ድለ

‘ሕውነታዊ ልኡካን’ ኣብ መግለጺ ዛዕባ መበል 18 ውዕሎ ሲኖዶስ፥ ‘ናይ ውህደታዊ ባህሪ’ ‘ሕውነታዊ ልኡካን’ ኣብ መግለጺ ዛዕባ መበል 18 ውዕሎ ሲኖዶስ፥ ‘ናይ ውህደታዊ ባህሪ’ 

‘ሕውነታዊ ልኡካን’ ኣብ መግለጺ ዛዕባ መበል 18 ውዕሎ ሲኖዶስ፥ ‘ናይ ውህደታዊ ባህሪ’

ከመይ ጌርና ብሓባር ክንመላለስ ከም እንኽእል ንምርዳእን ክንመሃርን ክሕግዘና እዩ፡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ንማንም ከየግለልና ብሓባር ፍታሕ ክንደሊ። ህዝቢ እግዚኣብሔር ካህናት ከም ዘድልይዎምን ከይተገደዱ ምስ ካህናት ብሓባርን ብህድኣትን ከመላለሱ ዝብል ምስትውዓል ዘለዎ

ናይ ጉባኤ ሲኖዶስ ሽማግለ ጉዳያት ሓበሬታ ኣቦ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዛዕባ ዕለት 26 ጥቅምቲ ዝተኻየደ መበል 18 ውዕሎ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣማእኪሎም ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ንናይ ዝተፈላለያ ማዕከታት ዜና ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ ናይ ዝተፈላለያ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ዕዱማት ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዕለት 26 ጥቅምቲ ሓሙስ ምሸት ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳያት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ኣቦ መንበር ናይ ሲኖዶስ ሽማግለ ጉዳያት ሓበሬታ ፓውሎ ሩፊኒን ናይዚ ሽማግለ ሓበሬታ እዚ ዋና ጸሓፊ ሺይላ ፒረስን፥ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብዚ እዋን’ዚ ጽሙር ሰነድ ንምድላው ይሰርሕ ምህላዉ ኣፍሊጦም። እዚ ድማ መልኽቲ ንህዝቢ እግዚብሔር ድሕሪ ምጽዳቑን ዕለት 26 ጥቅምቲ ወግዓዊ ምዃኑን ዕለት 28 ጥቅምቲ ናይ ሲኖዶስ ጽሙር ሰነድ ወግዓዊ ከም ዝሐውን ይሕብሩ።

ፒረስ፥ ብናጽነት ናይ ምዝራብ ንቕሓት

ተጋባእያን ሲኖዶስ ናብ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ዝብል መልኽቶም ዕለት 26 ጥቅምቲ ወግዓዊ ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ጉባኤ ቀሪቡ ብድምጺ ዝጸደቐ ክኸውን እንከሎ ካብቶም ኣብቲ ውዕሎ ዝተሳተፉ 348 እቶም 336 ናይ ድጋፍ 12 ድማ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ከም ዝሃቡሉን ኣብዚ ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ ስርዓት እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም እተሳተፉ ፒረስ ገሊጸን፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ብዛዕባ ትብዓት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ተልእኾ ወንጌል ምስ ኢየሱስ ዝግበር ርክብ - ብጸሎትን ቅዱሳት ምስጢራትን ሲኖዶስ ከም ተግባር ቅዳሴን ሲኖዶስ ከም ኣደኣዊ ቦታ ኣብ ሊጡርጊያን ዝብል ሓሳባት ካብ ተጋባእያን ከም ዝቐረበ እውን የመላኽታ።

