ድለ

ካርዲናል ዙፒ፥ ዘተ እንኮ መገዲ ሰላም እዩ ካርዲናል ዙፒ፥ ዘተ እንኮ መገዲ ሰላም እዩ 

ካርዲናል ዙፒ፥ ዘተ እንኮ መገዲ ሰላም እዩ

ሰላምታ ካብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ንካርዲናል ዙፒ

ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ማተዮ ዙፒ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍሉይ ናይ ሰላም ልኡኽ ኣብ ዩክሬይንን ሩሲያን ኮይኖን ንኸገልግሉ ከም እተሰመዩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ዪክሬይን ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ እውን ዛዚሞም ሮማ ከም እተመልሱን ኣብ ዓለም ኣጽዋር ምርጋፍን ግጭት ምውጋድን ዘነቓቕሕ ናይ ኢጣሊያ ረጋቢት ሰላም ማሕበር ወለንተይናታት ኣብ ቹታደላ ካብ ዕለት 8 – 11 ሰነ ኣብ ዘካይዶ ዓለም ሓቆፍ ጽምብል ሰላም ይሳትፉ ከምዘለዉን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“መንእሰያት ህልው እምበር መጻኢ ጥራይ ኣኮኑን፥ ውጥረት ናብ ውግእ ምስ ዝቕየር ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ኲናት ከይተቐየረ እውን ክህሉ ከም ዝኽእል ምርድዳእ ምስ ዘይህሉን ከምኡ እውን ኣብ ዘይምስምማዕን ኣብ ምርሕሓቕን ንኻልእ ሸለል ኣብ ምባል እውን ዝህልው እዩ! . . . ኣክንዲ ንውግእ ዘተን ሰሰላም ተላባዒ ምግባር! ኣገዳሲ እዩ፡” ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ዓውደ ርክብ ዝሳተፉ ዘለዉ ብጹዕ ካርዲናል ዙፒ ካብቲ ዓውደ ርክብን ጽምብልን ሰላምን ወጻኢ ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፥

መጻኢ ብሓባር

ብዛዕባ ህጻናት ሩሲያን ዩክረይንን ብዛዕባ ሓባራዊ ሕይወት ዝትንክፍን ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ “መጻኢ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ኩላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝበለዎ፥ ብሓባር ኣብ ምዃን ምምሃር ዝቖመ ዘርኢ ምዃኑ የጉልሑ፥ ሓደ ሓደ ግዜ “ዘይከኣል ዝመስልን ኣዚዩ ኣድካምን እዩ። ቅዱስነቶም ግን እቲ “ዝከኣሎ ይድሓን . . . ኵሉ ኣንጻር ኵሉ” ዝብል ብልሓት ንዅላትና እዩ ዘኽስር፥ ስለዚ ኣብ ነንሓድሕድና ክህሉ ዘለዎ ተገዳስነት መሰረታዊ ብምዃኑ ድማ ብኣጽንዖት የተሓሳስቡና ምኽንያቱ “ብሓባር ጥራይ ኢና እንድሕን” እንክብሉ ናይ ቅዱስነቶም ዓዋዲ መልእኽቲ ጠቒሶም የዘኻኽሩ።

ውግእ ሕውነት ይኽሕድ

“ኩላትና ኣብ ዘተ ክንኣምንን ዘተ ከነቐድምን ክንመሃር ኣሎና” ዝበሉ ብጹዕነቶም፥ ሕብረተሰባት ሩሲያን ዩክሬይንን ክዘራረቡ ኣለዎም፡ “ኩናት ይገማምዕ ምፍልላያት የጉልሕ፥ እቲ ዘሎ ፍልልያት ኣክንዲ መጋበርያ ንምፍላጥን ንምርኻብን መጋበርያ ውግእ ኮይኑ ኣሎ . . . ውግእ ነቲ ካልእ ከም ሓውኻ ንኸይተለልዩ ይድርኽ፥ ስለዚ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ኩሉ መዳይ ምንቕቓሕ ወሳኒ እዩ። ነቲ ካልእ ከም ሓውኻ ምልላይ ገዛእ ርእስኻ ንኽትረኽባ የብቅዓካ፥ ሕውነት ክንመሃር ኣሎና ልክዕ ከምዚ ኣብ ቺታደላ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ርክብ ንሰላም፥” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሰላምታ ካብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ንካርዲናል ዙፒ

ብጹዕነቶም ካብቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ርክብ ወጻኢ ኣብቲ ኣብ ቺታደላ ዝካየድ ኣብ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ሰላም መደረ ምስ ዘስምዑ ምስ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምኽትል ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሚገል ኣንገል ሞራቲኖስ ከም ኣተራኸቡን፥ ብጹዕ ካርዲናል ዙፒ ኣብ ኤውሮጳ ዳግማይ ሰላም ንምርግጋጽ ኣበርክቶ ንኽገብሩ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ልኡኽ ኮይኖን ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ክብልን ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክሬይንን ናይ ዘተ መድርክ ንኽብገስ መገዲ ሰላም ንኽድህስሱ ልኡኽ ብምዃኖም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ሓጎሱ ይገልጽ ቢሎም፥ ኣሳልጦ እውን ንምነየልኩም” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

09 June 2023, 15:35