ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኣብ ቅድስቲ መሬት ኣናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ክውገድ ጻውዒት የቕርቡ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኣብ ቅድስቲ መሬት ኣናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ክውገድ ጻውዒት የቕርቡ  (ANSA)

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኣብ ቅድስቲ መሬት ኣናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ክውገድ ጻውዒት የቕርቡ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላም ክረጋገጽ ዘይሕለል ጻውዒቶም ዝዘከሩ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ ግጭት ዝፈትሕ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራትን ህዝብን ዝብል መርገጺኣ ዳግማይ ኣቃሊሖም

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶ ኣባላቶም ጅሆ ዝኾንዎም ስድራ ቤት እስራኤላውያን ክራኸቡ ከም ዝኽሉ ገሊጾም። ቅድስቲ መንበር እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ ናይ ነዊሕ ዓመታት ግጭት ክውገድ ዝኽእል ክልተ ጎረባብቲ ሃገርትን ህዝብን ዝብል ከም እንኮ መንገዲ ንዘላቒ ሰላም እዩ ዝብል ዘለዋ መርገጺ ደጊሞም ከም ዘቃልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ነቲ ኣብ ጋዛ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ናብ ዝገደደን ዝኸፈአን ገጹ ከብል ዝኽእል ኩነታት ውጥረት ኣቃልቦ ክግበረሉን ከምኡ እውን እቶም ዝተጨውዩ እስራኤላውያን ናጻ ክልቐቑ ጻውዒት ተቕርብ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 27 ጥቅምቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ከንቲባ ‘ዛዕባ እቶም ኣብ 2019 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ኣብ ሰብዓታትን ሰማንያታትን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ዘገልገሉ ነፍሰ ሄር ካርዲናል ኣኪለ ሲልቨስትሪ ሰብኣውን ባህልውን ውርሻ ኣተኮይሩ ኣብ ዝተኽያደ ዓውደ ዝኽሪ ድሕሪ ምስታፎም ካብ ጋዜጠይናታት ዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም፥

ጅሆ ዝኾኑ ንጹሓን ናጻ ክልቐቑ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላም ክረጋገጽ ዘይሕለል ጻውዒቶም ዝዘከሩ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ ግጭት ዝፈትሕ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራትን ህዝብን ዝብል መርገጺኣ ዳግማይ ኣቃሊሖም፥ ብሓማስ ዝተቐትሉ ንጹሓን ህጻናትን ከምኡ እውን ብደብዳብ ቦምብታት ኣብ ጋዛ ዝተቐትሉ ብዙሓት ህጻናት” ንሕሰብ፡ ስለዝ ናይቲ ከባቢ ንጹሓን ህጻናትን መጻኢኦምን ውሑስ ክኸውን ናይ ቅድስቲ መንበርን ቅዱስ ኣቦናን ጸውዒት ሰላም ደጊመ ኣቕርብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብ ንኲናት ንሰላም ዝዓበየ ምኽንያት

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኣብ ልዕሊ ኲናት ሰላም ምዕዋት ከም ዘድሊ ኣጽኒዖም ድሕሪ ምግላጽ፥ “ኣብዚ ኩነት እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ ግዜ ዘቕረብዎን ዝደጋግምዎን ጻውዒት ሓቢረ ደጊመ አቕርቦ። ምኽንያቱ ሰላም ኣብ ዕሊ ዓመጽን ኲናትን ክስርዕር ስለ ዝኽእል፡ ብዝያዳ ጭቡጥ ጻውዒት ድማ ኣብዚ እዋን እዚ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ናጻ ክልቀቑ ኣብ ምሕታትን ስዒቡ ኣብ ጋዛ ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ምላሽ ክረብክን ዝብል እዩ - ቢሎም - ኣብዚ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ጻውዒትን ስጉምትን ኣብዞም ክልተ ጉዳያት ዘተኮረ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካ ኣፍሊጡ።

ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት

ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ዞባ ዘሎ ውጥረትን ዘየብቅዕ ዘሎ ግጭትን ዝፍታሕ ክልተ ጎረባብቲ ህዝብታትን መግንስታትን ዝብል ዘለዋ መርገጺ ሕጂ እውን ከም እትኣምንን ብዙሓት እውን ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጥረ ውጥረት ኣብዚ መርገጺ እዚ ዘይኣምኑ ከም ዝመስሉን ንዓና ከም ቅድስቲ መንበር ንመጻኢ ሰላም ከረጋግጽ ዝኽእል እንኮ ተግባራዊ ፍርታሕ ምዃኑ ኢና እንኣምን . . . ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ቀጥታዊ ዘተ ክህሉ ወሳንን ኣገዳስን እዩ።

