ድለ

2023.09.21 briefing per la presentazione del calendario e dell’elenco dei partecipanti alla XVI Assemblea generale ordinaria del Sinodo dei Vescovi sul tema: “Per una Chiesa sinodale: comunione, partecipazione e missione” 2023.09.21 briefing per la presentazione del calendario e dell’elenco dei partecipanti alla XVI Assemblea generale ordinaria del Sinodo dei Vescovi sul tema: “Per una Chiesa sinodale: comunione, partecipazione e missione” 

ሲኖዶስ፥ ተሳተፍቲ ኣብ መደብ መንፈሳዊ ንግደትን ጸሎት ምእንቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን

ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ 464 ተጋባእያን ክህልውን ካብዚኣቶም እቶም 365 ድምጺ ዝህቡ ኣባላት ክኾኑ እንከለዉ ካብኣቶም 54 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተሓበረ

ኣዳለውቲ ሲኖዶስ ብዛዕባ ተሳትፎ ሲኖዶስን መደብ ሓፈሻዊ ጉባኤን ብዝምልከት ዕለት 21 መስከረም ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ኣብ ዝሃብዎ ዝርዝር ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ንተሳተፍቲ መንፈሳዊ ንግደትን ከምኡ እውን ምእንቲ ስደተይናትትን ተመዛበልትን ፍልዩ ናይ ምሸት ጸሎት መደብ ከም እተሰናደወ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣዳለውቲ ሲኖዶስ ዕለት 21 መስከረም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ፡ ኣብ ቫቲካን ካብ ዕለት 4 – 29 ጥቅምቲ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝምልከት ዝርዝር መደባትን ተሳተፍትን ወግዓዊ ከም ዝገበሩን፡ ኣብቲ መደብ ካብ ዘለዉ ፍሉጣት ፍሉይን ዝኾኑ መደባት፥ ንተግባእያን ዝኸውን እዚ ድማ ዕለት 12 ጥቅምቲ ድሕሪ ቐትሪ መደብ መንፈሳዊ ንግደት ክህሉ ከም ዝኾነን፡ ዕለት 19 ጥቅምቲ ምሸት ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝምራሕ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝካየድ ጸሎት ምእንቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ክሳተፉ እዮም፡ ዕለት 25 ጥቅምቲ ድማ ቅዱስነቶ ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ተጋባእያን ዘሳተፈ ጸሎት መቑጸርያ ክመርሑ እዮም። ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ዕለት 4 ጥቅምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ በወግዒ ክጅመር እዩ።

እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ ኣርባዕተ ኣሃዱ ክካየድ እዩ፡ ናይ መወዳእታ ቀጥዒ ድማ ብሲኖዶስ ቅቡል ዝተባህለ ጸብጻባት ንምትእኽኻብ ዝተወፈየ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣሃዱ፡ ናይቲ ሲኖዶስ መርሕ ቃል ዘጠቓልል ኮይኑ ድሕሪኡ ብነኣሽቱ ጉጅለታት መሰረት ዝካየድ ዘተ ስዒቡ ናብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣሃዱ ጸብጻብ ክቐርብን ዘተ ክግበረሉን ዝመሓየሽ ክመሓይሽን እዩ፥ ናይ መወዳእታ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ቐዳም ዕለት 28 ጥቅምቲ ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዝተኣከበ ጸብጻብ ክንበብን ድምጺ ክወሃበሉን እዩ። ዕለት 29 ጥቅምቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ተግባእያን ሲኖዶስ ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም፥

ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ 464 ተጋባእያን ክህልውን ካብዚኣቶም እቶም 365 ድምጺ ዝህቡ ኣባላት ክኾኑ እንከለዉ ካብኣቶም 54 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 September 2023, 14:52