ድለ

2023.10.25 Sinodo dei Vescovi - XVIII Congregazione Generale 2023.10.25 Sinodo dei Vescovi - XVIII Congregazione Generale  (Vatican Media)

ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ናብ ሕዝቢ አምላኽ - 'ቤተ-ክርስትያን ንዅሉ ኽትሰምዕ ኣለዋ!'

ተሳተፍቲ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ስለቲ ዘሕለፍዎ ተመክሮ ዘለዎም ምስጋናን እተመሓላልፍን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ዝገበርዎ ዕዮ ብዝርዝር እትገልጽን፣ ከምኡውን ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ኵሉ ሰብ "ኣብቲ 'ሲኖዶስ' ዝብል ቃል ዘመልክቶ ዘሎ ደራኺ ሓይሊ ተልእኾ ወንጌል ምሉእ ብምሉእ ክሳተፍ" ዘለዎ ተስፋ ዝገልጽ መልእኽቲ ናብ ሕዝቢ ኣምላኽ ኣጽዲቖም ።

መልእኽቲ

ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ

ሲኖዶስ ጳጳሳት

ናብ ሕዝበ እግዚአብሔር

 

ፍቑራት ኣሓትን  ኣሕዋትን

እዚ ቀዳማይ ክፋል -  ናይ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ዝዛዘመሉ ዘሎ፣ ንኣምላኽ ስለቲ ዘሕለፍናዮ ባህ ዘብልን ዘበልጽግን ተመክሮ ምሳኻትኩም ኮይና ከነመስግኖ ንደሊ ። ነዚ ዝተባረኸ ግዜ እዚ ምስ ኵላትኩም ኮይና አብ ዓሚቝ ርክብ ሓድነት ኢና ኣሕሊፍናዮ ። እቲ ኹሉ ትጽቢታትኩምን ሕቶታትኩምን ፍርህኹምን ሒዝኹም ዝጸለኹምልና ጸሎት ኩሉ ደጊፉና ኢዩ። ከምቲ ቕድሚ ኽልተ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዝሓተትዎ ሕቶ መሰረት ነዊሕ ናይ ምስማዕን ሜመያን መስርሕ ተጀሚሩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኰይኖም ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓብ ከም ደቀ መዛሙርቲ ልኡኻት ወንጌል መጠን "ሓቢሮም ክጐዓዙ" ድማ ተበገሱ።

እቲ ካብ 30 መስከረም ኣትሒዝና ኣብ ከተማ ሮማ ዝተጋባእናሉ ጉዳይ ኣገዳሲ ኽፋል ናይዚ መስርሕ እዚ እዩ ። እዚ ኩነት እዚ ብብዙሕ መዳያቱ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ተመክሮ እዩ ዝነበረ ። ንመጀመርታ ግዜ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘቕረቡሎም ዕድመ መሰረት ሰብኡትን ኣንስትን ብሳላ ጥምቀቶም ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ኣብቲ ዝረኻየደ ዘተ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሓት ውን ከይተረፈ አብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብምልአት ክሳተፉ ተዓዲሞም ኢዮም። ብሓባር ኴንና አብቲ ዘሎና ጸዋዕታን መፈሳዊ ህያባትናን ኣገልገልትናን ብምድጋፍ፣ ንቃል ኣምላኽን ንተመክሮ ኻልኦት [አሕዋትናን አሓትናን] ጽን ኢልና ክንሰምዕ ኪልና ኢና ። በቲ ናይ ምውሳእ መንፈስ ተባሂሉ ዘሎ ሜላ ተጠቒምና፣ መንፈስ ቅዱስ ሎሚ ንቤተ-ክርስትያን እንታይ ይብላ ከም ዘሎ ጽን ክንብልን ኣብ ኩለን ክፍሊ-ዓለማት ምስ ዝርከቡ ማሕበራትና ሃብትን ድኽነትን ብትሕትና ክንካፈል ክኢልና ኢና ። ስለዚ ውን ኣብ መንጎ ላቲናዊ ሥርዓትን ምስራቓዊ ሥርዓታትን ዘሎ ክርስቲያናዊ ትውፊታት ሓባራዊ ምልውዋጥ ክገብር ኣገዳሲ ምዃኑ ተመኪርናዮ አሎና ። ተሳትፎ ናይቶም ተወከልቲ አሕዋት ካብ ካልኦት ኣብያተ-ክርስትያንን ካልኦት ቤተ እምነታትን ዝመጹ ነቲ ዘካየድናዮ ዘተ አሀብቲምዎ ኢዩ ።

