ድለ

ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ውዕሎ መበል 17 ጉባኤ ሲኖዶስ ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ውዕሎ መበል 17 ጉባኤ ሲኖዶስ 

ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ውዕሎ መበል 17 ጉባኤ ሲኖዶስ

እቲ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ጸማሪ ሰነድ 40 ገጽ ዝሓዘ ኮይኑ ብቋንቋ ጣልያንን እንግሊዘይናን ከም እተዳለወን ብካልኦት ቋንቋታት ናይ ምትርጓም ስራሕ እውን ይካየድ ምህላዉ ኣመላኺቶም . . .

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ጥቅምቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መኽፈቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ ዘስሞዎ መደረ ‘ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምእማን ዘይጋገ ህዝበ እግዚኣብሔር’ ዝብል መግለጺኣ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

 ቤተ ክርስቲያን ከም ኣማኒ ህዝቢ ኣምላኽ ቅዱስን ሓጥእን ብሓይሊ ብጽዕና ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 25 ዝተጸውዐን ዝተኣከበን ህዝቢ ጌረ ክሓስባ ባህ ይብለኒ።

ኢየሱስ ንቤተ ክርስቲያኑ ካብ ናይ ዘመኑ ፖለቲካዊ ውዲታት ካብ ፈሪሳውያን ሰዱቓውያን ተጋውያን ቀናኣውያን ውጥናት ኣይወሰደን ‘ዕጹው ማሕበርነት’ የሎን። ናይ እስራኤል ትውፊት እዩ ዝወሰደ። “ንስኻትኩም ህብዘይ ክትኮኑ ኣነ ድማ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ” ዝብል እዩ ዝወሰደ። ንቤተ ክርስቲያን እዚ ኣብ ቅድሚ ጎይታ (ኣማኒ ህዝቢ ኣምላኽ) ዚመላለስ ተራን ትሑትን ህዝቢ ጌረ ክሓስባ ባህ ይብለኒ። እዚ ሃይማኖታዊ ትርጉም ኣማኒ ህዝብና እዩ። ኣነ ድማ ኣማኒ ሰባት ዝብል ዘለኹ በቲ ብዙሕ ስነ ሓሳባዊ ኣቀራርባን ውዲታትን ክውንነት ህዝቢ ኣምላኽ “ዘጉድል” ንኸይንወድቕ እዩ። ብቐሊሉ ኣማንያን ሰባት ወይ ውን “ቅዱስ ኣማኒ ህዝቢ ኣምላኽ” ኣብ መገዲ ቅድስናን ሓጢትን ዘሎ። እዚኣ እያ ቤተ ክርስቲያን።

ሓደ ካብ ባህርያት ናይዚ ኣማኒ ህዝቢ ዘይጋገ ምዃኑ፡ እዚ ድማ ኣብ ‘In Credendo falli nequit - ኣብ ምእማን ዘይፈሽል ወይ ዘይጋገ (ብርሃነ ኣህዛብ ቍ.9) እንክብል ኣብ ምእማን ዘይጋገ ምዃኑ የረጋግጸልና። ኣነ ድማ ከምዚ እንክብል ይገልጾ፥ “ቅድስቲ ኣኖ ቤተ ክርስቲያን እንታይ ከም እትኣምን ክትፈልጡ ምስ እትደልዩ ናብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኪዱ፡ ምኽንያቱ ንሳ ክትምህረኩም ሓላፍነት ዘለዋ ስለ ዝኾነት፡ ቤተ ክርስቲያን ከመይ ከም እትኣምን ክትፈልጥ ምስ እትደሊ ግና ናብ ኣማኒ ህዝቢ ኪድ።”

ሓደ ምስሊ ኣብ ኣእምሮይ ይመጽእ፥ እቲ ኣማኒ ህዝቢ ኣብ ኣፍደገ ካቴድራል ኤፈሶን ዝተኣከበ። እቲ ዛንታ ወይ ኣፈ ታሪኽ ከም ዝሕብሮ እቶም ህዝቢ ብኽልተ ሸነኽ ደው ይብሉ እቲ ጳጳስ ድማ ብማእከል እቲ ብየማንን ብጸጋምን ደው ዝበለ ህዝቢ ይሓልፍ “ቤተ ክርስቲያን ኣደ እምላኽ” እናበለ ድማ ይጭርሕ ንሃይራርቂ ድና ነዚ ናይ እምነት ሃምነነ ቢሉ ክውጆ ይሓትቱ፡ እቲ ጳጳስ ዝእውጆ ሃምነነ ድማ ህዝቢ ኣምላኽ ዝውንኖ ዝነበረ ሓቂ እዩ። እዚ ታሪኽ ድዩ ወይ ኣፈ ታሪኽ ምዃኑ ኣይፈልጥን እቲ ምስሊ ግን ቅኑዕ እዩ።

