ድለ

2023.06.05 ፓሮሊን፥ ህልው ቅልውላው ዓለም፥ ዓውሎናውን ሕውነትውንምላሽ የድልዮ! 2023.06.05 ፓሮሊን፥ ህልው ቅልውላው ዓለም፥ ዓውሎናውን ሕውነትውንምላሽ የድልዮ!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ፓሮሊን፥ ህልው ቅልውላው ዓለም፥ ዓውሎናውን ሕውነትውንምላሽ የድልዮ!

እቲ ናይ ምርኻብ ባህሊ ኣድልዎ ንምውጋድ ናይ ክሉ ክብርን ናጽነትን ብጭቡጥ መግዲ ከመይ ጌርካ ከም እተኽብር ዝመርሕ ኣብ ትካቦ ዘይሕጸር ግብረ ሰናይ ክህሉ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፕሮኒን ኣብ ሃገረ ቫቲካን መበል ሳልሳ ዓመት ዝኽሪ ቅዋሜ ጳጳሳዊ ምእንተ ዓመት ማሕበር ምኽንያት እቲ ማሕበር ካሳብ ዕለት 6 ሰነ ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 5 ሰነ ብዘስምዕዎ መደረ ከም ዘበገሱን፥ ማሕበራዊ ምሕዝነትን ናይ ርክብ ባህልን ንኹሉ ዝሓቁፉ ክብርታት ምዃኖምን ማሕበራዊ ምዕባለ ዘነቓቕሕን ሕብረተሰብን ውልቀሰባትን ዘተኣሳስሩ ምዃኖም ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዛ ብኸቢድ ውድድርን ምቅድዳምን ዝተበታተነት ዓለምን ዘመንን ነቲ ቅልውላዋት ሕቖኻ ምሃብ ኣብ ናይ ብሕቲ ዓውዲ” ክትዕቆብ ዝገብር ጻዕሪ ድማ ዋላ ነቶም ኣብ ውሳነታት ፈጺሞም ዘይኣትዉ ብኹሉ ዓይነት ዝተገሉ ሓለዋ ዘጠቓልል ኣብ ዝተገደበ ውልቃዊ ረብሓታት ክተኩር ዝድርኽ ሓደጋ እዩ ቢሎም፥ ዝዓበየ ምትስሳርን ውህደትን ከብጽሑ ዝኽእሉ ክልተ ረቛሒታት ከም ዘለዉ ቅዱስ ኣቦና ዝሕብርዎን፥ “ብዙሕ ዝጽዕሩሉ ‘ማሕበራዊ ምሕዝነትን ናይ ምርኻብ ባህልን” መሰረት እያቶም ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሓፈሻዊ ጻውዒ ሰላም ንበይኑ እኹል ኣይኮነን

“መጻኢ ንምህናጽ ዝኽሪ፥ ብመንጽር ማሕበረሰብ ምሕሳብን ምውሳእን” ዝብል ናይቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ ኣኼባ መርሕ ቃል ዘኪሮም፥ . . . ኣብቲ “ማሕበረሰብ” ዝብል ቃል ኣተኩይሮም፥ ብሓባር ንምዕያይ ንሰላም ወይ ንቁጠባዊ ዕብየት ወይ ንሰናይ ከባቢ ዝግበር ሓፈሽዊ ጻውዒት ንበይኑ እኹል ኣይኮነን፥ ትጽቢት መፍትሒ ጸገማት ዓለም ናይ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድላይ እዩ፥ እዚ እውን ኣድላይነት ዓለም ሓቆፍ ምላሽ ዘመላኽት ሕቶ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክልተ ክብርታት

“ናይ ሓባር ረብሓ ዝብል ኣምር ብትኽኽል ምርዳእ የድሊ፡ ምናልባት እውን ዳግማይ ምርዳእ የድሊ ክበሃል ይከኣል፡” እዚ እውን ምግላል ክፈጥሩ ወይ ከጥፍኡ ዝኽእሉ ‘ፍሉይ’ ፍታሕ ዘተባብዑ መምርሕታት ወይ ንጥፈታት” ናይ ኩሉ ዕድላት ዘጥፍኡ ከይኮኑ መታን እዩ። . . . ኣብዚ ድማ ማሕበራዊ ዕርክነት ናይ ርክብ ባህሊ ጭቡጥ ናይ ሓባር ረብሓ ንምዕዋት ጠቓሚ ኣረኣእያ የቕርብ። ምኽንያቱ ክልቲኦም ባህርያት “ናይ ሓደ ክፉትን ቅኑዕን መጻኢ ሕብረትሰብ”  መግለጺ ስለ ዝኾኑ። ማሕበራዊ ዕርክነት ብባህሪኡ ንኩሉ ዝሓቁፍ እምበር “ኣብ ናይ ገዛእ ራስኻ ማሕበረሰብ ወይ ሃገር ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን፡” ንጥፈታት ንምውጣን ዝሕግዝ እዩ። እቲ ናይ ምርኻብ ባህሊ ኣድልዎ ንምውጋድ ናይ ክሉ ክብርን ናጽነትን ብጭቡጥ መግዲ ከመይ ጌርካ ከም እተኽብር ዝመርሕ ኣብ ትካቦ ዘይሕጸር ግብረ ሰናይ  ክህሉ ዝገብር ምዃኑ ብሰፊሕ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ክውንነት ኩሉ

ኣብታ ኣብ 1991 ዓ.ም. ዝተሓትመት ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ምእንተ ዓመት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ኣብቲ ታሪኻዊ ህሞት “ንኽም በዓል ደሞክራስን ናጽነትን ዝኣመሰሉ ክብርታት ዓቢ ኣገዳስነት” ተመላኽት፡ . . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ኣብታ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም፥ ደሞክርሲ ናጽነት ፍትሒ ወይ ሓድነት ዝኣመሰሉ ክብርታት “ከም መሳርሒ ዕብለላ ከም ትርጉም ኣልቦ መለለዪታት ኮይኖም ከገልግሉ ተዓጺፎምን ተቐሪጾምን” ከም ዘለዉ ይሕብሩ፥ ሎሚ እቶም ፖለቲካዊ ወይ ቁጠባዊ ውሳነ ዝወስዱ ሰባት ሓባራዊ ረብሓ ንምድሓን መመያ ክገብሩ ከም ዘለዎም ይምዕዱ። በዚ መሰረት ንውሳኔታት ከምኡ እውን ንጸጋታት ናብ ምሉእ ተኽዊን ደቂ ሰባትን ዕብየቶምን ባህግታቶምን ከብል መታን መሰረት ክብሩን መንነቶም ዝገብር ናይ ሓላፍነት ሕቶ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ 

06 June 2023, 16:18