ድለ

2023.10.08 ፓሮሊን፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ህልው ኩነታት ካብ እትሓስቦ ንላዕሊ እዩ! 2023.10.08 ፓሮሊን፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ህልው ኩነታት ካብ እትሓስቦ ንላዕሊ እዩ! 

ፓሮሊን፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ህልው ኩነታት ካብ እትሓስቦ ንላዕሊ እዩ!

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ምብትታንን ምግምማዕን እዋናዊ ማሕበረሰብ “ህብረ ሕቶን ደበንገረ ዝመልኦ” እንክብሉ ነዚ ምብትታንን ምግምማዕን ኩነታት ኮኒኖም

ዕለት 4 ጥቅምቲ ዝተኸፍተ ብማሕበረሰብ መነኮሳት ካማልዶሊን መጽሔት መንግስትከ ዝተወደበ ዛዕባ ጉዕዞ ፖለቲካዊ ባህሊ ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 8 ጥቅምቲ ኣብ መዛዘሚ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ “ኣብ እስራኤል ዝረኣ ዘሎን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ኣዚዩ ዘሰክፍ” እንክብሉ ገሊጾም፡ “እዚ ዝረኣ ዘሎ ዘጨንቕ ጭቡጥ ኩነት ብሓድሽ ዝተፈለየ ኣገባብ ክፍታሕ ዘለዎ ጉዳይ እዩ” ከምኡ እውን ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት እውን እንተ ርኢና፥ “ብሔርተይናነትን ቀጥዒ ኣልቦ ሃገራውነትን ሓሳብ ሃገርን ዘሕስር ኣመለኻኽታ ክንኩንን ይዕድመና፡ ኤውሮጳ ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ናብ ዝነበራ ተራ ክትምለስ ኣለዋ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ“ቤተ ክርስቲያን ካቶሊካውያንን ኢጣሊያን” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ መዕጸዊ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ እስራእኤል እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ፍሉይ ኣተኩሮ ከም ዝገበሩሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ{

እቲ ተነቃፊ ተስፋ ሰላም ኣብ ሓደጋ ይርከብ

“ኣብዚ ህሞት እዚ ሓሳብና ናብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፥ ኣብ እስራእኤልን ኣብ ፍልስጥኤምን ኣብ ገማግም ጋዛን ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ደው ክብል ቅዱስ ኣቦና ዕለት 8 ጥቅምቲ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ዘቕረብዎ ጻውዒት ብመላእ ዓለም መንግስታት ከም እተቓለሐ ኣዘኻኺሮም፥ እዚ ግጭት እዚ ነቲ ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝተገብረ ስምምዕ ከይተረፈ ክቕልቀል ገይርዎ ንዝነበረ ስንኩፍ ተስፋታት ሰላም ዝያዳ ናብ ሓደጋ ዘእትው እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዓለም ዝተጸለለ ይመስል፥ እቲ ዝረኣ ዘሎ ኩነት ኪኖ ግምት እዩ

“ኪኖ እቲ ውጽኢት ዘለዎ ዘይመስል ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ጻዕርታት - እዚ ድማ ንኲናት ዩክሬይን ብምጥቃስ እየ - ኩላትና ኣብቲ ናይ ሓባር ጸሎት ምእንቲ ሰላም ክንሓብር ይግብኣና” ከም ዝበሉን ብጹዕነቶም ድሕሪ እቲ ዝተኽየደ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዝተገብረሎም ቃለ መሕትት እውን፥ “እቲ ዝተባርዐ ግጭት ከመይ ከም ዝምዕብልን ብኸመይ ከም ዝዛዘምን ክግመት ዝከኣል ኣይመስልን፡ እቲ ዘሎ ፍጻሜ ካብ እትግምቶን እትሓስቦን ንላዕሊ እዩ፡ ብሓቂ ዓለም ዝዓበደ እዩ ዝመስል ዘሎ። ኣብ ሓይልን ዓመጽን ንተኣማመን ንመስል። እቲ ክኸውን ዘለዎ ግን ካልእ መገዲ ምስዓብ እዩ - እዚ ድማ መገዲ ዘተ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኤውሮጳ ክትጻወቶ ዘለዋ ተራ ሰላም ብንጹር ኣይረኣየንን

