ድለ

ፓሮሊን፥ እስራኤል ነቲ ኢሰብኣዊ መጥቓዕቲ እትህቦ ርእሰ ምልክኻል ግብረ መልሲ ሰላማውያን ክጎድእ የብሉን ፓሮሊን፥ እስራኤል ነቲ ኢሰብኣዊ መጥቓዕቲ እትህቦ ርእሰ ምልክኻል ግብረ መልሲ ሰላማውያን ክጎድእ የብሉን 

ፓሮሊን፥ እስራኤል ነቲ ኢሰብኣዊ መጥቓዕቲ እትህቦ ርእሰ ምልክኻል ግብረ መልሲ ሰላማውያን ክጎድእ የብሉን

እቲ ዝሓለፈ ቀዳም ብሓማስን ካልኦት ምልሻታትን ኣብ ልዕሊ እቶም በዓለ ናይ ቶራህ ሓሴት ኣብ ዘብዕልሉ ዕለት ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ኢሰብኣዊ እዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ብዛዕባ ምጅማር ኲናት ኣብ ቅድስቲ መሬት ኣማእኪሎም ምስ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ምሩኻት ምፍታሕ ምዃኑ ብምግላጽ ቅድስቲ መንበር ክትሽምግል ፍቓደይና ምዃና የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ቅድስቲ መንበር ከም ወትሩ ንዝኾነ ኣድላዪ ሽምግልና ድልውቲ እያ፥” ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥ ምስ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ነቲ ዝተፍጸመ መጥቓዕቲ “ኢሰብኣዊ” እንክብሉ ገሊጾም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩሎም እቶም ብሓማስ ጅሆ ዝኾኑ ክፍትሑ ዘቕረብዎ ጻውዒት ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ናይ እስራኤል ሕጋዊ ርእሰ ምክልኻል ተመጣጣኒ ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ጋዛ ብሰንኪ ደብዳብ ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ስክፍታኦም ገሊጾም፡ ዋላ’ኳ ቀጻሊ ፍጻሜታት እንተሃለወ ብሓቂ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ፍትሓዊ ሰላም ዘማእከለ ፍታሕ ከም ዘድልን፡ እዚ ድማ ፍልስጥኤማውያንን እስራኤላውያንን ብሰላምን ጸጥታን ጎኒ ንጎኒ ክነብሩ ዘኽእሎም” ምዃኑ ኣርጊጾም ይዛረቡ።