ኣገዳስነት Sensus Fidei - ኑባሬ ኣምነት (ስምዒት እምነት) ከም እተሰመረሉን ብዛዕባ ሞሳ ደቂ ኣንስትዮን ነተም ንኢየሱስ ዝሰዓባ ብዙሓት ኣንስትን ምስማዕ ቤተ ክርስቲያን ብዝምልከት ንደቂ ኣንስትዮ ልሙድ ዝኾነ ናይ ምስማዕን ምጽንናዕ ምምኽኻር ክእለት እውን ከም ዝጎለሐን፡ ደቂ ኣንስትዮ በዓል ቤታውያን እምበር ግኡዛን ቤተ ክርስቲያን ክኾና ከም ዘይብለውን እውን ከም እተሰመረሉ ፒረስ ገሊጸን፡ ከምኡ እውን ግህሰት፥ ኣካላዊ ጥራሕ ከም ዘይኮነን ኣገዳስነት ኣምር መንግስቲ ኣምላኽን ቤተ ክርስቲያን ንመንግስቲ ኣምላኽ እምበር ንገዛእ ርእሰ መንግስቲ ከም ዘይትዓይን ምንቲ እዚ ቤተ ክርስቲያን ተቐባሊት ክትከውን ከም ዘለዋን፡ ብዛዕባ ትምህርትን ትርጓመን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብቲ ጉባኤ መወከሲ ከም ዝኾነን፡ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ሓድነትን ምስ ካልኦት ሃይማኖታትን ኢኣማንያንን ዘተን ዝምድናን እውን ከም እተመልከተን፡ መልክዓት ባህላዊ መግዛእቲ ሰሜናዊ ዓለም ናብ ደቡብ ዓለም ዝብል ካልእ ኣብቲ ዋዕላ ዝተዘረበሉ ጉዳይ ኮይኑ ከምኡ እውን “ኣገዳስነት ህላወ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅልውላው ዓለም ምጉላሕ። ቤተ ክርስቲያን ካብ ዓለም ወጻኢ ስለ ዘይኮነት ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ውግእን ድልየት ሰላምን ሸለል ክትብሎ ከም ዘይትኽእል” እውን ከም እተገልጸ ኣፍሊጠን።

ካብዚ ኣረኣእያ እዚ ብምብጋስ ፒረስ፥ “ኩነታት ስቓይ ናይቶም ሕጂ እውን ደቆም ከመይ ጌሮም ከም ዘዕብዩን ከም ዘምህሩን ክርድኡ ዘለዎም ሰባት ኣብቲ መዓልታዊ ብሰንኪ ግጭት ዝሞቱሉ ክውንነትን ኣብ ከቢድ ዘይምዕሩይነትን ኩነታት እውን ከም እተጠቐሰን ካብዚ ሓሊፉ ንድኻታት ኣብ ማእከል ቤተ ክርስቲያን ንምቕማጥ ዝቐረበ ወንጌላዊ ሕቶ እውን ከም ዝጎለሐን ማሕበራዊ መዳይ ዘይኮነስ ክርስቶሳዊ መዳይ እውን ምዃኑን ኣብ መወዳእታ ይብላ፡ እቲ ዕለት 28 ጥቅምቲ ወግዓዊ ዝኾውን ጽሙር ሰነድ ንህዝቢ ኣምላኽ ንምትብባዕ ዝዓለመ ምዃኑ ይሕብራ።

ሩፊኒ፥ ትሕዝቶን ዕላማን ‘ጽሙር ሰነድ’

ኣብቲ ዕለት 26 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ‘ናይቲ ጽሙር ሰነድ ሓርፋፍ’ ኣብ ዝተኻየዱ ንኣሽቱ ጉጅለታት ዘተ ከም ተገበረሉ ሩፊኒ ሓቢሮም፡ እቲ ጽሙር ሰነድ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክቐርብን ኣብ ዝቕጽል ናይ 2024 ዓ.ም. ሲኖዶስ ድምጺ ክወሃበሉ ምዃኑ ኣቐዲሞም የዘኻኽሩ። ናይቲ ጽሙር ሰነድ ቀንዲ ዕላማኡ ኣበይ ከም ዘሎና ንምርዳእ ከምኡ እውን ንኹሉ ብተኣማንነት ክውክል ይግባእ ዝብል እዩ።

እቲ ጽሙር ሰነድ 40 ገጽ ከም ዝኸውንን . . . ንቤተ ክርስቲያንን ኣብኣ ንዘለዉን ብኣ ወጻኢ ንዝርከቡ እዩ . . . ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ኣሎ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ሓደ ሓደ ግዜ ዘይርአ”  ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ሰነድ ነዚ ናይ ሲኖዶስ ተመክሮ ጸዓትን ሓጎስን ዘስምዕን ድርኺቱ ድማ ንጹር እዩ። ከመይ ጌርና ብሓባር ክንመላለስ ከም እንኽእል ንምርዳእን ክንመሃርን ክሕግዘና እዩ፡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ንማንም ከየግለልና ብሓባር ፍታሕ ክንደሊ። ህዝቢ እግዚኣብሔር ካህናት ከም ዘድልይዎምን ከይተገደዱ ምስ ካህናት ብሓባርን ብህድኣትን ከመላለሱ ዝብል ምስትውዓል ዘለዎ እውን ምዃኑ የብርሁ።