ኪኖ እቲ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝተዓዘብናዮ ዕንወት ህይወት ደቂ ሰባት፡ ነቲ ብመጠኑ ኣብቲ ከባቢ ዝቀላቐል ዝነበረ ተኣፋፊ ተስፋታት ምሉእ ብምሉ ዝብንን እዩ ዝመስል። ስለዚ እዚ ብሓቂ ከሰክፍ ዘለዎ ጉዳይ እዩ ክኽውን ዘለዎ - ነቲ እናተደጋገመ ዝረኣ ዓመጽ ንምውጋድ ኣድማዕን ፍትሓውን ዝኾነ መገዲ ሰላም ምስዓብ የድሊ። ኤውሮጳ ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ዘለዋ ተራ ኣብ ሕቶ ዘእትው እዩ። ምኽንያቱ ድሕሪ ዓበይቲ ውግኣትን መዓትን ኣብ ተመክሮ ሰላም እያ ዳግማይ ዝተመስረተት። ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ክውንነታት ብፍትሓዊ መገዲ ንምትእስሳር ዘጋጥም ጸገም ነቲ ኤውሮጳ ኣብ ዓለም ክትጻወቶ ዝግብኣ ናይ ሰላም ተራ ዝተሓላለኸ ይገብሮ። ነዚ ተራን መዳይን ክትመልሶ ድማ ተስፋ እገብር - እዚ ግን ይረኣ የሎን . . . “ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቀጥዒ ኣልቦ ሃገራውነትን እወታዊ ሃገራውነት ዘርክስ ተግባር ምዂናን

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ - ‘ኤውሮጳ ከም ኣድማስ ሰላም’ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ውግእን ኣብ ግዝኣታ ዘስዕቦ ዘሎ ዕንወትን ናይቲ ተኽእሎ ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ዝምርኮሰሉ ኣህጉራዊ ሕግታትን መሰላትን ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ ብሓቂ ኤውሮጳ በቲ ዝርአ ዘሎ ስግኣት ኑክለሲያዊ ኣጽዋር ዶባታ ዳግም ዝሕጽጽ ስርዓት ምምላስ ክትቕበሎ የብላን” . . . “ሓድሽ ሃጸያዊ ውግኣ - ግዚኡ ዝሓለፎ ተባሂሉ ዝእምነ ዝነበረ ታሪኽ ዘዘኻኽሩ ተርእዮታት ነስተውዕል ኣሎና። ቀጥዒ ኣልቦ ሃገራውነትን ቅኑዕ ዕላማ ሃገራውነት ዘርክሱ ተግባራት ምኹናን የድሊ . . . ንብሔራዊ ማሕበረሰብ ግቡእ ክብሪ ምሃብን ናይ ሓባር ረብሓ ምቕዳምን ፍጹም ኣድላይነት ደገፍን ሰላማውን ኣህጉራዊ ስርዓት ዳግማይ ንምትካል ክንዋሳእ እኳ እንተሎና ምሉእ ቅዋማዊ ስርዓታት ብምኽባር ኣብ ተሳትፎ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ዜጋታት ብዝምስረት መንፈስ ውግእ ክነርሕቖ እዩ ዘሎና” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሰላምን ሓድነትን እሙናት ክንከውን ሲኖዶስ ይሕግዘና

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ምብትታንን ምግምማዕን እዋናዊ ማሕበረሰብ “ህብረ ሕቶን ደበንገረ ዝመልኦ” እንክብሉ ነዚ ምብትታንን ምግምማዕን ኩነታት ኮኒኖም፡ ብመንጽር እዚ ትዕዝብቲ እዚ መልኽቲ ወንጌል ዳግማይ ናብ ኤውሮጳ ንኸነብጽሕ ንዕደም” ቢሎም፥ ዘድሕን ቃል ሓጎስ እዩ፡ ዘተ ኣኽብሮትን ሓላፍነትን ርእሰ ምትእምማንን ዝዕድም ቃል፥ ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ ሲኖዶስ - ሱታፌ መገዲ ስብከተ ወንጌል ዳግማይ ንኸነለልይን ሎሚ ኣህጉር ኤውሮጳ ዝያዳ ውህደትን ተኣማንን መሰኻኽር ሓድነትን ሰላን ክንከው ይሕግዘና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 October 2023, 16:10