ስዒቡ ሓደ ጋዜጠይና፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ሽምግልና ተኽእሎ ቅድስቲ መንበር ክህሉ ይኽል ዶ? እንክብል ንዘቕረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ “ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ኣይመስለንን ኣብቲ ቦታ ግን ተኽሎ ኣሎ። ብመገዲ ላቲናዊ ፓትሪያርክ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣቢላ ኣብቲ ቦታ ገለ ገለ ምዝርራብን ምልውዋጥ መልእኽትታትን ኣሎ . . . ስለዚ በቲ ኣብቲ ቦታ ዘላ ካቶሊክዊት ቤተ ክርስቲያን እዩ ብዙሕ ጻዕርታት ዝግበር ዘሎ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍቑራቶም ምስ ዝተጨወይዎም ኣባይቲ ስድራ ክራኸቡ ድዮም?

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ ምሉእ ብምሉእ ንምውራር እተካይዶ ዘላ ምድላዋት ብምጥቓስ ካርዲናል ፓርሊን፥ “ክሳብ ሕጂ ኣይተፈጸመን” ቢሎም፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ከጋድዶ ዝኽል ተግባራት ከይህሉ ተስፋ ንገብር፡ እዚ ምስ ጉዳይ ምፍታሕ ጆሆታት ኣዚዩ ዝተኣሳሰረ ጉዳይ ይመስለኒ። . . . ር.ሊ.ጳ. ምስቶም ኣባላት ስድራ ቤቶም ዝተጨወይዎም እስራኤላውያን ኣባይቲ ስድራ ክራኸቡ ከም ዝኽሉ ድማ ገሊጾም እዚ ጉዳይ እዚ ቅድስቲ መንበር ተጽንዖ ዘላ እዩ። . . .

ክንገብሮ ዝከኣለና ኩሉ ንገብር ኣሎና

ብጽዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብዚ ቀረባ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቱርኪ ርእሰ ብሔር ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ባይደን ብስልኪ ተራኺቦም እዮም ምስ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ክብእስ ዝኽእል ውጥረት ዘለዎም ሻቕሎት ከም እተመያየጡን ምስ ርእሰ ብሔር ኤርዶጋን ዘካየድዎ ምይይጥ ሓበሬታ ከም ዘይበጸሖምን ድማ ኣነጺሮም . . . ኣብ ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣገዳሲ ተራ ክትጻወት ከምእትኽል ስለ እንኣምን ምስ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ቀጻሊ ርክባት ይካየድ ኣሎ . . . ተዅሲ ደው ምባል ዝብል ቃል ተጠቂምና ኣይንፈልጥን ንሰብኣዊ ኩነታት ቆላሕታ ክግበር ግን ንሓትት . . . ስለዚ እዚ ድማ ግጭትን ውግን ምውጋድ ዝብል ቃል እዩ ዘስምዕ . . . ክንገብሮ እንኽእል ኩሉ ክንገብር ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ኣዚዩ ክፉት እዮም” ምስ በሉ፥ “እቲ ኩነታት ከመይከም ዝምዕብል ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ክንመዝን ኢና ኣብዚ ተመርኩስና እውን ምስ ካልኦት መራሕቲ ክሌኣዊ ርካባት ናይ ምክያድ ተኽእሎ ክህሉ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ ብኲናት እተሃሰየት ዩክረይን

ካርዲናል ፓሮሊን ብተወሳኺ ብኲናት ዝተሃስየት ዩክሬንን እታ ሃገር ዘጋጠማ "መዓት” ኣዘኻኺሮም፡

"ኣብዚ እዋን እዚ ዩክሬን ካብ ትኹረት ማሕበረሰብ ዓለም ዝወጸት ወይ ዝደሓረት ትመስል ኣላ፡ ብርግጽ ግን ኣብቲ ግንባር'ውን ምእንቲ ሰላም እነካይዶ ስራሕ ይቕጽል ኣሎ" እንክብሉ ኣረጋጊጾም። "ብፍላይ ኣብ ሰብኣዊ መዳይ ስራሕና ይቕጽል ኣሎ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ "ሎሚ" ክብሉ እቶም ካርዲናል "ኣብ ማልታ ምስ ናይ ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ናይ ፖለቲካዊ ኣባላት ባይቶ መድረኽ ሰላም ዝካየድ ኣኼባ ኣሎ። ኣብዚ ኣኼባ እዚ እውን  ኣብ ማልታ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ክሳተፉ እዮም እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 October 2023, 17:42