ድለ

2023.10.19 ጸብጻብ ናይ መበል 13 ውዕሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ፥ ዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን 2023.10.19 ጸብጻብ ናይ መበል 13 ውዕሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ፥ ዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን 

ጸብጻብ ናይ መበል 13 ውዕሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ፥ ዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን

ካርዲናል ቺዘርንይ እውን ብወገኖም፥ “ናይ ቤተ ክርስቲያን ስርዓተ ስልጣን ወይ ኣቃውማ ካብ ምስማዕ ዝጅምር መስርሕ ዝፈርሕ ኣይኮነን፡ ስለዚ ሲኖዳውነት ንስርዓተ ስልጣን / ሃይራርቂ ቤተ ክርስቲያን ክሃስይ ኣይክልን” ይብሉ

ናይ ጉባኤ ሲኖዶስ ሽማግለ ጉዳያት ሓበሬታ ኣቦ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ  ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣማእኪሉ ዕለት 19 ጥቅምቲ ዝተኻየደ መበል 13 ውዕሎ ጉባኤ ሲኖዶስ፡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ንናይ ዝተፈላለያ ማዕከታት ዜና ልኡካን ዝተወሃበ መግለጺ ከም ዝመርሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኩሎም ተጋባእያን ሲኖዶስ ዕለት 19 ጥቅምቲ ምሸት ኣብ መወዳእታ መበል 13 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ጥቓ እቲ ‘ዘይተፈልጡ መላእክት’ ዘርስቱ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዕዞ ዘርእይ ዝቖመ ሓወልቲ ፊት ተኣኪቦም ምእንቲ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ጉዕዞ ስደት ዝርከቡን ንስድራ ቤቶም ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ከምኡ እውን ነቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ መገዲ ዘለዉ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሰርዕዎ ጸሎት ከም ዝሓበሩ . . . እቲ መደብ ጸሎት ብሓባር ምጉዓዝ ብዝብል ቅዲ ሲኖዶስ ዝተመርሐ ኮይኑ ዛዕባ እቶም ዘይፍለጡ ውግኣት ሓዊሱ፡መዓት ዝተፈላለዩ ውግኣት ዘጉልሕ ‘ኩለንተናዊ ባህርይ ከም ዝነበሮ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ፓውሎ ሩፊኒ ነቲ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝተኻየደ መበል 13 ዋዕላ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ መዛተይ ሰነድ ክፍሊ ለ ፍቕዲ 3 ዘተኮረ ኮይኑ እንተን ነኣሽቱ 35 ናይ ዘተ ጉጅለታት ነቲ ሓፈሻዊ ናይ ዕለቱ ኣርእስቲ ‘ተሳትፎ ሓላፍነትን ስልጣንን’ ዘማእከለ ዘተ ከም ዘካየዱን . . . እዚ እውን ልእኽትን ሲኖዳዊትን ቤተ ክርስቲያን ንምድልዳል እንታይ ዓይነት መሓውራት ምምዕባል? ዝብልን ናይ ከባቢያውያን ኣቢይተ ክርስቲያን ናይ ሲኖዳውነትን ምትሕብባርን ኣጋጣሚታት ከምኡ እውን ኣቃውማ ሲኖዶስ ኣብ ውሽጢ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ናይ ጉባእያውነት ምእንቲ ክኸውን ብኸመይ እዩ ክድልድል ዝኽል ኣብ ዝብሉ ሕቶታት ከም እተመያየጠ ሓቢሮም።

ካርዲናል ቺዘርይ፥ ምስቶም ኣብዛ ምድሪ ኣዚዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ብሓባር ምጉዓዝ

ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ናይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማይክል ቺዘርንይ . . . እቲ መደብ ጸሎትን እቲ ዝተኻየደ ጉባኤን ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ምስቶም ኣብዛ ምድሪ ተቓላዕቲ ዝኾኑ - ምስቶም ክስደዱን ከመዛበሉን ምስ ዝተገዱ ሓቢራ ክትጓዓዝ ከም ዘለዋ ዘስመረን . . . ጭንቀት ዘይውሕስነት ተቓላዕነት ምግላል ዝብሉ ጸገማት ንስደተይናታት ዘጋጥሞም ምዃኑን ኣስተብሂሎም . . . ቤተ ክርስቲያን ነዞም ጸገማት ንምብዳህ ዘኽእል ሰብኣውን መንፈሳውን ኣገልግሎታ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ጳጳስ ፍሎረስ፡ ካብ ደቡባዊ ሃገረ ስብከት

