ድለ

ሩፊኒ፥ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን “ትንቢታዊ ኣጠማምታ ሕብረት’ የድልዮም ሩፊኒ፥ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን “ትንቢታዊ ኣጠማምታ ሕብረት’ የድልዮም 

ሩፊኒ፥ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን “ትንቢታዊ ኣጠማምታ ሕብረት’ የድልዮም

ካቶሊካውያን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን እምበኣር፥ ርክብ ቤተ ክርስቲያን ንጻውዒት ትንሳኤ ክርስቶስ ምላሽ ንምሃብ ዝተወልደ

ዋዕላ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ባልቲሞር ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሪፊኒ፥ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ስርሖም ካብቲ ቀዳሞት ደቀ መዝሙር ዝነበሮም ሓድነትን ሕብረትን ኣስተንፍሶ ክረኽቡ ከም ዘለዎም የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓፈሻዊ ዓመታዊ ዋዕላ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ረቡዕ ዕለት 7 ሰነ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት መሪላንድ ከተማ ባልቲሞር ዝጀመረ ኮይኑ፡ ሓያሎ ሰናድያን ኣካየድቲ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣዳለውትን ብኣካልን ብመርበብን ተኣኪቦም ንመጻኢ ካቶሊክ ዘተኮረ መራኸቢ ብዝሓን ዝምልከት ሓሳብ ንሓሳብ ይለዋወጡ ከም ዘለዉን እቲ ዋዕላ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ቲዮሎግያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓላፊት ዶክተር ናታሻ ጎቨካር ተሰንዮም ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ሩፊኒ፥ ብዘስምዕዎ መደረ ከም ዝተኸፈተን፥ ንኹሎም ተጋባእያን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረኦም ዘስምዑ ሩፊኒ እቲ ጉባኤ ብወግዒ ምስ ከፈቱ ኣብታ ዕለት እቲኣ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመጥባሕቲ ቤት ሕክምና ብምእታዎም ምኽንያት ናብ ሮማ ከም እተመልሱን ሮማ ካብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ብመረብታዊ ርክብ ይሳተፉ ምህላዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጴንጠቆጠ ወይ ባቢሎን?

ዶክተር ሩፊኒ ብኣካል ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ጉባኤ ድሕሪ ሞት ኢየሱስ ንደቀ መዛሙር ዝኣሰሮም ሰንሰለት ፍርሒ ዝሰበረን ትንሳኤኡ ንዓለም ክእውጁ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝሃቦምን ፍጻመ ድሕሪ ጽንብል በዓለ ጰራቅሊጦስ ሒደት መዓልታት ይካየድ ምህላዉ ዘኪሮም፥ ይኹን እምበር ዕድመና ሓድሓደ ግዜ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ዘፍጥረት ተገሊጹ ዘሎ ድሕሪ ዕንወት ግንቢ ባቢሎን ዘጋጠመ ምድንጋር ዝያዳ ዝመሳሰል ኮይኑ ይርከብ፡ “ኩሉ ሰብ ንሓድሕዱ ብጌጋ ከምዝተረዳዳአን ብጌጋ ተረዲኡኒ ዝብል ምምራር ዘቕርበሉን ዝነበረ ሃዋሁ” ዝፈጠረ ምንባሩ እውን ዘኩሮም፥

ኣብ መራኸቢ ብዙሓን፥ ሓባራዊ ናይ ነፍሲ ወከፍ ህያብ

ካቶሊካውያን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን እምበኣር፥ ርክብ ቤተ ክርስቲያን ንጻውዒት ትንሳኤ ክርስቶስ ምላሽ ንምሃብ ዝተወልደ ምዃኑ ክዝክሩ ይግባእ። ርክብ ዝብል ቃል - communication ዝብል ብላቲናዊ ቋንቋ ስርወ እንተድኣ ርኢናዮ፥ cum - ብሓባር ዝብልን munus - ውህበት ዝብሉ ክልተ ቃላት ዘጣመረ ማለት ናይዘን ክልተ ቃላት ድምር እዩ፡ እዚ ዝሕብረና ድማ ርክብ ልዕሊ ኩሉ ሓባራዊ ህያብ ነፍሲ ወከፍና ምዃኑ እዩ። ካብቲ ኣብ ነንሓድሕድና ካብ እንምስርቶ ዝምድና ዝመጽእ ህያብ እዩ። ፍቕርን ርህራሄን እቶም ቀዳሞት ክርስቲያን ብኹሎም ከም ዚልለዩ ዝነበሩን ንኣጠማምታኦም ኣብ ዓለም ኣዚዩ እተፈለየን ንኻልኦት ዝማርኽ ዝስሕብ ኮይኑ ‘ዘይሃስይ ምልክት’ ዘሕትም ኣድማሳዊ ቋንቋ ምዃኑ ሓቢሮም፥ “እቶም ቀዳሞት ክርስቲያን ‘ሓደ ልብን ሓንቲ ነፍስን’ እዮን ነይሮም፡ ስለዚ እቲ ሕብረቶም እውን መራኸቢ ኣገልግሎቶም ዓሚቝ ኣብ ኣምላኽ ሱር ዝሰደደ እዩ-