እቲ ኣማኒ ህዝቢ ቅዱስን ኣማኒ ህዝቢ እግዚኣብሔር ነፍሲ ኣለዎ። ብዛዕባ ነፍሲ ናይ ሓደ ህዝቢ እግዚኣብሔር ክንዛረብ ስለ እንኽል፡ ብዛዕባ ክውንነት ዝረኣየሉ ኣገባብ ብዛዕባ ሕልና ክንዛረብ ንኽእል። እማኒ ህዝብና ክብሩ ይፈልጥ፡ ደቁ የጠመቕ ንዝሞቱ ድማ ሓመድ ኣዳም የልብስ።

ንሕና ኣባላት ስርዓተ መሰረት ካብቲ ህዝቢ ኢና እንመጽእ እሞ እምነት ናይ ዝህቢ ኢና ዝተቐበልና። ብሓፈሻ ካብ ኣዴታትና ኣደ ዓባይናን . . . ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ‘ኣዴኻን ኣደ ዓባይካን’ ከም ዝበሎ። ነዚ እምነት እዚ ብኣንስታዊ ላህጃ ዝተመሓላለፈ ምዃኑ የመላኽት። ከምታ ኣደ መቃባውያን እምነት ንደቃ ብላህጃ እተመሓላልፎ ዝነበረት። ኣብዚ ድማ ኣብ መንጎ ቅዱስን ኣማንን ህዝቢ ኣምላኽ እቲ እምነት ብላህጃ መብዛሕቲኡ ግዜ ድማ ብላህጃ ኣንስታይ ከም ዝመሓላለፍ ከስምረሉ እፈቱ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ቤተ ክርስቲያን ኣደ ስለ ዝኾነትን ብልክዕ ደቂ ኣንስትዮ እየን ብዝበለጸ ዘንጸባርቓኣን ጥራይ ዘይኮነስ (ቤተ ክርስቲያን ጓለ ኣንስተይቲ እያ) ግን ከኣ ክጽበያ ዝፈልጣ፡ ጸጋታት ቤተ ክርስቲያን ናይ ኣማኒ ህዝቢ ከመይ ገይረን ከም ዝረኸባን ዘለልያን ዝፈልጣ ምናልባት ብፍርሒ ግን ከኣ ብትብዓትን ብብርሃንን ኪኖ ደረት ሓደጋ ዘለልያ ደቂ ኣንስትዮ ስለ ዝኾና እውን እዩ። ከምኡ እውን ብጸሎት ናይ ሓንቲ ትጅምር ዘላ መዓልቲ ገለ ህይወት ክህሉ ይኽል እዩ ዝብል ገምሪ ሒዘን ናብ መቓብር ይቐርባ።

ጓለ ኣንስተይትን ናይ ቅዱስን ኣማንን ህዝቢ ኣምላኽ ቤተ ክርስቲያን ነጸብራቕ እያ። ቤተ ክርስቲያን ጓል ኣንስተይኒ ሰበይቲ ኣደ እያ!

ኣገልገልቲ ኣብ ኣገልግሎቶም ኣዚዮም ርሒቖም ንህዝቢ እግዚኣብሔር ክጋፍዑ እንከለዉ ብኣነነትን ብምልካዊ ኣተሓሳስባ ወጅሂ ቤተ ክርስትያ የበላሽዉ (ናይ ቅድስቲ ሊልያና ፍራንኮ ምትእትታው ምዝካር እኹል እዩ)። ኣብ ገለ ኣቢያተ ጽሕፈት ሰበኻታት “ዝርዝር ዋጋታት” ናይ ቅዱሳት ምስጢራት ኣገልግሎት በገባብ መሸጣ ተጻሒፉ ክትርኢ መሪር እዩ። ወይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መገዲ ዘሎ ኣማኒ ህዝቢ እግዚኣብሔር ቅዱስን ሓጥኣንን ወይ ድማ ኣብ መወዳእታ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ኮይና ኣያ እትተርፍ። ጓሶት ነዚ ካልኣይ መገዲ ክስዕቡ እንከለዉ ድማ ቤተ ክርስቲያን መሸጣ ድሕነት ትኸውን እሞ ካህናት ድማ ሰራሕተይናታት ናይ ሓደ ብዙሕ ሃገራት ናይ ዝሓቁፍ ትካል ማሕበርነት ጥራይ ትኸውን። እዚ እዩ እቲ ናብቲ ስዕረት ዝኾነ ቄስስነት ዝመርሓና። እዚ ድማ ኣዚዩ ዘሕዝንን ዘሕፍርን እዩ . . .