ሙራይ፥ ኣገዳስነት ህላወ ሕውነታውያን ልኡካን (ናይ ካልኦት ኣሕዋት ኣቢያተ ክርስቲያን)

ነቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝመረሓ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ሓላፊ ክሪስቲያን ሙራይ እውን ብወገነን፡ ካብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝመጹ ሕውነታውያን ልኡኻት ኣብ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ይሳተፉ ከም ዘለዉ ኣዘኻኺረን፡ ካብ ዓበይቲ ኣርባዕተ ክርስቲያናውያን ትውፊታት 12 ሕውነታዊ ልኡኻት ከም እተዓደሙን ሰለስተ ካብ ኦርቶዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሰለስተ ካብ ምብራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሰለስተ ካብ ሉተራናዊትን ሰለስተ ድማ ካብ ጴንጠቆስጠ - ወንጌላውያን ዝመጹ ምዃኖም እውን ኣዘኻኺረን . . .

ካርዲናል ኮኽ፥ ኦቁመን (οικουμένη)፡ ሲኖዶስን ተልእኾን

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሓበሩ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ካርዲናል ኩርት ኾኽ ብዛዕባ ኢቁመን ማዕቅፍ ሲኖዶስ መብርሂ ከም ዝሃቡን ህላወ ሕውነታውያን ልኡኻት ተሳትፎ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ሕመረት ናይ ኵለንተናዊ ተመክሮ ምዃኑ ዘርኢ እዩ፥ ‘ጥምቀት የራኽበና ንሱ ድማ መሰረት ናይ ኩለንተናውነትን ሲኖዳውነትን እዩ፣ ብሓባር ምጽላይን ምምልላስን እንክብሉ ናይቲ ሲኖዶስ ሸነኽ ኣምልኾ ኣጉሊሖም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ኩላዊ ክኸውን ከም ዘለዎን እቲ ኩላዊ ጉዕዞ ድማ ሲኖዳውነት ክኸውን ከም ዘለዎን ከነስተውዕሎ ደጋግሚሞም ኣመላኺቶም እዮም፡ ምኽንያቱ “ኣብ መንጎ ምመናንን ሲኖዳውነትን ምትሕግጋዝ ስለ ዘሎ።” ኢቁመን (ናብ ሓድነት ዝግበር ጉዕዞ) ከም ተልእኾ ዝጅመር ምዃኑ ክዝንጋዕ ከም ዘይብሉ የተሓሳስቡ።

ኣስዒቦም ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ከም ሕውነትዊ ልኡኽ ዝተረኽቡ ናይ ምዕራብን ደቡብን ኤውሮጳ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሜጥሮጶሊታ ዮሲፍ፥ “ከም ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መጠን ኣካል ናይዚ መስርሕ ምዃንና ኣዚና ሕጉሳት ኢና።” ኣብ ውሽጢ ዓለም ለኸ ሓባራዊ ድርገት ካቶሊካውን ኦርቶዶክሳውን ዘተ ንዓሰረተ ዓመት ዝኣክል ኣብ ሲኖዳውነት ዘማእከለ ዘተ ይቕጽል ምህላዉን “ኣብ ክርስቲያናዊ ዓለም ድሕሪ ብውጥረትን ብፍልልይን ዝተለለየ ዘመን ሓቀይና ‘ሕውነት’ ይህነጽ ኣሎ። ነቲ ዝጥርንፈና ብሓባር ነናዲ ኣሎና እንክብሉ ከም ዘረጋገጹን . . . ብተወሳኺ ኢቆመንነት ኣብ መሰረታዊ ደረጃ እዩ ዝፍጸም’ . . . ብመገዲ ምስክርነት ከም ሓደ ስድራ ቤት ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኦንዪናሕ፥ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቤተ ክርስቲያንን ግብረ ሰብኣውነት

ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ጴጥንጠቆስጣውያን ኣቢያተ ክርስቲያ ወኪል ኣብ ጋና ናይ ጴንጠቆስጣውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣቦ መንበር መጋቤ ኦፑኩ ኦንዪናሕ ኣባል ዓለም ሓቆፍ ናይ ጴንጠቆስጠን ካቶሊካዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባራዊ ሽማግለ ኣባልን ኣብ ሲኖዶስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ብልኡኻተን ኣቢለን ክሳተፉ ዝተገብረ ዕድመ ብር.ሊ.ጳ. ዝቀረበን እዚ ድማ ናቶም ግብረ ትሕትናን ሰብኣውነትን መግለጺ እዩ ቢሎም፡ እቲ ናይቲ ሲኖዶስ መስርሕ ‘ኣዚዩ ክፉትን ግሉጽን ሰባት ሓሳባቶም ከካፍሉ ማዕረ ዕድል ዝህብ እዩ’ ቢሎም ስለዚ እቲ ዝቐረበ ሓሳብ ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ብስለት ከም ዝበጽሐት ዘረጋግጽ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሊቀ ጳጳሳት ጋደኪ፥ ናይ ዘተ ኣገባብ

ናይ ፖላንድ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ፖዝናን ሊቀ ጳጳሳት ስታኒዝላው ጋደኪ እውን ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ካልኦት ሃይማኖታትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣይሁድን ኢኣማኒያን እተካይዶ ርክብን ዘተን ንሓድሕድካ ዘይምስምማዕ ዝኽተል ዝነበረ ኣነባብራ ክውገድ ከም ዝገበረ ኣዘካኺሮም፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ መርገጽታት ዚግበር ርክብ ሳሕቲ እዩ። እቲ ሲኖዶስ ዝኽተሎ ዘሎ መስርሕ ግና ዝተፈልየን እወታውን ኣብነታውን እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ ሓሳብካ ምግላጽ ስዒቡ ንካልኦት ምስማዕ ናይ ዘተ መሰረት እዩ። ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሞንጎናን ምስ ካልኦትን ክንዝትይ ምኽኣልና ዘሐጉስ እዩ እንክብሉ ከም ዝመስከሩን ብዙሕነት እናኽበረና ናብ ሓድነት ንኸይድ ከም ዘሎና ዘረጋግጽ ጉባኤ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዶክተር ክሊፎርድ፥ ቀጻልን ክፉትን ቅዲ ዘተ

ካናዳዊት ኣብ ከተማ ኦታዋ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ጳውሎስ ስርዓታውን ስነ ታሪኽን ቲዮሎጊያ መምህር ኣባል ናይ ካቶሊክን መጦዲስትን ናይ ሓባር ሽማግለ ቲዮሎጊያ ካትሪን ክሊፎርድ እውን ብወገነን ኣብ ዓለም ዘለዉ ጳጳሳት ነዚ መስርሕ ሲኖዶስ ክትግብሩን ክስዕቡን ዘሎ ድልየት ብርቱዕ ምዃኑ ገሊጸን እዚ ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ መስርሕ ናይ ዓመታት ኣስተንትኖን ዘተን ውጽኢትን ብስለት እምነት ኣብ እግዚኣብሔር ምዃኑን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናብ ሓድነት ዝኣመተ ዘካይድኦ ዘተ ንቕድሚት ክስጉም ዝድርኽ እዩ ከም ዝበላን ኣብ ካናዳን ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝግበር ዘተ ነዚ መስርሕ ሲኖዶስ ዝነብር ምዃኑ መስኪረን ኩላትና ወንጌል ብዝበለጸ መታን ክንነብር ምሕዳስን ዕብየትን ከም ዘድሊ ለቡ ዝብልን ከምኡ እውን ሲኖዳውነት ኣብቲ ምሉእ ብምሉ ዘተዓረቐት ቤተ ክርስቲያን ንምዃን እንገብሮ ሓባራዊ ጉዕዞ ተመራጺ ኣብነትን ረባሕታን እዩ፡ ኣብቲ ናይ ድሕነትና ምንጪ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና እምነት ካብቲ ብቐጻሊ ዝፈላልየና ዘሎ ሕቶታታ ኣዚዩ ዝዓበየ እዩ ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መልሲ ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበ ሕቶ

