ፓሮሊን፥ ስምምዕ ቅድስቲ መንበርን ቬትናምን ሸቶ ጥራይ ዘይኮነስ ሓድሽ ጅማሮ እዩ!
ካርዲናል ዋና ጸሓፊ ቅዲስቲ መንበር ፒየትሮ ፓሮሊን ምስ ማዕከናት ዜና ቫቲካን ብዛብዕባ እቲ ዕለት 27 ሓምለ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበር ቬትናምን፥ ዛዕባ ኣብ ቬትናም ተቐማጥነት ዘለዎ ነባሪ ጳጳሳዊ ወኪል ክህልዉ ዝብል ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣማኣኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ መጻኢ - ይብሉ ካርዲናል ፓሮሊን - ብሓድሕዳዊ ምክብባርን ሓድሕዳዊ ምትእምማንን ምልኩት ኣብ ዝኾነ ሓደ መገዲ ክንጓዓዝ ይሓትተና” ይብሉ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ስምምዕ ብደረጃ ተቕዋማዊ፡ ፍረ ናይቲ ሰናይን ምክብባርን ዝዓሰሎ ዝድምድታት ኮይኑ፡ ሳላ ፍረ ዘለዎ ኣኼባታት ናይ ሓባራዊ ጉጅለ ዕዩ ቅድስቲ መንበርን ቬትናምን እውን፡ ከምኡ እውን ብደረጃ ቤተ ክርስቲያን ብናይቲ ከባቢ ጽቡቕ ዝምድና ንኽህሉ ብዝለዎ ድልውነት ዝተሃንጸ እዩ። ማሕበረሰባትን ናይ ከባቢ ልምድታትን ናይ ሓባር ክብርታትን ውሕስነት ካብ ምሃብ ዝነቐለ ክርስቲያናዊ ምስክርነት ንምቕራብ!
ብጹዕነትኩም ቅድሚ ናይ ሎሚ ዝተበጽሐ ምዕራፍ ኣብ ዝተወሃቡ ዝተፈላለዩ ጋዜጣዊ መግለጽታት ብኣኽብሮትን ልባዊ ዘተን ናይ ዝተለለየ ነዊሕ ጉዕዞ ምዃኑ ወትሩ ይጥቀስ ነይሩ። ነዚ ጉዕዞ እዚ ብኸመይ ምግለጽክምዎ? ኣገደስቲ ባእታታት ናይዚ መገዲ ናብ ክልተ ኣገላልጻ ክትርጎም ዝከኣል ይመስለኒ፡ እቲ ሓደ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ዝጥቀምሉ፥ “ንሓድሕድኩም ንምድናቕ ምፍላጥ” ዝብልን እቲ ካልኣይ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “መስርሕ ምጅማር እምበር ቦታታት ዘይምሓዝ” ብዝብል ክግለጽ ዝከኣል እዩ። ምስ ሰበ ስልጣን ቬትናም ዝምድናታት ዘርሃወ ኣብ 1989 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ናይ ዝነበረ ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ካርዲናል ሮዠር ኤቸጋራይ ኣብ ቬትናም ዘካየድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ እዩ። ብሓቂ ሓሳብ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ “ባህርያዊ ትምህርትን መዓልታዊ ምስክርነትን ቤተ ክርስትያን ዝኾነ ፍትሕን ሰላምን ብዝብል መርሕ ሓሳብ ኣቢልካ ናይ ዘተ መገድታት ምኽፋት እዩ ነይሩ። በዚ ድማ ብኸፊል ምስ መንግስቲ ንዝግበር ርክብን ብኸፊል ምስ ማሕበረሰባት ሃገረ ስብከት ንምርኻብ ዝተወፈየ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር በቢ ዓመቱ ናብ ቬትናም ናይ ምብጻሕ ልምዲ ተበገሰ። ኣብ 1996 ዓ.