ቈሲስነት መግረፍትን መዓትን ንገጽ መርዓት ጎይታ ዘርክስን ዝጎድእን መልክዕ ናይ ዓለም ምዃን እዩ፡ ንቅዱስ ኣማኒ ህዝቢ እግዚኣብሔር ጊልያዊት ዝገብሮም እዩ።

ህዝቢ እግዚኣብሔር ቅዱስን ኣማንን ንዕቀትን ግፍዕን ምግላልን ዘስዕብ ቄስስነት ድማ ብትዕግስትን ብትሕትናን ጸይሮም ንቕድሚት ይኸዱ። ከምኡ እውን በቲ ስርዓተ ቈሲሳውነት ተደሪኾም ብዛዕባ መሳፍንቲ ቤተ ክርስቲያን ወይ ብዛዕባ ዕብየት መንበር ጵጵስና ከም ሞያዊ ምዕባለ ምዝራብ ድማ ባህርያዊ ይኸውን! እዚ ዘርዕድ ናይ ዓለም ምዃን ንቅዱስን ኣማንን ህዝቢ ኣምላኽ ዘሕዝን ዘጋፍዕን እዩ።

 

እዚ  ዘለዅም ዜና ቫቲካን መደብ ቋንቋ ትግርይና እዩ

 

Summary of the Synod press briefing on Wednesday

ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ውዕሎ መበል 17 ጉባኤ ሲኖዶስ

ናይ ጉባኤ ሲኖዶስ ሽማግለ ጉዳያት ሓበሬታ ኣቦ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዛዕባ ዕለት 23 ጥቅምቲ ዝተኻየደ መበል 17 ውዕሎ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣማእኪሎም ብካርዲናል ፕረቮስት ካርዲናል ኖንተራሕን ሊቀ ጳጳሳት ብሮሊዮን ዶክቶር ኖንተራሕ ተሰንዮም ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ንናይ ዝተፈላለያ ማዕከታት ዜና ልኡካን ጋዜጠይናታት መግለጺ ሂቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ጉባኤ ሲኖዶስ ሽማግለ ሓበሬታ ኣቦ መንበር ሩፊኒን ዋና ጸሕፊት ናይዚ ሽማግለ ሓበሬታ ሺላ ፒረስ ኣብ ዝመርሕዎ ጋዜጣዊ መገልጺ፥ እቲ ሲኖዶስ ዘመሓላለፎ መልኽቲ ናብ ህዝቢ ኣምላኽ ንተጋባእያን ሲኖዶስ ተዓዲሉን ብድምጺ ድማ ከም ዝጸደቐን ብተወሳኺ ዕለት 28 ጥቅምቲ ናይ ሲኖዶስ ጽሙር ሰነድ ክዝርጋሕ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሺላ ፒረስ

እቲ መልኽቲ ጳጳሳት ሲኖዶስ ናብ ህዝቢ እግዚኣብሔር ንመላእ ኣባላት ሲኖዶስ ከም እተዓደለን ከምኡ እውን ናብ ዝተፈላለየ ቋንቋ እውን ከም እተተርጎመ ሓቢረን፡ እቲ መልእኽቲ ድማ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ተመክሮ ዘዘንትው ምዃኑ ናይ ሲኖዶስ ጉዳያት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ሓፈሻ ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ግረች ዝበለዎ ጠቒሰም ክሕብራ እንከለዋ፡ . . . እቲ መልእኽቲ ንተጋባእያን ድምጺ ናይ ምሃብ መሰል ዘለዎም ብዝሃብዎ እወንታዊ ድምጺ ከም ዝጸደቐ የመላኽታ።

ሩፊኒ፥ መስርሕ ምጽዳቕ “ጸማሪ ሰነድ”