እዚ ጉባኤና አብቲ ዓለም አብ ቅልውላው ዘላትሉ ኩነት ኢዩ ተኻይዱ፣ አብቲ ብመጉዳእትን ዕንቅፋታት ብልሽውናን ልብና አብ ዝሳቐየሉ ዘሎ እዋን ኢዩ ተገይሩ፣ ብፍላይ ከአ ገሌና ኻብተን ውግእ ዝካየደለን ዘለዋ ሃገራት ዝመጻእና ስለ ዝነበርና ኸኣ ንዕዮና ክበድን ስሕበትን ፈጢሩሉ ኢዩ። ንዅሎም እቶም ብጸበባን ብልሽውናን ተገዲዶም ነቲ ሓደገኛ ዝኾነ መንገዲ ስደት ዝመርጹ ዘለዉ ሰባት ከይረሳዕና ምእንቲ እቶም ብኣደዳ ናይቲ ቐታሊ ዝኾነ ዓመጽ ግዳያት ዝኾኑ ሰባት ውን ጸንሊና ኢና ። ኣብ ጐድኒ እቶም ፍትሕን ሰላምን ንምህናጽ ዚጽዕሩ ዘለዉ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣንስትን ሰብኡትን ምስአቶም ዘሎና ሕብረትን ተጸምዶን አረጋጊጽናሎም ኢና ።

በቲ ቅዱስ አቦና ዘቕረቡልና ጻውዒት መሰረት ኣብ መንጎና ሓባራዊ ጽን ምብህሃል ንኽህሉን ብመንፈስ ሓድነት ንኽንፈጥርን ብዝብል ድላይ ብዙሕ ናይ ጽሞና ግዜ አሕሊፍና ኢና። ኣብቲ ናይ መኽፈቲ መደብ ዝተገብረ ጸሎተ ዋዜማ ብሕብረት ምስ ዝተፈላለያ አብያተ ክርስቲያን ኴንና ብዛዕባ እቲ እተሰቕለ ክርስቶስ ብጽሞና አብ ዘስተንተናሉ እዋን እቲ ንሓድነት ዘሎና  ጽምኢ ብኸመይ ከም ዝወሰኸ ተመኪርናዮ ኢና። ከም ሓቁ እኳ ደኣስ መስቀል እቲ እንኮ መንበር ናይቲ ምእንቲ ድሕነት ዓለም ኢሉ ገዛእ ርእሱ አሕሊፉ ዝሃበን፣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ "ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ " (ዮሃንስ 17፡21) ድማ ናብ አቦ ዘወፈየን እዩ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መጀመርታ ዕዮና ዘዘኻኸሩና፣ ኣብቲ ብትንሳኤኡ ዝተረኽበ ተስፋ ብጽንዓት ሓቢርና ነታ ብዙሕ ቕልውላው ዝርከበላ ዘሎ ሓባራዊት ቤትና ምድሪን ናይ ድኻታትን ኣውያትን ብህጹጽ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ናብ ጐይታ አወፊናዮ ኢና፦ " Laudate Deum!" ("ሰብህዎ ለእግዚአብሔር!") ።

ነንመዓልቱ እቲ በዳሂ ዝኾነ ጻውዒት ንሓዋርያዊ ጕስነትን ተልእኾ ወንጌልን ይስምዓና ነይሩ ኢዩ። ከመይሲ ጸዋዕታ ቤተ-ክርስትያን ወንጌል ንምስባኽ ክንዲ ዝኾነ፣ ኣብ ገዛእ ርእሳ ብምትኳር ዘይኰነስ እኳ ደአ ንገዛዕ ርእሳ አብቲ ኣምላኽ ንዓለም ዘፍቅረሉ መወዳእታ ዘይብላ ፍቕሪ ብምግልጋል እያ እትእውጅ (ዮሃንስ 3 16 ርአ)። ኣብ ጥቓ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ግዳም ሓደር ሰባት ካብዚ ሲኖዶስ እዚ ብዛዕባ ቤተ-ክርስትያን ዘለዎም ትጽቢት ምስ ተሓተቱ "ፍቕሪ!" ክብሉ ኢዮም ዝመለሱ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብ15 ጥቅምቲ ኣብ መንጎ ኪደት ናይዚ ጉባኤ እዚ፣ ነታ ሓዳስ ሓዋርያዊት ምዕዳኖም ንቅድስቲ ተሬዛ ዘኢየሱስ ህጻን እተወፈት አብ ዝጸሓፉሉ ዘዘኻኸርዎ፣ እዛ ፍቕሪ እዚኣ ወትሩ ናይታ ፍቕሪ ስላሴን ቅዱስ ቍርባንን ዘለዋ ህያው ልቢ ቤተ-ክርስትያን ኰይና ክትቅጽል ኣለዋ ። አብዚ ዝተመኮርናዮ እቲ ትብዓትን ውሽጣዊ ሓርነትን ዚህበና “ምትእምማን” ደኣ እምበር እቲ ምትእኽኻብናን ፍልልያትናን ባህግታትናን ሕቶታትናን ብነጻነትን ብትሕትናን ካብ ምግላጽ ዜድሓርሕረና አይኮነን።