ም. ጳጳሳት ናይ ምሻም ጉዳይ ዝምልከት ኣገባብ ስራሕ ንምግላጽ ዝኣመተ ዘተ ተበገሰ። . . . ኣብ 2009 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ናይ ቬትናም ርእሰ ብሔር ዝነበሩ ንጉየን ሚንህ ትሪየት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ መጺኦም ምስ በነዲክቶስ መበል 16 ከምእተራኸቡን፥ በዚ ድማ ናይ ቅድስቲ መንበርን ቬትናምን ናይ ሓባር ናይ ዕዮ ጉጅለ ቆይሙን ሲዒቡ ኣብ ሲንጋፑር መደበሩ ዝገበረ ኣብ ቬትናም ዘይነባሪ ጳጳሳዊ ወኪል ኮይኖም ሊቀ ጳጳሳት ሊዮፖልድ ጂረሊ ዕለት 13 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ተሰምዩ። ስለዚ እቲ ጉዕዞ ብሓጺሩ ነዚ ይመስል።
ንመስርሕ ምንዳፍ ስምምዕን ኣኼባታት ሓባራዊ ጉጅለ ዕዮን ዝመርሑ ቀወምቲ ነገራት እንታይ ነይሮም? ኣብ መሰረት ናይዞም ናይ መጽናዕትን ስራሕን ኣኼባታት መርገጺኽ ከይሓባባእካ ወትሩ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ንቕድሚት ንምስጓምን ድሌትን ዝብል መሰረታዊ ነገር ዘሰነዮ ምዃኑ እገልጽ። ግን ከኣ ብቕንዕና ብዛዕባኡን ድርኺታቶምን ምዝታይ ከም ዝነበረ ምጉላሕ ኣገዳሲ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡ ኣብዚ ክፍልጠ ዘለዎ፡ ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ቬትናም ወትሩ ኣብዚ መስርሕ ተሳቲፉን ናይ ገዛእ ርእሱ ኣስተንትኖን ገምጋማትን ዘቕረበ እዩ። ብድሕሪኡ በብቑሩብ ቀጺልና ብቕጽበት ናይ መወዳእታን ውጽኢት ምድላይ ዘይኮነስ ቀስ ብቐስ መትከል ሃይማኖታዊ ናጽነት ምስ ናይቲ ከባቢ ሕግታትን ልምድታትን ንምውህሃድ ምድጋፍ፡ እዚ ድማ ምስ ግዜ ዝያዳ ሓድሕዳዊ ምርድዳእን ምትእኽኻብን ኣብ ምርጫታት ኣብቲ ጽሑፍ በብእዋን ዝዝከር ኮይኑ ንጳጳሳዊ ወኪል ነባሪ ንከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያንን ሰበ ስልጣንን ቬትናምን ናይ ልኡኽ ኣገልግሎት ንምፍጻም ቅድመ ኩነት ንምርግጋጽ ዝዓለመ እዩ። ከምኡ እውን ምስቶም ኣብ ቬትናም ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡከ መንግስታት ዝምድና ምሕላው እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ንፉዓት ዜጋታትን ንፉዓት ካቶሊካውያንን ንምዃን ወንጌል ምንባር ኣገዳስነት ምጉላሕ ዝብል ዕላማ እውን ኣይረሰዐን። ንማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ቅድሚ ምሕንጻጹ ዝመርሕን ድሮ ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ድሕረ ምጽኣተ ክርስቶስ ዝነበረ መትከል እዩ፡ ክርስቲያን ብኣገባብ ኣነባብራኦም ኣብ ሓደ እዋን ዜጋታት ሰማይን ምድርን ምዃኖም ብኸመይ ከም ዝገልጹ ዘመልክት እዩ። ኣብ መወዳእታ ህይወት ናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያንን ምኽባር ናጽነት እምነትን ሃይማኖትን ኣብቲ ዝርርብ ወትሩ ዝነበረ ኮይኑ፥ ንዕኡ ድማ ንንጥፈታትን ምዕባለን ካቶሊካዊ ማሕበርሰብ ምቹእ ሃዋሁ ንምምዕባል ፈተነ ተገይሩ እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ብወገን ቬትናም ኣብ መስርሕ ምሻም ጳጳሳኣት ተዓዚብና ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን ፍሉይ ጸገማት ኣይተላዕልን።