እቲ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ጸማሪ ሰነድ 40 ገጽ ዝሓዘ ኮይኑ ብቋንቋ ጣልያንን እንግሊዘይናን ከም እተዳለወን ብካልኦት ቋንቋታት ናይ ምትርጓም ስራሕ እውን ይካየድ ምህላዉ ኣመላኺቶም . . . እዚ ዘለናዮ ምዕራፍ ምትኽኻብ ሓድሽ ጅማሮ ዘይኮነስ ካልእ ስጉምቲ ናይቲ ኤጲስ ቆጶሳዊ ውህደት ዝብል ሓዋርያዊ ቅዋም ዝተሓሰበ መስርሕ ሲኖዶስ ዝፈጥር እዩ። ማለት ተሳትፎ ዘይጳጳሳት ዝምልከት እውን ምዃኑ ኣተሓሒዞም የብርሁ። . . . እዚ ሲኖዶስ እዚ ኣብ ዝመጽ ዘሎ ዓመት ዝዛዘም እዩ እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ፕረቮስት፥ ተመክሮ ላቲን ኣመሪካ

ተወላዲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉዳይ ናይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተን ናይ ጳጳሳዊ ሽማግለ ጉዳይ ላቲን ኣመሪካ ኣቦ መንበር ካርዲናል ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት . . . ናይ ላቲን ኣመሪካ ብቅዲ ሲኖዶስ ዝካየድ ጉባኤታት ዘኪሮም፡ እዚ ድማ ነቶም ርሒቖም ዝነበሩ ናብ ቤተ ክርስቲያን ንምምጻእ ዓቢ ተራ ከም ዝነበሮ ኣመላኺቶም፡ እዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ዝፍለጥ ከም ዝኾነን እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ንኹሉ ምስማዕ ዝምህር ብምትምማን ኣብ ዘተ ምውፋር ኩሉ ግዜ ሓቂ ምድላይ ጎይታ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝሓትቶ ንምርዳእ ዝግበር ጻዕሪ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ይኹን እምበር ከም ኣብ ዝኾነ ሰብኣዊ ተመክሮ ጸገማት ክህሉ ባህርያዊ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ንዛፓላይንጋ፥ ብስም ሰላም

ናይ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ሊቀ ጳጳሳት ናይቲ ስሩዕ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ሲኖዶስ ናይ ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ኣባል ካርድናል ዲዮዶነ ንዛፓላይንጋ እውን ብወገኖም፥ ካብታ ብኲናትን ግርጭታትን እትሳቐ ካብ ዘላ ሃገሮም ከም ዝመጹ ሓቢሮም፥ . . . ንረብሓ ህዝቢ ምቛምን ኩሉ ኣጽዋሩ ከውርድ እውን ምስቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ተራኺቦም ከም እተዘራረቡን እዚ እውን ምእንቲ ሰላምን ብስም ሰላምን ምዃኑ ኣመላኺቶም . . . እቶም ከምኦም ዝኣመሰሉ ኣብቲ ሲኖዶስ ዝርከቡ ቃንዛ ናይቲ ሓዎምን ሓብቶም ዝኾነ ህዝቦም ንኸካፍሉ ከም ዝኾነን ብመስርሕ ምስማዕ  ጽባቔ ናይቲ ካልእ ንረክብ . . . ስለዚ ሓድሕዳዊ ምህብታም እዚ ናይ ጽባሕ ቤተ ክርስቲያን እንታይ ክትከውን ከም ዘለዋ ሕልሚ” ክውን ክኸውን ተስፋ ኣሎኒ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሊቀ ጳጳሳት ብሮሊዮ፥ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ሰላም ይምነዩ

ሊቀ ጳጳሳት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ቲሞትይ ብሮሊዮ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ቤተ ክርስቲያን . . . ከም ኣካል ክርስቶስን ከምኡ እውን ሃብቲ ዝተፈላለዩ ትውፊታት ዝተዓደለት ምዃኑ ኣዘኻኪሮም . . . ናይቲ ካብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ኣትሒዞም ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብርዎ ጉስነታዊ ኣገልግሎቶም ኣካፊሎም ሲኖዶስ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹ ሰባት ናይ ምስማዕን ዘተን ተመክሮ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡  . . . ናይ ሰራዊት ዝዓበየ ድሌት ሰላም እዩ እንክብሉ ኣረጋጊጾም፡ በዚ መንጽር እዚ ኣብቲ ሲኖዶስ ዘሎ ምስማዕን ዘተን . . . “ዓለም ኣብ ምፍታሕ ግጭት ኣብነት ክኸውን ዝኽል ክትሪኦን ምናልባት እውን ክትመስሎን ክኸውን ዝኽል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኖንተራሕ፥ ጥበብ ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮ

ጋናዊት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ መምህር መንበረ ጥበብ ዶክተር ኖራ ኮፎግኖተራ ኖንተራ እውን ብወገነን፥ ናብቲ ሲኖዶስ ከም ኣፍሪቃዊትን ከም ኣፍሪቃዊት ጓለ ኣንስተይቲ ሒዘነኦ ዝመጻ ተስፋ ሓጎስ ሕልሚ ጭንቀት ንብዓት ግን ከኣ ጽንዓት ደቂ ኣስንትዮ ኣፍሪቃውያን ዓለማውያን ምእመናን ኣፍሪቃ ዘርዚረን . . . ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ጓለ ኣንስተይቲ ኣፍሪቃዊት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ድምጺ ዘይትህብ ከም ዝነበረትን . . . ኣብነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም መሰረት ገይረን ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ቤተ ክርስቲያን ከመይ ጐርካ ኣደ ኩሉ ክትከውም ንኹሎም ደቃ ራእይ ዘለዋ ኣደ ክትከውን ከም እትኽል ክምህራ ይኽእላ . . . ሲኖዳውነት ከም ሓንቲ ንወንጌል ሓቀና ምስክርነት ክትህብ እትኽእል ቤተ ክርስቲያን ክትነብር ዝድርኽ ዝበለጸ መገዲ እዩ . . . ፍልልያትና ክንሓብኦ ዘይኮነስ ከነብዕሎ ዘተባብዕ ብመመያን ምስማዕን መንፈስ ቅዱስ ተመሪሕና ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቲዮሎግያ ሕገ ቀኖና ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት መሪሕነት ንዓለማውያን ምርጫታት ክንህብ ከም ዘሎና የተባብዕ እዚ ድማ ናይ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ተመክሮን ተግባርን ክኸውን ይግባእ . . ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሲኖዶስ መንፈሳዊ ተመክሮ እዩ

ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ ዝምልከት ካብ ሓደ ጋዜጠይና ንዝቐረበ ሕቶ መልሲ ዝሃቡ ካርዲናል ፕረቮስት፥ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ንኣሽቱ ጉጅለታት ሲኖዶስ ከም እተዘተየሉ ክሕብሩ እንከለዉ ፒረስ ወሲኸን ኤጲስ ቆጶሳውያን ጉባኤታት ነዚ ጉዳይ እዚ ንምፍታሕ ኣቢያተ ጽሕፈት ከም ዘቖሙን ኣብተን ዘይብለን ዋዕላታት ድማ ክህሉ ዘነቓቕሕ እዩ . . . ኖራ እውን ብወገነን ሲኖዳውነት ካብ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ክጅምር ኣለዎ ኩሉ ኣባል ስድራ ቤት ጽምጹ ከምስዕ መታን . . . ከምኡ እውን ብቐጥታ ንናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ፕረቮስት ዓለማውያን ኣብ ምምኽኻርን ኣብ ምሻም ጳጳሳት ክሳተፉ ዝኽእልሉ ተኽእሎታት ዝምልከት ዝቐረበሎም ሕቶ፥ እቲ መስርሕ ብመጠሙ ዕቑር እኳ እንተኾነ ኣብቲ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽል ሽመት መንበረ ጵጵስና ዝግበር ምምኽኻር ዝያዳ ዓለማውያንን ገዳማውያንን ልኡካነ ወንጌልን ክጽምበሩ ጻዕርታት ይግበር ኣሎ እንክብሉ መልሲ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣስዒቦም ኣብ ሲኖዶስ ምፍልላይ ተራእዩ ዝብል ሕቶ መሰረት ገይሮም፥ ናይ ሓሳብ ምፍልላይ እምበር ምግምማዕ ኣይተራእየን እዚ ድማ ልባውን ክቡርን ምስማዕ ከም ዝነበረ እዩ ዘነጽር፡ ካርዲናል ንዛፓላይንጋ ወሲኾም፥ ፍልልያት ስንክልና ወይ ጉድለት ዘይኮነስ ምንጪ ሃብቲ እዩ። ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ምስ ጽልኢ ዝመሳሰል ኣይኮነን እንታይ ደኣ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ መዳያት ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብዛዕባ ሓደኣዊ ጾታ ብዝምልከት ዝቐረበ ሕቶ፥ ሊቀ ጳጳሳት ብሮሊዮ . . . ኢየሱስ ነቶም ሓጥኣን ተባሂሎም ዝሕሰቡ ጉጅልታት ‘ኢዱ ዘርጊሑ’  እዩ እዚ ድማ ናይ ምልዋጥ ህሞት እዩ። ንኹሉ!

26 October 2023, 16:48