ድለ

ካርዲናል መንዶሳ፥ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ‘ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ’ ብመሃዝነት ምጥቃም ካርዲናል መንዶሳ፥ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ‘ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ’ ብመሃዝነት ምጥቃም  (REUTERS)

ካርዲናል መንዶሳ፥ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ‘ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ’ ብመሃዝነት ምጥቃም

ኣብ ድልዱል ክብርታት ዝተሰረተ መሃዛዊ ብልሕን ምስትውዓልን ከም ኣገደስቲ ባህርያት ክልለዩ ኣለዎም

ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኾሰ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ፥ ኣብ “መጻኢ ክቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ” ኣማእኪሉ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ሕዳሴን ንቕሓትን” ዝብሉ ቃላት ከም መምርሒ ኣተገባብራ እደ ጥበብ ኣብ ስነ ፍልጠታዊ ምርምር ምዃኑ የመልክቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳያት ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኾሰ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ ኣብቲ “ሕዳሴን ንቕሓትን፥ ብዛዕባ መጻኢ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተዳለወ ዓውደ ጉባኤ፥ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ ስነ ፍልጠታዊ ዘተ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ምሕቋፍ ዘለወን ወሳኒ ተራ ኣጉሊሖም፥ ኣብ ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ብምህዞ ክስነዩን፡ ምስ ዝቕልቀሉ ኣንፈታት ክዋስኡን ከም ዘለዎን ኣስሚሮም፡ ኣገዳስነት ዘተ እዋናዊ ብድሆታት ምፍታሕ ከምኡ እውን ኣብ ንቕሓት ዝተመርኮሰ ቀጻሊ ሕዳሴ ምዕባይ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካ ኣፍሊጡ።

እደ ጥበብ ብግቡእ ስነ ምግባር ምቕባልን ምጥቓምን

ካርዲናልደ መንዶንሳ ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፥ “ንውልቃዊ ሰናይ ህይወት ቀዳምነት ዝህብን ግብረ ገባዊ ክብርታት ዝድግፍን” ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዘጒልሕዎ መተከላት ጠቒሶም፥ ብዛዕባ ስነ ሰብኣዊ ትርጉም ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፥ ኣብ ሰብኣውነት ሰብ ዘማእከለ ኩለንተናዊ ኣገባብ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጉሊሖም፥ ኣብ ምቛም ውልቀ ሰባት ወፍሪ ብምግባር ንኣእምሮኣዊ መሃዛዊ መንፈሳውን ስነ ምግባራውን ዓቕሞም ምሕብሓብ ቀዳምነት ዝህብ ክኸውን ኣለዎም፡ . . . ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ምስ ሕብረተሰብ ምትእስሳርን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ባህልታት ርክባት ምዕባይ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣጒሊሖም፡ ኣብ ድልዱል ክብርታት ዝተሰረተ መሃዛዊ ብልሕን ምስትውዓልን ከም ኣገደስቲ ባህርያት ክልለዩ ኣለዎም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣገባባት - ስነ ምግባር

ካርዲናል ደ መንዶንሳ ኣስዒቦም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምፍራይን ኣጠቓቕማን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝተጠቀምሉ ኣምር ኣገባባት - ስነ ምግባር ብምዝኽካር፥ ብድሆታትን ዕድላትን ምጥቃምን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት እውን ዳህሲሶም፥ ብፍላይ ኣብ ምዕባይ ህንጸትን ስልጠናን ኣካለ ስንኩላን ውልቀሰባት ምትሕብባርን ንኹሉ ዝሓቆፍ ዕድላትን ከም ዝኸፈተን ኣጉሊሖም፥  ኣድላይነት ፍትሓውነት ዕቃበታትን ሓቅታት/ጭብጥታት ምምስኻርን ዝብሉ ነጥብታት ኣስሚሮም፡ ብዛዕባ ቅልጡፍ ናህሪ ምዕባለ እደ ጥብብ ስክፍታታቱ እውን ከም ዘጉልሑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ይኹን እምበር ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ዘላቒ ህብረተሰብ ኣበርክቶ ናይ ምግባርን ሓደስቲ ሞያታት ምትእትታውን ዓቕሚ ከም ዘለዎ ተጋባእያን ከም ዝተሰማማዑሉን፡ ውጽኢት ናይቲ ዘተ ተሓቲሙ ኣብ ሓደ ሰነድ ተጠርኒፉ ንንባብ እውን ክበቕዕ ምዃኑ ገሊጹ፥ እዚ እውን ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ኣብ ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝድግፍ ከም ዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፥ ዓለም ለኻዊ ፈደራላዊ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ማሕበር ኣብ ዝመጽእ ዓመት መበል ሚእቲ ዓመት ቅዋመኡ ንምብዓል ኣብ ዝቐራረበሉ ዘሎ እዋን፡ እዚ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ሰብ ሰርሖ ምስትውዓል ኣብ ኣሰራርሓ መንበረ ጥበብ ብኣድማዒ መገዲ ንምውህሃድን ንዝሓሸ መጻኢ ኣበርክቶ ንምግባርን ክቡር ርድኢት ዝሃበ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

14 July 2023, 16:32