ሕጂ ድማ? አብዘን ናብቲ ኣብ ጥቅምቲ 2024 ዝካየድ ኻልኣይ ክፍለ-ግዜ [ናይ ሲኖዶስ] ዝመርሓና ኣዋርሕ፣ ኵሉ ሰብ  በታ "ሲኖዶስ" እትብል ቃል እተመልክቶ ደራኺ ዝኾነ ሓይሊ ተልእኾ ወንጌል ምሉእ ብምሉእ ንኽሳተፍ ዘኽእለና ምዃኑ ተስፋ ንገብር። እዚ ከአ ብዛዕባ ስነ-ሓሳብ ዘይኰነስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓዋርያዊ ትውፊት እተመስረተ ተመክሮ እዩ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መጀመርታ ናይዚ መስርሕ እዚ ዘዘኻኸሩና "ጭቡጥ መረዳእታ ሲኖዳውነት (...) ንነፍሲ ወከፎ ናይ ሓቂ ተሳትፎ ዝገብረሉ ኩነት ጌርና እንተ ደአ ዘይኮስኮስናዮ፣ ሓድነትን ተልኾ-ወንጌልን ሓደ ስነ-ሓሳብ ጥራይ ኮይኑ ንክተርፍ አብ ሓደጋ ዘእቱ ኢዩ ዝኸውን. . .[ስለዚ] ኵንነታዊ ተሳትፎ ናይ ኵሉ እጃም ከም ምዃኑ ምትብባዕ አድላዪ ኢዩ" (9 ጥቅምቲ 2021)። ብዙሕ ብድሆታትን ሓያሎ ሕቶታትን አለዉ ፦ እዚ አስተዋጽኦ ናይዚ ቀዳምይ ክፍለ-ግዜ ብዛዕባ እቶም እተሰማምዓናሎ ነጥብታት ዝገልጽ፣ ነቶም ዘይተመለሱ ሕቶታት ዘጕልሕ፣ ከምኡውን ንዕዮና ብኸመይ ከም እንቕጽሎ ዘብራህርህ ጸብጻብ ክኸውን ኢዩ ።

ቤተ-ክርስትያን ኣብ ሜመያኣ ንኽትቅጽል ዕቤት ከተርእን፣ ካብቶም ድኻታት ኣትሒዛ ንዅሉ ሰብ ክትሰምዕን ጽን ክትብልን የድልያ አሎ። እዚ ኸኣ ንመንገዲ ተዋስኦ ምስዓብ ዝሓትት ክፍሊ ክኸውን እንከሎ፣ ናይ ምስጋናን ውዳሴን መንገዲ ውን ኢዩ፡ "ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን ነዚ ኻብ ጥበበኛታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሓባእካዮ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካሎም አመስግነካ ኣለኹ" (ሉቃስ 10 21)። እዚ ማለት ከአ ነቶም ኣብ ሕብረተሰብ ክዛረቡ መሰል ዘይተዋህቦም ወይ ውን ካብ ቤተ-ክርስትያን ውን ከተረፈ እተገለሉ ዀይኑ ዝስምዖም ሰባት ምስማዕ ማለት ኢዩ። ነቶም ብዅሉ መዳያቱ ግዳያት ዓሌታዊ ጽልኢ ዝዀኑ ሰባት፣ ብፍላይ ከኣ አብ ገለ ገለ ዞባታት ነቶም ብሰንኪ ባህሎም ዝተነዓቑ ደቀባት ምስማዕ ኢዩ ዘመልክት ። ልዕሊ ዅሉ ድማ እዛ ናይ ዘመና ቤተ-ክርስትያን ነቶም ግዳያት ዓመጽ ዝዀኑ ሰባት ብፍላይ ድማ ብናይ ቤተክርስቲያን አካላት ዝተዓመጹ ግዳያት ናይ ምስማዕ ግዴታን፣ ከምኡ ውን እዚ ነገር እዚ እንደገና ምእንቲ ኸይፍጸም ብጭቡጥ ዝኾነ መገዲን በቲ ዘለዋ መዋቕርን አብ ሕዳሴ ግዛእ ርእሳ ክትጽመድ ግዴታ ኣለዋ።

