ድለ

ጸብጻብ ታሽዓይ ውዕሎ ጉባኤ ሲኖዶስ፥ ሲኖዳውነት መዓልታዊ ተመክሮ ደኣ እምበር ማሕተም ኣይኮነን ጸብጻብ ታሽዓይ ውዕሎ ጉባኤ ሲኖዶስ፥ ሲኖዳውነት መዓልታዊ ተመክሮ ደኣ እምበር ማሕተም ኣይኮነን  (Vatican Media)

ጸብጻብ ታሽዓይ ውዕሎ ጉባኤ ሲኖዶስ፥ ሲኖዳውነት መዓልታዊ ተመክሮ ደኣ እምበር ማሕተም ኣይኮነን

ቅድስቲ ተረዛ ዘሊዚየ ናይ ተልእኾ ወንጌል ሓላዊት ቅድስቲ እያ። . . . ንሳ ድሕነት ነፍሳት ደልያ ክትምንን እንኮላ እቲ ናትና ኣብ ሲኖዶስ ምእካብና እውን ነዚ እዩ ዘስምዕ . . .

ናይ ጉባኤ ሲኖዶስ ሽማግለ ጉዳያት ሓበሬታ ኣቦ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ  ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ብዛዕባ ናይ ዕለት 16 ጥቅምት ታሽዓውይ ዋዕላ ጉባኤ ሲኖዶስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ንናይ ዝተፈላለያ ማዕከታት ዜና ልኡካን መግለጺ ከም ዝሃቡ ዜናቭ ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ታሽዓይ ዋዕላ መበል 45 ዓመት ሕይረት ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከም እተዘከረን ብሓፈሻ እቲ ውዕሎ ኣብ ሓቀይና ትርጉም ሲኖዳውነት ዘተኮረ ምንባር ሩፊኒ ኣመላኺቶም፡ ሓቀይና ትርጉም ሲኖዳውነት ብዙሕነትን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ግደ ዝተጠመቑን ንጥፈታት ተልእኾን ዘተ ምስ ዝተፈላለየ ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ብመንጽር ድቁና፥ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለወን ተራን ስነ ኣሃዛዊ ፍልቀት ኣብ ድኻታት ሃገራት ንዝርከቡ መንሰያት ዘይርስዕን ክኸውን ኣብ ዝብል ዝክረ ነገር ዘተ ምክያዱ ኣብሪሆም።

ቀዳማይ ጸብጻብ

ፓውሎ ሩፊኒ፥ እቲ ታሽዓይ ዋዕላ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድስቲ ተረዛ ዘልዚየ ወዘቅዱስ ገጽ እተወፈየ ነዋ ትውክልት ዘርእስቱ ዝለገስዎ ሓድሽ ሃዋርያዊ ምዕዳን ምኽንያት ምስጋና ብምቕራብ ዝተብገሰ ከም ዝነበረን ከምኡ እውን እቲ ዝሓለፈ ዓረቢ ዝተካየደ ሻብዓይ ውዕሎ ነቲ ክሳዕ ሕጂ እቲ ሲኖዶስ ዝስዕቦ ዘሎ መገዲ ንጽፈትን ጽባቐን ምስማዕ ከም ዝገምገመ ኣዘካኺሮም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሲኖዳውነት ማሕተም ኣይኮነን

ካብቶም ኣብቲ ጋዜጣዊ መግልጺ ዝተሳተፉ ዕዱማት ኣባ ቪማል ተሪማና ተወላዲ ስሪላንካ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ፥ “ሲኖዳውነት ክሳብ ሕጂ ማሕተም ጥራሕ ኣዩ ዝነበረ፡ ሕጂ ግን መዓልታዊ ተመክሮ ይኸውን ኣሎ። መስርሕ ሲኖዶስ ከመይ ገይሩ ክንበርን ክሰርጽን ከምዘለዎ ዘመለኽት መንፈሳዊ ምላዋጥ ኣሎ፡ እዚ ድማ ናይቲ ሲኖዶስ መገዲ እዩ፡” ከም ዝበሉን ስለዚ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝገለጽዎን ዘብርህዎን፥ ሃይራርቃውነት ዘይኮነስ ብርሃነ ኣህዛብ እዩ፥ ኩሉ ከከም ሓላፍነቱን ጸዋዕታኡን ዝዋሳኣሉ። ላዕለዋይን ታሕተዋይን ዘይብል። እቲ መርሕነት ከም ዘሎ ኮይኑ . . . ሲኖዳውነት ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ውልቂ ዝክረ ነገር ኣይኮነን እንታይ ደኣ መቐጸልታ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ጸሎትን ምድላዋትን

ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፋ ናይ መላእ ማሕበራት ደናግል ዓበይቲ ኣሕሉቕ ናይ ዝሓቁፍ ማሕበር ፈጻሚ ኣካል ዋና ጸሓፊ እናቴ ፓትሪሲያ ሙረይ፥ ሲኖዳውነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክውንነት ይኸውን ከም ዘሎ ምርኣይ ሓጎስ ከም ዘጥረለን ሓቢረን፥ ከም ኣባል ማሕበር ደናግል መጠን ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ሲኖዳውነት ኣብ መንፈሳዊ ማሕበራት ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ዝጸናሕና ኮይኑ ይስምዓኒ፡ . . . ብፍላይ ኣብ ህይወትና ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ውሳኔታት ክንወስድን ኣብ መደምደምታ ክንበጽሕን ንኽተሎ መስርሕ እዩ። ከምኡ እውን ንኢየሱስን መንፈስ ቅዱስን ኣብ ህይወትና ነቐምጥ። ኣምላኽ ኣበይ ከም ዝጽውዕን ዝልእክን ናይ ኣባላት ድምጺ ንምስማዕን ኣብ እነካይዶ ጉባኤታት ንነብሮ ኢና . . . እዚ መስርሕ እዚ ኣብ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ክዝርጋሕ ምርኣይ ዘሐጉስ እዩ . . . ከምቲ ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ፥ ሓድነትን ሱታፌን ተልኾን” ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንጸልማት ዘብርህ ብርሃን

ናይ ፕራግ ተራዳኢ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዝደነክ ዋሰርቡወር እውን ብወገኖም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ሲኖዶስ ኣብ ዝካየደሉ እዋና ኣብ ቅድስቲ ተረዛ ዘሊዚየ ዘማእከለ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ቡሶላ እዩ። ነቲ ተልእኾ ዝብል ሓደ ካብቲ ዓቢይ ኣርስቲ ዝትንክፍ እዩ። ቅድስቲ ተረዛ ዘሊዚየ ናይ ተልእኾ ወንጌል ሓላዊት ቅድስቲ እያ። . . . ንሳ ድሕነት ነፍሳት ደልያ ክትምንን እንኮላ እቲ ናትና ኣብ ሲኖዶስ ምእካብና እውን ነዚ እዩ ዘስምዕ . . . እዚ ሲኖዶስ እዚ ንጸልማት ዘብርህ ብርሃን እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲክን ኣስዒቡ፥

ንቃንዛ ትኩረት ምሃብ

እናቴ ሙረይ እውን ኣስዒበን፥ ብዛዕባ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ተመያይጥኩም ዲኹም ዝብል ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበ ሕቶ መሰረት ገይረን፥ ብርግጽ ብዛዕባ ስቓይ ሰባት ዝሰምዕ ሲኖዶስ እዩ፡ ማሕበራውን ውልቃውን ቃንዛ . . . ቤተ ክርስቲያን ነቲ ከምዚ ዝኣመሰ ቃንዛ ክትምልከት ከም እትኽእል ምይይጥ ተገይሩሉ እዩ፡ ብዛዕባ እቲ ጠንቂ ስቓይን መከራን ዓሚቝ ፍልጠት ኣሎና . . . እንክብላ ከም ዝመለሳ ኣፍሊጡ።

ቻይናውያን ጳጳሳት

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሲኖዶስ ዝተረኽቡ ካብ ቻይና ዝመጹ ጳጳሳት ዕለት 17 ጥቅምቲ ናብ ሃገሮም ክምለሱ እዮም ዝብል ሓበሬታ ኣሎ ሃቅነቱ ክሳብ ክንደይ እዩ ንዝብል ሕቶ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ክምልሱ እንከለዉ፥ ናብ ሃገረ ስብከቶም ንክምለሱ ዝድርኽ ዘሎ ምኽንያት ጉስነታዊ እዩ፥ ስለዚ እቲ ምኽንያት ጉስነታዊ ደኣ ኣምበር ካልእ ኣይኮነን እንክብሉ ከም ዝመለሱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

17 October 2023, 15:18