ድለ

2023.06.07 ካርዲናል ፓሮሊን፥ ንር.ሊ.ጳ. ቅርበትና ንገልጽ ቀልጢፎም ንኽሓውዩ ንጽሊ 2023.06.07 ካርዲናል ፓሮሊን፥ ንር.ሊ.ጳ. ቅርበትና ንገልጽ ቀልጢፎም ንኽሓውዩ ንጽሊ 

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ንር.ሊ.ጳ. ቅርበትና ንገልጽ ቀልጢፎም ንኽሓውዩ ንጽሊ

ኣብ ልዕሊ እቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዝወጸ መግለጺ ዝውስኹሉ ነገር ከም ዘየለን ገሊጾም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሰነ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ድሕሪ ዝተገብረሎም መጥባሕቲ ዛዕባ ኩነትቶም ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ ዝመለሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ፥ “እቲ መጥባሕቲ ብጽቡቕ ተኻይዱ እዩ፡ ስለዚ ድሕሪ መጥባሕቲ ክትትል ስለ ዘድሊ፥ ምሉእ ብምሉእ ሓውዮም ንኽወጹ ዘድሊ ግዜ ኣብ ቤት ሕክምና ክጸንሑ እዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥ ኣብ ዞባ ሃገረ ቫቲካን ጎደና ደልላ ኮንቺሊያዚዮነ ንኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ማእከል ሓበሬታን እንግዶትን ቤት ጽሕፈት መሪቖም ምስ ከፈቱ ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተሳተፉ ናይ ውሽጥን ወጻእን ጋዜጠይናታት ንዘቕረቡሎም ሕቶ መልሲ ከም ዝሃቡን፥ “ንቕዱስ ኣቦና ብውሉዳዊ ፍቕርን ጸሎትን ነሰንዮም” ቢሎም፡ “ድሕሪ መጥባሕቲ ንሕውየቶም ዘድሊ ግዜ ብውሳኔ ሓኻዮሞም መሰረት ኣብቲ ቤት ሕክምና ክጸንሑ እዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ሕክምና

 እቶም ኣብቲ ቦታ ዝተርኽቡ ናይ ውሽጥን ወጻእን ልኡካን ጋዜጠይናታት ዘቕረቡሎም ሕቶ መልሲ ዝሃቡ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ብዛዕባ መጥባሕቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣማእኪሎም፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዝወጸ መግለጺ ዝውስኹሉ ነገር ከም ዘየለን ገሊጾም፥ “መላእ ቤተ ክርስቲያን ንቕዱስነቶም ቀረባ ምዃና ኣረጋጊጾም፡ “ብጸሎት ድማ ነሰንዮም ንምሉእ ሕውየት ድማ ንጽሊ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ዜና ቫቲካን . . .ብጽኡነቶም ብዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት እውን፥ ግዚያዊ ምስግጋር ሓዋርያዊ ስልጣን ከም ዘይተገብረን፥ ህጹጽ ውሳኔ ዘድልዮም ነገራት እንተ ኣጋጢሙ ድማ ኣብ ሕክምና እውን እንተሃለዉ ናብኦም እዩ ዝቐርብ እንክብሉ መብርሂ ከም ዝሃቡ የመላኽት።

ተልእኾ ካርዲናል ዙፒ

ካልእ ብዛዕባ ኣብ ዩክሬይን ምብጻሕ ዘካየዱ ካርዲናል ማተዮ ዙፒ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንብረ በቲ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ወጥሪ ንምቅላል ናብ ሰላም ክብጻሕ” መገዲ ሰላም ክድህስሱ ብሓላፍነት ዝተወሃቦም ተልእኾ መሰረት፡ ኣብ ዩክሬይን ናይ ክልተ መዓልቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ ብዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ “ቅድስቲ መንበር ንሰላም እተካይዶ ጻዕሪ ተወሳኺ ኣበርክቶ እዮ፥ . . . እቲ ዘገድስ ናብ ሰላም ዝወስድ መገዲ ብሓባር ምድህሳስ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናብ ሞስኮ ክግበር ዝኽእል ምብጻሕ

ካርዲናል ዙፒ ናብ ሞስኮ ክገብርዎ ዝኽእሉ ዑደት ብዝምልከት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን፥ “እንታይ ስጉምቲ ክውሰድ ከም ዘለዎ ምስ ካርዲናል ዙፒ ብሓባር ክንርኢ ኢና . . . ብወገን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ሓሳብ ኣብ ክልቲአን ርእሰ ከተማታት ክፍጸም ዘለዎ ተልእኾ ኮይኑ እዩ ዘበገስዎ፡ ስለዚ ተስፋ ሞስኮ ክፉት ክኸውን ኣለዎ፣ ብጭቡጥ ክንርእዮ ኢና፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መንጎ ካርዲናል ፓሮሊንን ካርዲናል ዙፒን ክሌኣዊ ርክብ ክካየድ ምዃኑ ኣመላኺቱ፥ “ድሕሪኡ ናይቲ ካርዲናል ዙፒ ኣብ ዩክረይን ዘካየድዎን ብሓባር ምሳይ ዝተዘራረብናሉ ጉዳያት እውን ናብ ቅዱስ ኣቦና ከነቕርቦን ምስኦም ብሓባር ክንመኽረሉን ኢና” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

08 June 2023, 15:22