ድለ

ዩክሬይን፥ ካርዲናል ሱፒ ንሰላም ክውሰዱ ዘለዎም ቀጻሊ ስጉምትታት ገምጊሞም ዩክሬይን፥ ካርዲናል ሱፒ ንሰላም ክውሰዱ ዘለዎም ቀጻሊ ስጉምትታት ገምጊሞም  (ANSA)

ዩክሬይን፥ ካርዲናል ሱፒ ንሰላም ክውሰዱ ዘለዎም ቀጻሊ ስጉምትታት ገምጊሞም

እዚ ብሰብኣዊ ደረጃ ናብ ፍትሓውን ነባርን ሰላም ዝወስድ መገዲ ኣብ ምድላይ ዝወሰድ ዘሎ ቀጻሊ ስጉምትታት ንምግምጋም

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍሉይ ናይ ሰላም ልኡኽ ኣብ ዩክሬይን ብጹዕ ካርዲናል ማተዮ ሱፒ ኣብ ዪክሬይን ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ዛዚሞም ሮማ ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍሉይ ናይ ሰላም ልኡኽ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ማተዮ ሱፒ፥ ኣብ ዩክረይን መገዲ ሰላም ንምድህሳስ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ተኸታታሊ ኣኼባታትን ናይ ጸሎት መደባትን ከም ዘካየዱን፥ ብጹዕነቶም ምስ ናይ ዩክረይን ናይ ፖለቲካን በረሳውያንን ናይ ቤተ ክርስቲያን መራሕትን ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ በዓል መዚ ተሰንዮም ጹዑቕ ርክባት ከም ዘካየዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዕለት 6 ሰነ ንግሆ ካርዲናል ሱፒ ኣብ ኪየቭ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅድስቲ ሶፊያ ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ምስ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ቮሎዲሚር ዘለንስኪን ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ፖለቲካዊ ወከልትን ክሌኣዊ ርክብ ከም ዘካየዱን ድሕሪ እዚ ርክብ እዚ ምስ ወከልቲ ሃይማኖት ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ህልው ኩነታት ከም እተዓዘቡን ብዛዕባ እዚ ዝተኻየደ ርክብ ብጹዕነቶም ንኣቃልቦ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከቕርቡ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

እዚ ብሰብኣዊ ደረጃ ናብ ፍትሓውን ነባርን ሰላም ዝወስድ መገዲ ኣብ ምድላይ ዝወሰድ ዘሎ ቀጻሊ ስጉምትታት ንምግምጋም ብጹዕነቶም ዘካየድዎ ዘለዎ ርክባት ጠቓሚ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡ ብጹዕነቶም ነቲ ተልእኾ “ፍትሓዊ ሰላም ንምምጻእን ውጥረት ንምቕላልን ዝሕግዝ ናይ ሰብኣዊ ደገፍ ምልክትን”  ዝዓለመ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣዘኻኺሩ፥

ብጹዕ ካርዲናል ሱፒ ዕለት 5 ሰነ ኣብ ከተማ ቡቻ ዑደት ከም ዘካየዱን በቲ ኩናት ናይ ዝተቐትሉ ናይ መቓብር ስፍራ ከም ዝበጽሑን ጸሎት ከም ዘዕረጉን ነቶም በቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ስቓይ ምስ ዝርከቡ ዜጋታት ከም እተራኸቡን ከምኡ እውን ምስ ናይ ዩክሬይን ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ኣቦ መንበር ዲሚትሮ ሉቢነትስ ተራኺቦም ብዛዕባ ብሩሲያ ኣብ ዝተጎብጠ ግዝኣታት ዝርከቡ ህጻናት ዩክሬይን ከምኡ እውን ኩነታት እሱርትን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ከም እተመያየጡን ኣስዒቦም እውን ምስ ወከልቲ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ሃይማኖታዊ ማሕበራትን ኣገዳሲ ርክባት ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

07 June 2023, 16:03