ብጹዕነትኩም ብዛዕባ ጽሑፍ ስምምዕ እንታይ ክትነግሩና ትኽእሉ? ነባሪ ወይ ተቐማጢ ጳጳሳዊ ወኪል እንታይ ማለት እዩ? እዚ “ሓድሽ ነገር ኣብ ሕጊ” ብዝብል ናይ ስነ ሕጊ ቃል ዝግለጽ እዩ፡ ናይ ሓባር ፍታሕ ክንረክብ ከም ዘኽእለና ከመልክት ስለ ዘኽእለኒ። ብሓቂ ጳጳሳዊ ነባሪ ወይ ተቐማጢ ወኪል ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያንን ሕብረት ንምዕባይን ነቲ ዳሕረዋይ ብኹሉ ኣካል ልኡኽነት ክሕግዞን ክድግፎን ኣብ ጽምብላትን ተበግሶታትን ምስታፍ ክህልዎ ይጽውዕ። በርገሳዊ ኢልና ክንገልጾ ዘኽእል መዳያት ብዝምልከት ጳጳሳዊ ነባሪ ወኪል ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ቬትናምን ዘሎ ምሕዝነታዊ ዝምድና ናይ ምድልዳል ዕማም ስለ ዘለዎ ኣብ ተራ ኣኼባታት ናይ ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክባትን ኣኼባታትን ምግባር፡ ኩሉ ግዜ ናይ ዝተወከለላ ሃገር ሕጊ ብምኽባርን ብመንፈስ ሓድሕድዊ ምትእምማንን ጽቡቕ ክሌኣዊ ዝምድናን ምኽዋን። እዚ ኩሉ ከምቲ ኣብቲ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መገልጺ ዝተገልጸ፥ ጳጳሳዊ ነባሪ ወኪል፡ ኣብ መንጎ ቬትናምን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ርክብ ዝያዳ ንምምሕያሽ “ድልድል” ክኸውን ዝዓለመ እዩ።
መጻኢ ዝምድና ቬትናምን ቅድስቲ መንበርን ከመይ ትርእይዎ? ኣብ ህዝቢ ቬትናም ወትሩ ብእወታ ዝመሰጠኒ ሓደ መዳይ ኣሎ፡ ምናልባት ኣብ ዓደይ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ዘስተንፈስክዎ ነገር ስለ ዝኾነ ክኸውን ይኽእል እውን፥ ንሱ ድማ ትሑት ጻዕሪ እዩ! ኣብ ርክባተይ ንዕዮታተይ ዝድግፍ ዓሚቝ ብቕዓት ክረክብ ክኢለ እየ። ብኢድ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ዝገብሮ ነገር ከም ተወፋይነት ክርድኦ ክኢለ እየ። እዚ ባህሪ እዚ ግምት ከስዕብ ይኽእል እዩ፡ ኣብ ክንድኡስ ቬትናማውያን ኩሉ ግዜ ትሕትና ዝመልኦን ኣኽብሮታውን ኣተሓሳስባ የንጸባርቑ፡ ዋላ እውን ትዕቢተይና እንተኾነ፡ ምስ ዝኾነ ኩነታት ክላመድ ዝኽእል . . . ምኽንያቱ መጻኢ ብዘይ ምምስሳልን ይግብኣኒ ብሃልነትን ታህዋኽ ኣብ ካልእ ዕላማ ንምብጻሕ፥ እንተኾነ ዝበለጸ ንምርካብ ክነጻጸሩ ዝደልዩ ድልዋት ሰባት ብምዃን። እቲ ስምምዕ ሸቶ ጥራሕ ዝውክል ዘይኮነስ ብሓድሕዳዊ ምክብባርን ሓድሕዳዊ ምትእምማንን ምልኩት ኣብ ዝኾነ መገዲ ንምጉዓዝ ዝድርክ ሓድሽ ጅማሮ ዝውክል እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።