ድለ

ሰላሳ ተዓወትቲ ናይ ሰላም ኖበል ኣብ ዝበዓል ሰብኣዊ ሕውነት ክሳተፉ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ በዓል ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 18.00 ክርከቡን ንኹሎም ብቐጥታን ብምስማዐ ርእየት ንዝሳተፉን ሰላምታኦም ከቕርቡን ቀጺሉ . . .

ዕለት 10 ሰነ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ሰብኣዊ ሕውነት፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ስነ ጥበባውያን መንአያት ሰራሕተይናታት ግብረ ሰናይን ተዓወትቲ ናይ ሰላም ኖበልን ዘራኽብ ፍጻመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሕውነት ዝብል ቃል ዘቃልሕ” ኣብ መላእ ዓለም “ሰብኣዊ ሕውነት” ዝዛረብ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝካየድ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ሃገረ ቫቲካን ሓፈሻዊ ኣማሓዳርን ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ካህናት፡ ናይ ቤት ዕዮ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣመሓዳሪ ብጹዕ ካርዲናል ማውሮ ጋምበቲ ዕለት 8 ሰነ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ዕላማ ናይቲ ዕለት 10 ሰነ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጽምብል ሰብኣዊ ሕውነት፥ “ሓደ እኳ በይኑ ኣይኮነን” ዝብል መርሕ ዘቐደመ፥ ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ብኑባሬ ዘሎ ተማራዃስነትን ምትእስሳርን ንዓለም ዝነግር እውን ምዃኑ ኣመላኺቶም፥ እዚ በዓል እዚ ኣብታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣስተንፍሶ ዝገበረ እውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ስነ ጥበባውያን መንእሰያት ተዓወትቲ ናይ ሰላም ኖቤልን ዘራኽብ መድርኽ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተመክሮ ሕውነት

እቲ ፍጻመ ከም መስርሕ ህንጸት ሕውነት ዝሕሰብ ኣብ ክልተ ክፋላት ዝውደብ ኮይኑ ንጎሆ ዕለት 10 ሰነ ሰራሕተይናታት መንስእሰያት ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ኣባላት ተመሃሮ ናይ ስነ ምህዳር ጥዕና ተጣበቕቲ ማሕበራት ኣባላት ድኻታትን ተዓወትቲ ናይ ሰላም ኖበልን ክራኸቡን ሰብኣዊ  ሕውነት ዘቃልሕ መርሓ ግብሪ ከካይዱ እዮም፡ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 16.00 ናይቲ ጽምብልን ሓድነትን ህሞት መግለጺ ኣኼባ ክካየድ እዩ። ስዒቡ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝተዋጽኡ ውሩያት ስነ ጥበባውያን ምርኢት ከቕርቡ እዮም፥ ደለይቲ ፍትሕን ሰራሕተይናታት ግብረ ሰናይን ዛንታታቶም ከካፍሉ እዮም፡ ምስ እዚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተተሓሒዙ ኣብ ዝተፈላለያ ኣደባባይ ዓለም ‘ኣብ ኮንጎ ረፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ኣርጀንቲና ጃፓን ፕሩ ኢየሩሳሌም ከምኡ እውን ኣብ ባሕሪ ዮኒዮ ኣብ ምድሓን ሕይወት ሰብ እትንቀሳቐስ ናይ መድሕን ህይወት መርከብ እውን ዝካየድ ኮይኑ፡ ብቐጥታ ምስቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝካየድ መደብ ክራኸቡን ተመክሮታቶም እውን ከካፍሉ ምዃኖም ብጹዕ ካርዲናል ጋምቤቲ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መጻእተይና - ጋሻ ምቕባል

ኣብቲ መደብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ፊሊፖ ግራንዲ መደረ ከስምዑ ከም ዝኾኑ ክንገር እንከሎ፡ ግራንዲ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምስማዐ ርእየት ኣገባብ ከም እተሳተፉን፡ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰብኣዊ ሕውነትን ሰላምን ዘቕርብዎ ጻውዒት ምጽንባርና ሕጉሳት ኢና . . . ኣብዚ ብግርጭት ኣዝያ እትሳቐ ዓለም እቲ መደብ ሰብኣዊ ሕውነት ናይ መላእ ሰብኣዊ ፍርጥረት ሓባራዊ ሰናይ ዘቃልሕ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ግራንዲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ንስደተይናታት ከም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝቕበሉን ብሓባር ሕብረተሰባትና ንቅድሚት ክብል ዝጽዕሩ ብዝሓት ማሕበረሰባት ከም ዘለዉ” ብምሕባር ኣዚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝካየድ ጽምብል ሕውነት ኣብዚ ሰብኣዊ ኣገግሎት እዚ ንበይንና ከምዘይኮንና ነቲ ኣብ ዓለም ዝርከቡ ኣስታት 103 ሚሊዮን ተመዛበልቲ ንዝቐርብ ሓገዝ ዘተባብዕ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ተራ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ በዓል ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 18.00 ክርከቡን ንኹሎም ብቐጥታን ብምስማዐ ርእየት ንዝሳተፉን ሰላምታኦም ከቕርቡን ቀጺሉ ነቶም 30 ናይ ሰላም ኖበል ተዓወትቲ ዝውክሉ ሞሃማድ ዩኑስን ናዲያ ሙራድ ናይቲ ናይ ሰብኣዊ ሕውነት ጉባኤ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ዘካየዶ ናይ ዕዮ ርክባት ጸብጻብ ንቕዱስነቶም ከስምዑ እዮም፡ ኣስዒቦም እውን ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰነድ ንቕዱስነቶም ከቕርቡን ሰብኣዊ  ሕውነት ዝጽውዕ ልዕሊ ሓደ ቢሊዮን ፍሪማ ናይ ምእካብ ወፍሪ ብሓባር ከበግሱ እዮም እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

09 June 2023, 15:38