ኣብ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ኣብ መንጎ ሊቃውንቲ ስነ መለኮት ብዛዕባ ሓባራዊ ርድኢት ቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ ዘተ ከም ዝተኻየደን እዚ ምስቲ ንቤተ ክርስትያን ከም ምስጢር ምሕረትን ህዝቢ እግዚኣብሔርን ዝርእያ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝመሳሰል ትምህርቲ ምዃኑን ብዛዕባ ናብ ሓድነት ዝግበር ጉዕዞ እንታይ ይመስል ንዝብል ሕቶ ዶክተር ክሊፎርድ ኣብ ዝሃበኦ መልሲ ከዘኻኽራ እንከለዋ ሊቀ ጳጳሳት ጋደኪ እውን ብወገኖም ንመጻኢ ካህናት ፖላንድ ብዝምልከት እቲ ናይ ሕንጸት ግዜ ናብ ሸውዓተ ዓመት ከም ዝተናውሐ ሓደ ዓመት መተእኣታተዊ ሓዊሱ ሰኣልያን በድማዒ መገዲ ንኽህነጹ ዝተፈላለየ ስነ ፍልጠት ኣብ ግብሪ ይውዕል ኣሎ መጻኢ ካህናት ናይ ዓለም ከይኮኑ ኣብ ዓለም ኣብ ምንባር ብስለት ክህልዎም ዝብል ሓሳብ መሰረት ዝገበረ እውን ምዃኑ ሓቢሮም፡ እዚ እውን ኣብ ናይ ሓባር ዘተ ዓብይ ድጋፍ ከም ዝኸውን የብርሁ።

ካርዲናል ኾኽ ብዛዕባ ኢቆመንነት ዝምልከት ሕቶ መሰረት ገይሮም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ተራ ኢቆመንነት ኣብ ሓድሽ ስብከተ ወንጌል ዘለዎ ዓቢይ ኣገዳስነት ከም ዘብርሁን . . . ናይ ዘመን ምልክታ ምፍላጥ ኣድላይነቱ ከም ዘስመሩሉን ዶክተር ክሊፎርድ እውን ብወገነን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ወንጌል ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ናብ ልኡካነ ወንጌል ምልዋጥ ዘለዎ ኣገዳስነት ከም ዘስመሩሉ የዘኻኽራ።

ኣብቲ ኣብ 2024 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ሲኖዶስ ተመሳሳሊ ኣባላት ክህልዉ ድዮም ንዝብል ሕቶ ዶክተር ሩፊኒ፥ ብተምሳሳሊ ኣባላት ክቕጽል ትጽቢት ይግበር ዝብል መልሲ ከም ዝሃቡን ኣስዒቦም ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡኽ ብዛዕባ ተመክሮ ሲኖዳውነት ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተሓቲቶም እንክምልሱ፥ ኣብ ምርድዳእ ንምብጻሕ ዝድግፍ እዩ እንክብሉ፡ ካርዲናል ኮኽ ኣስዒቦም “እምነት ኣማኒ ህዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ማእከል ኣገልግሎትና” ዝብል ንቕሓት እንተሃልዩ ሲኖዳውነት ቀጻሊ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ መወዳእታ ሕቶ ብዛዕባ ሕጽረት ጸዋዕታን ተኽእሎ ንማዕርገ ክህነት ሰብ ሓዳርን ዝምልከት ኮይኑ ነዚ ሕቶ እዚ ኣማእኪሎም ዶክተር ሩፊኒ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ሲኖዶስ ከም እተለዓለን ይኹን እምበር ካብቶም ኣዚዮም ዘተ ዝተገብረሎም ኣርእስታት ከም ዘይኮነ ጠቒሶም ብጹዕ ካርዲናል ኮኽ ድማ ብወገኖም ኣብቲ ኣማዞን ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ዘተ ዝተገብረሉ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ይኹን እምበር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ብዙሓት ድምጺ ዝሰምዑ እውን እተኾኑ ናይ መፍነስ ቅዱስ ድምጺ ከም ዘይሰምዑ ገሊጾም ውሳኔ እውን ከም ዘይሃቡ ገሊጾም እዮም። ሜጥሮጶሊታ ኢዮሲፍ፥ “ንሕና ኦርቶዶክሳውያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተመርዓዉ ካህናት ከም ዘለዉዋን ዝነበረን ዘሎን እዩ ስለዚ እዚ ጉዳይ እዚ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነዘኻኽራ” እንክብሉ ከም ዝሓበሩን ዶክተር ክሊፎርድ ድማ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ከም ዘይተፈትሐ ብዘዘካኽር ዝሃበኦ መብርሂ እቲ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲክን ኣፍሊጡ።

27 October 2023, 17:25