሓሒዞም ከም ዝገለጹ የመላኽት።

ኣፍልጦ ክብሪ ወዲ ሰብ ጥራይ እዩ ናይ ሓባርን ውልቃውን ዕብየት ኩሉ ሰብን ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ክውን ዝገብር፡ ነዚ ዓይነት ዕብየት ንምንቕቓሕ ብፍላይ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣስንትዮን ማዕረ ዕድል ዝረኽብሉ ኩነታት ምርግጋጽን ኣብ መንጎ ኩሎም ደቂ ሰባት ውዱዕ ማዕርነት ምርግጋጽን የድሊ!

ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዒላማ ዝገበረ ዓሌትነት

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ዘስምዕዎ መደረ፥ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እቲ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዒላማ ዝገበረ ዓሌታውነት ዓሌታዊ ጽልእን ዘለዋ ስክፍታ ገሊጾም፡ ነዚ ብዝምልከት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር፥ “ካብ ኣተሓሳስባ ምክልኻልን ፍርሕን” ናብ ናይ “ርክብ ባህሊ” ዝተመስረተ ኣተሓሳስባ ምስግጋር ከም ዘድሊ ኣጉሊሖም፡ እዚ እውን እቲ ሓደ ፍትሓውን ሕውነታውን ዓለም ክሃንጽ ዝኽእል እንኮ ባህሊ እዩ” እንክብሉ ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ምውጋድ ዓሌታዊ ኣድልዎ

 ኣህጉራዊ መዓልቲ ምውጋድ ኣድልዎ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1966 ዓ.ም. ዝተወሰነ ኮይኑ፡ እዚ እውን ዕለት 21 መጋቢት 1960 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ሻርፐቪል፥ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ስርዓት ዘርኣዊ ፍልያ ብምቅዋም ኣብ ዘካይድዎ ዝነበረ ሰላማው ሰልፊ ሓይሊ ጸጥታ ብዝተኮስዎ ጠያይት 60 ምስ ዝቐተለሉ ዕለት ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን

ዕለት 21 መጋቢት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ምውጋድ ዓሌታዊ ኣድልዎ ምኽንያት፡ ካብ ዕለት 19 – 25 መጋቢት ፍሉይ ናይ ጸሎት ሰሙን ክካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘቕረቦ መንፈሳዊ መደብ ይካየድ ምህላዉን እዚ እውን ዓለም ሓቆፍ ዝኽሪ ግዳያት ባርነትን ስግረ ኣትላንቲክ ንግድ ሰብን ዘማእከለ ፍሉይ ኣስተንትኖን ጸሎትን ዘጠቓለለን፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ነዚ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዝሕግዝ ጽሑፋት የቕርብ ምህላዉን ኣቲ ዘቕርቦ ጽሑፋት ፍትሓውን ንኹሉ ዝሓቁፍ ዓለም ክኡል ዝኸውን ኩሉ ብኽብርን ፍትሕን ክነብር ምስ ዝኽእል ጥራይ ምዃኑ ዝምስክርን፡ ኩሉ ኣብ ምውጋድ ዓሌታዊ ኣድልዎ ክነፍጥ ዘተባብዕ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 March 2023, 09:28