ብጹዕነትኩም ኩሉ ግርጭታት ኣዚዩ ዘስካሕክሕ እዩ። ከምቲ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተበገሰ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጭካነ ዝመልኦ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ፍጹም ጥፍኣት ሰብኣውነት ንዕዘብ ኣሎና። ነዚ ንምውጋድ ዘኽእል ባይታ ኣሎ ዶ ትብሉ? እቲ ዝሓለፈ ቀዳም ብሓማስን ካልኦት ምልሻታትን ኣብ ልዕሊ እቶም በዓለ ናይ ቶራህ ሓሴት ኣብ ዘብዕልሉ ዕለት ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ኢሰብኣዊ እዩ። ቅድስቲ መንበር ምሉእ ብምሉእ ኣጽኒዓ ከም ዘውገዘቶ ገሊጾም፡ ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ጋዛ ጅሆ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣዚዩ የገድስናን ናጻ ክልቐቑን ምስቶም ዝተጎድኡ ኣባይቲ ስድራ ቅርበትናን ደገፍናን ነረጋግጽ፡ ንውጉኣት እውን! ነቲ ዕዉር ስነ መጐት ጽልኢ ገዲፍካ፡ ምኽንያታዊ ስምዒት ምርካብ የድሊ። ዓመጽ ከም መፍትሒ ምንጻግ የድሊ። መጥቓዕቲ ዝወርዶ ሰብ ገዝእ ርእሱ ክከላኸል መሰሉ እዩ። እዚ ሕጋዊ ምክልኻል እውን እንተኾነ ማዕቅን ተመጣጣንነት ዘኽብር ክኸውን ኣለዎ። ኣብ መንጎ እስራኤልን ምልሻ ሓማስን ክሳብ ክንደይ ናይ ዘተ ቦታ ክህሉ ኣይፈልጥን። ክህሉ ድማ ተስፋ እገብር። ብቅልጡፍ ብዘይ ውዓል ሕደርን ምስዓቡ የድሊ። እዚ ከምቲ ኣብ ጋዝ ዝፍጸም ዘሎ ብሰንኪ መጥቓዕቲ ሰራዊት እስራኤል ብዙሓት ንጹሓን በርገሳውያን ሞትን ማህሰይትን ደም ምፍሳስን ንኸይህሉ መታን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላም ኣብ ፍትሒ ዝተሃንጸ ምዃኑ ደጋጊሞም ይገልጹ፡ ፍትሓዊ ዘይኮነ ሰላም የሎን፡ እዚ ጻውዒት ፍትሒ ንኽልቲኦም ኣብ ግጭት ዘለዉ ወገናት ሎሚ ብኸመይ ይግለጽ? ሰላም ኣብ ፍትሒ ጥራይ እዩ ክምስረት ዝኽእል፡ ኣብ ቅድስቲ መሬት እቲ ዝዓበየ ፍትሒ፥ ፍልስጥኤማውያንን እስራኤላውያንን ብሰላምን ጸጥታን ጎኒ ንጎኒ ከንበሩ ዘኽእሎም። ባህጊ ናይ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘማልእ። ክልተ ሃገራት ዝሓቁፍ ፍታሕ ኮይኑ ይስምዓኒ፡ እዚ ብሕብረተሰብ ዓለም ዝድገፍ መፍትሒ ኣብዚ ቀረባ ኣዋን ንገሊኦም ድሕሪ ደጊም ዘይከኣል ኮይኑ ዝረእዮም ይመስል ኣሎ። ንኻልኦት ድማ ፍጹሙ ከም ቅብሉ ዘይርይዎ እዩ። ቅድስቲ መንበር ብኣንጻሩ ኣሚና ደጊፋ ትቕጽለሉን ተቕርቦን ኣላ።