ርክብ ከም ሕብረት

ኣስዒቦም ኣቃልቦኦም ናብቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘመናዊ ሕብረተሰብና ጽቡቕ ርክብ ንምህላው እተገብሮ ጻዕሪ ኣቕኒዖም፥ ንሰብ ሞያ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ኣብቲ ናይት ‘ርክብ’ ስርወ ቓሉ ዘለዎ ትርጉም ዝጠበቑ ክኾኑ ዓዲሞም፥ “ሓድነትና እዩ ኣባላት ሓድሕድና ዝገብረና፡ ሕብረት ምስጢር ርክብ ቤተ ክስቲያን እዩ”፥ እቲ ብሉጽ ጋዜጠይና ንሰባት ምስ ሰባትን “ፍሉይን ጸጋ ዝመልኦ ዛንታታቶምን” ንኽራከቡ ዝምድናን ዕድልን ምቕራብ እምበር ምስ ምሻጥ ፍርያት ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሉ ኣመልኪቶም። እምበር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምርኻብ ማለት ሕብረት ዳግማይ ምህናጽ ንነብስና ከም መጋበርያ ርክብ ምቕራብ ሓደ ምዃንና ምምስካር ማለት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍቕሪ ንስጓመ እደ ጥበብ ክመርሕ ኣለዎ

እቲ ቫቲካን ነውስ ዝወለደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ቀጺሎም ብዛዕባ ዕደ ጥበባዊ መዳይ ዘመናዊ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ግምት ኣእትዮም፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እደ ጥበብ ንማሕበራዊ መራኸቢታትን ንዓለምና ከም ዝቐየሮም ኣዘኻኺሮም፥ “ምዕባለ እደ ጥበብ ከነመሓድሮን ክንመርሖን ድማ ዝተጸዋዕና” ምዃንና ኣመልኪቶም፥ “እደ ጥበብ ብልብና ክንመርሖ ይግባእ፡ እዚ ድማ እዩ ንልቦናና ፍሉይ ዝገብሮ፡ ምኽንያቱ ተልእኾና ብኣእምሮ ወይ ፍልጠት ናይ ምትእስሳር ዓቕምና ጥራይ ዘይኮነስ ብናይ ምፍቃር ዓቕምና እውን ስለ ዝፍጸም እዩ።”

ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን በቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኽቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተዘርገሐ፥ “ናብ ምሉእ ህላወ፡ ጓሳዊ ኣስተንትኖ ኣብ ምትእስሳር ማሕበራዊ መራኸቢታት” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ሰነድ ኣመልኪቶም፥ እቲ ሰነድ ንኣጠቓቕማን ምትእስሳርን ቤተ ክስቲያን ምስ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝተሓሰበ መገዲ ንምምራሕ ዝሕግዝ ቲዮሎጊያውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖላውን ኣስትንትኖ ከም ዘቕርብን ስልጣን ኣሰናዳኢ ስልጣን ኣገባብ ናይተን ማሕበራዊ መራኸብታት ዘካይዳ ዋኒነ ትካል ጥራይ ካብ ምሃብ ንላዕሊ ከምዝኾነ ገሊጾም። እቲ ቀመራዊ ኣገባባት ተኣፋፍነት ኣብ ግምት ዘእትው ኣይኮነን፥ “ፍቕሪ ግና ካብ ተቓላዕነት እዩ ዝውለድ፡ ብቃንዛ ካልእን ብስምዒቶምን ካብ ምጽላው እዩ ዝውለድ። እዚ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ብግጥማዊ ኣዘራርባ፥ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ፍጽምናኡ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ዘይጥቃዕ ማለት ኣይኮነን፡ ኣምላኽ ተቓላዒ እዩ፥ ኣምላኽ ይበኪ ኣምላኽ ይሳቐ፥ እቲ ስነ ኣሃዛዊ ኣገባብ ግን ከምኡ ኣይኮነን፣”

መሃዝነት ስብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን ብመንፈስ እዩ ዝንቀሳቐስ

ኣብ መደምደምታ፥ ዶክተር ሩፊኒ፥ ንሰብ ሞያ መራኸቢ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ካብ እደ ጥበባዊ መዳያት ናይቲ ኢንዳስትሪን ኣብ ዕዳጋ ዝቐንዐ ድፍኢት ንቑጽሪ ጽምዶን መኽሰብን ኪኖ ክጥምቱ ዓዲሞም። እቲ “ዘድልየና ትሑትን ትዕግስትን መሃዝነት፡ ናይቲ ናይ ሓደ ህሞት ታዕታዕ ዘይኮነ፡ እሙን ዝምድና ዝደልዩ በቲ ዝጥርንፈና መንፈስ ዝነቐለ እዩ፥ ክቶሊክዊ ርክብና ክጽዕረሉ ዘለዎ ዕላማ ሓድነት - ሱታፌ ዝብል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 June 2023, 15:19