ቤተ-ክርስትያን ነቶም ብሳላ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበልዎ ጸዋዕታ ቅድስና ንምእመናን ደቂ-አንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ክትሰምኦምን ጽን ክትብሎምን አለዋ ።  እዚ ድማ ነቶም ኣብ ብዙሕ ኵነታት ናይ መጀመርታ ሰበኽቲ ወንጌል ዝዀኑ መምህራን ትምህርተ ክርስቶስ ዝገብርዎ ተራን ህያውን ዝኾነ ምስክነት ንህጻናት፣ መንእሰያት ዘለዎም ውዕዉዕ ስምዒቶምን ንሕቶታቶምን ከምኡውን ንልመናኦምን ፣ ብዛዕባ ሕልምታትን ጥበብን ተዘክሮታትን ኣረጋውያን ሽማግሌታትን ጽን ክትብል አለዋ ። ቤተ-ክርስትያን ነቲ ስድራ ቤታት ብዛዕባ ስነ-ትምህርታዊ ኩነታት [ደቆም] ዘለዎም ሻቕሎትን ከምኡ ውን ነቲ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ዝህብዎ ክርስትያናዊ ምስክርነት ክትሰምዖም ኣለዋ። ድምጺ ናይቶም ከም ዓለማውያን ምእመናን አብ አገልግሎት ክሳተፉ ዝደልዩ ሓንጐፋይ ኢላ ክትቅበሎምን፣ ኣብ መስርሓት ሜመያን ውሳኔ ምውሳድን ዘሎ መዋቕራት  ከተሳትፎምን አለዋ ።

ብፍላይ ከአ ቤተ-ክርስትያን ኣብዚ ሲኖዳዊ ሜመያ ቀጻሊ ዕቤት ንምግባር ቃላትን ተመክሮን ናይቶም ክህነታዊ ቅብአት ዘለዎም ኣገልገልቲ ዝያዳ ክትእክብ የድልያ ኢዩ። እዚኣቶም ከኣ ካህናት እቶም ቀንዲ ተሓባበርቲ ጳጳስት ከም ምዃኖምን እቲ ምስጢራዊ አገልግሎቶም አብ ህይወት መላእ ቤተክርስቲያን ጐሲኻ ዘይሕለፍ ከም ምዃኑን ከምኡ ውን ዲያቆናት እቶም ብኣገልግሎቶም ኣቢሎም ነቲ መላእ ቤተ-ክርስትያን አብቶም ተነቀፍቲ ክፍሊ እትገብሮ ምክንኻን ዘመልክቱ ከም ምዃኖምን ኢዩ። ከምኡ ውን በቲ ትንቢታዊ ድምጺ ዝኾነ ናይቶም ሰብ ውፉይ ሕይወት ክትምርመር የድልያ ኢዩ ። ንዅሎም እቶም ከም ናታ ዝዓይነቱ እምነት ዘይብሎም ግን ከኣ ንሓቂ ዝደልዩን ሃሰስ ዝብሉን ከምኡ ውን መንፈስ ቅዱስ እቲ "ንዅሉ ሰብ ምስ ምስጢር ፋሲካ ንክሓብሩ ተኽእሎ ዝህብ" (ሓጐስን ተስፋን 22) ኣብአቶም ህያው ዝኾነን ዝዓዪን ሰባት ከተቕልበሎም የድልያ ኢዩ።

"እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም፣ እታ ምስ ኩሉ ተገራጫውነታ እውን ከይተረፈ ከነፍቅራን ከነገልግልን ተጸዊዕና ዘሎና ዓለም [ኢያ፣ እዛ ዓለም እዚአ] ንቤተ-ክርስትያን ኣብ ኵሉ መዳያት ተልእኾኣ ምትሕብባር ከተደልድል ትጽቢት ትገብረላ አላ። ኣምላኽ ካብዛ ናይ ሳልሳይ ሽሓዊ መዋእል ዝኾነት ቤተ-ክርስትያን ዝጽበዮ ዘሎ እንተ ሃልዩ፣ ብልክዕ እዚ ጕዕዞ ‘ሶኖዳውነት’ ኢዩ” (ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 17 ጥቅምቲ 2015) ። ነዚ ጻውዒት እዚ ምላሽ ንምሃብ ክንፈርህ የብልናን ። እታ ቐዳመይቲ ተጓዓዚት ናይዚ ጕዕዞ እዚ ዝነበረት ኣደ ቤተ-ክርስትያን ዝዀነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም አብዚ ንንግደትና ተሰንየና ኢያ። አብ ግዜ ሓጐስታን ሓዘናን ናብ ወዳ ክንቕምትን ብኣኡ ክንተአማመንን ትዕድመና ። ተስፋና ከአ ንሱ ኢየሱስ ጥራይ ኢዩ!

ሃገረ ቫቲካን 25 ጥቅምቲ 2023

 

26 October 2023, 15:55