ሕጂ ግን ፍትሓዊ እንታይ እዩ። እቶም ጅሆ ዝኾኑ ሰባት ብቕጽበት ክምለሱ ጥራይ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ዋላ እታ ኣብ ሕጋዊ ርእሰ ምክልኻል እትርከብ እስራኤል እትስዕቦ መገዲ ህይወት ናይቶም ኣብ ጋዛ ዝነብሩ ፍልስጥኤማውያን በርገሳውያን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ የብሉን። ኣብዚ ግጭት እዚ ሰብኣዊ ሕጊ ምሉእ ብምሉ ክኽበር ዘለዎ ፍትሒ እዩ እቲ ብሓቂ ዘገድስ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ረቡዕ ድሕሪ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ እቶም ጅሆ ዝኾኑ ክፍትሑ ጻውዒት ኣቕሪቦም እዮም። ህይወት ንጽሃት ንምድሓን ጻውዒት ኣቕሪቦም እዮም። ምስቲ ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክሬይንን ዘሎ ግጭት ንምውጋድ ዝገብርዎ ዘለዎ ስነ መሌዊ ክሌኣዊ ርክብ ዝመሳሰል ተበግሶ ንስለም ቅድስቲ መሬት ቦታ ይህሉ ዶ ትብሉ? እወ፥ ምፍታሕ ጅሆ እስራኤላውያንን ምክልኻል ህይወት ንጹሓት ኣብ ጋዛን ሕመረት ናይቲ ብመጥቓዕቲ ሓማስን ስራዊት እስራኤልን ዝፈጥሮ ጸገም እዩ። ኣብ ማእከል ኩሉ ስክፍታታትና እዮም፡ ስክፍታታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን መላእ ማሕበረሰብ ዓለምን። ቅድስቲ መንበር ከም ወትሩ ንዝኾነ ኣድላዪ ሽምግልና ድልውቲ እያ። ክሳብ ሽዑ ግን ነቲ ድሮ ተኸፊቱ ዘሎ መገድታት ክንጥቅመሉ ንፍትን ኣሎና። ይኹን እምበር ዝኾነ ይኹን ሽምግልና ነቲ ግጭት ንምውጋድ ነቲ ጉዳይ ኣዚዩ ዝተሓላለኸን ንጹርን ዝገብሩ ከም ጉዳይ ሰፈራታት እስራኤል ጸጥታን ጉዳይ ከተማ ኢየሩሳሌምን ዝኣመሰሉ ተኸታታሊ ባእታታት ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ። ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ናብ ቀጥታዊ መድርኽ ዘተ ምቅርራብ እዩ ወሳኒ መፍትሒ። ብማሕበረሰብ ዓለም ዝተባባዕን ዝድገፍን ዋላ እኳ ኣብዚ እዋን እዚ ዝያዳ ከቢድ እንተኾነ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብርእሰ ብሔር ፍልስጥኤም ማሕሙድ ዓባስን ርእሰ ብሔር እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ‘ሎሶርቫቶረ ሮማኖ’ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክልቲኦም ነቲ ‘ጨው’ ዝኾነ ካብ ውሑድ ማሕበረሰብ ክስቲያን ቅድስቲ መሬት ዝመጽእ ቀጻሊ ናይ ሰላም ቃላት ዘለዎም ሞሳ ገሊጾም እዮም። ይኹን እምበር ክርስቲያን በቲ ግርጭት ጸገም ኣብ ዝመልኦ ኩነታት እዮም ዝርከቡ። ኣብ ጋዛ ዝቕመጥ ውሑድ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኩነታት ዘሰክፍ እዩ። ክርስቲያን ማሕበረሰብ ቅድስቲ መሬት ኣብዚ ኩነት ብኸመይ ብጭቡጥ ክሕግዙ ይኽእሉ? ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ብጸሎትን መንፈሳውን ንዋታውን ደገፍ፡ እዚ ዘረባይ እዚ ንፍቕራዊ ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅድስቲ መንበርን ዳግማይ ንምርግጋጽ ዝዓለመ እዩ። ክርስቲያን ኣገዳሲ ክፋል ናይታ ኢየሱስ ዝተወለደላን ዝነበረላን ዝሞተላን ዝተንሰኣላን ምድሪ እዮም።

ፍልስጥኤም ይኹን እስራኤል ብዘይ ህላወ ክርስትና ክሓስብ ዝክል የሎን፡ እዚ ድማ ካብ መጀመርታ ዝነበረን ንዘለዓለምን ዝነብርን እዩ። ልክዕ እዩ እቲ ኣብ ጋዛ ዝርከብ ንእሽቶ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ኣስታት 15 ስድራ ቤት ብዘይ መጠን ኣብ ስቓይ እዩ ዝርከብ። ሓደ ኣባል ምስ ዝሳቐ መላእ ቤተ ክርስቲያን እያ እትሳቐ። ከምኡ ድማ ኩላትና ንሳቐ። ኣብ ሰበኻኦም ተኣኪቦም ከም ዘለዉ ንፈልጥ ኢና። እቲ ካህን ናይታ ሰበኻ ክምለስ ሰለ ዘይከኣለ ኣብ ቤተ ልሄም ይርከብ። ኩሉ ነገር ደው ኢሉ ለሚሱ ኣሎ። ብፍርሕን ሕርቃንን ተኸቢቦም እዮም ዘለዉ። ንእስራኤላውያን ንጸሊ ንፍልስጥኤማውያን ንጸሊ፡ ንክርስቲያንን ኣይሁድን ኣስላምን ንጸሊ። ንሰላም ኢየሩሳሌም ንጸሊ . . . ንየሩሳሌም ሰላም ለምኑላ፣ እቶም ዜፍቅሩኺ ኺለምዑ እዮም። ኣብ ውሽጢ መካበብያኺ ሰላም፡ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሻትኪ ኸኣ ልምዓት ይኹን። ስለ ኣሕዋተይን ብጾተይን፣ ሰላም ይዅነልኪ፣ እብል። ስለ ቤት እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኢለ፣ ሰናይኪ እደሊ ኣሎኹ (መዝ. 122,6 – 9) ዝብል መዝሙረ ዳዊት ጠቒሶም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

14 October 2023, 16:47