ድለ

ካርዲናል ዙፒ ኣብ ዩክሬይን፥ “ኣብ ፍትሓዊ ሰላም ንምብጻሕ ዝሕግዙ መገድታት” ንምድህሳስ ካርዲናል ዙፒ ኣብ ዩክሬይን፥ “ኣብ ፍትሓዊ ሰላም ንምብጻሕ ዝሕግዙ መገድታት” ንምድህሳስ  (ANSA)

ካርዲናል ዙፒ ኣብ ዩክሬይን፥ “ኣብ ፍትሓዊ ሰላም ንምብጻሕ ዝሕግዙ መገድታት” ንምድህሳስ

ብጹዕ ካርዲናል ሱፒ ናብ ፍትሓዊ ሰላም ዝወስድ መገዲ ምስ ዝምልከቶም ኣካላትን መንግስታትን ዘተ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ግጭት ንምውጋድ ዝሕግዝ ተልእኾ ቅድስት መንበር ብሓላፍነት ንካርዲናል ማተዮ ሱፒ ዕለት 20 ግንቦት ብሕድሪ ከም ዘረከብዎም ዝዝከር ኮይኑ፥ በዚ መሰረት እውን ብጽዕነቶም እቲ  ሰላም ንምምጻእ ዝሕግዝ መገድታት ብዕምቆት ንምልላይ ካብ ዕለት 5 – 6 ሰነ ኣብ ዩክረይን ምብጻሕ የካይዱ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ሱፒ ዕለት 5 ሰነ ኣብ ኪየቭ “ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ወጥሪ” ክኣልይ ዝሕግዝ መገዲ ንምልላይ ዝዓለመ ተልእኾኦም ከም ዝጀመሩን እዞም ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጵሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ሱፒ ናይቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ ቀንዲ ዕላማ፥ ንሰበ ስልጣን ዩክሬይን ብዛዕባ ፍትሓዊ ሰላም ንምምጻእ ዘኽእሉ መገድታት ብሓባር ንምልላይን ወጥሪ ንምቅላል ዝሕግዝ ምልክታት ሰብእውነት ንምድጋፍን ዝዓለመ ተበግሶ ምዃኑ” ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ . . . እቲ ዕለት 20 ግንቦት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንብጽዕ ካርዲናል ሱፒ ዝሃብዎም ሓላፍነት “ልዕሊ ኩሉ ሃዋህው ንምምሕያሽ ዝፍትን “ ምዃኑ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ሓቢሮም ከም ዝነበሩን ስለዚ ሓላፍነት ብጹዕ ካርዲናል ሱፒ ንኪየቭን ሞስኮን ዝምልከት እዩ።” እውን ከም ዝበሉ ኣዘኻኺሩ፥ ብጹዕ ካርዲናል ሱፒ ናብ ፍትሓዊ ሰላም ዝወስድ መገዲ ምስ ዝምልከቶም ኣካላትን መንግስታትን ዘተ ብምክያድ ተጻብኦታት ክውገድን ህይወት ሰብ ንምድሓንን ክዓዩ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

06 June 2023, 16:21