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ተክሳስ ሰበኻ ብሮውንስቪለ ጳጳስ ዳኔል ኤርነስ ፍሎረስ፥ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ዝተፈላለየ ተመክሮ ሰበኻታት ይቃላሕ ከምዘሎን . . . ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናይቶም ካብ ላቲን ኣመሪካ ብብራውንስቪል ኣቢሎም ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ሰባት ቅጹር ይውስኽ ምህላዉ ገሊጾም፡ ነዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምመናን ዝህብዎ ምላሽ ጎዲሉ ኣይፈልጥን። . . . ኣብቲ ከባቢ ምእመናንን ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያንን ቤተ እስላምን ኣይሁድን ምላሽ ኣብ ምሃብ ከም ዝሓብሩ እውን ገሊጾም፥ . . . ሰበኻኦም ለጋሳት ሰባት ዝተዓደለት ምዃኑን እቶም ስደተይናታት ቁጽር ዘይኮኑ ታሪኽ ዘለዎም ሰባት እያቶም ሰለዚ ክኽበሩን ክሕገዙን ንሰርሕን ካብኦም እውን ንመሃርን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማሮናዊ ኣባ ኣልዋን፥ ኣብ ሊባኖስ ናይ ዝርከቡ ሶርያውያን መዓት

ኣብ ሊባኖስ ናይ ማሮናውያን ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ነበር ዓቢይ ሓለቃ፡ ናይ ምብራቕ ካቶሊካውያን ፓትሪያርካት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣብ በይሩት መንበረ ጥበብ በመምህር ኣባ ሃሊል ኣልዋን እውን ብወገኖም፥ . . . “እቲ ብኣገባባቱ ፍልይ ዝበለ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ንሕጉስ መጻኢ ቤተ ክርስቲያን ተስፋ ንኽንረክብ ምኽንያት ዝህበና ዓቢ ጸጋ እዩ” ምስ በሉ ኣስዒቦም ብዛዕባ ኩነታት ሶርያውያን ስደተይናታት ኣብ ሊባኖስ ክዛረቡ እንከለዉ፥ “ካብ 2011 ዓ.ም. በቲ ኣብ ሶርያ ዝተባረዐን ነዚ ስዒቡ ብዝተኣታተወ ኩለ መዳያዊ ቅልውላው ተደሪኾም ናብ ሊባኖስ ዝተሰዱ ሶርያውያን፡ መብዛሕቲኦም ኣብ መዓስከራት ተጨናኒቖም ከም ዝርከቡን ማሕበረሰብ ዓለም እውን ኣብ መሬት ሊባኖስ ክኾኑ እዩ ዝመርጽ . . . ናብ ኤውሮጳ ንክኸዱ ይኽልከሉ” ምህላዎም እውን ገሊጾም፡ ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ሶርያውያን ስደተይናታት ከም ዘለዉን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ድማ ብዙሓት ቆልዑ ከም እተወልዱን እታ ሓሙሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋ ሊባኖስ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ስድተይናታት እተአንግድ ሃገር ኮይና ኣላ። . . . ናይቶም ስደተይናታት ጸገም ንምቅላል ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ምቕራብ ዝከኣላ ትገብር ምዃና እኳ እንተኣመኑ፡ እቶም ስደተይናታት ናብ ዝያዳ ምስ ሰብኣዊ ክብረቶም ዝሰማማዕ ቦታ ንኽኸዱ እውን ፍቓድ ክወሃቦም ኣለዎ . . . እቲ ናይቶም ስደተይናታት ብዝሕን ጠለባቶም ንምምላእን ሓገን ንምቕራብ ዝሓትቶ ቁጠባ ንመንግስቲ እውን ጾር ኮይንዎ ኣሎ” ኢሎም።

 ጳጳስ ምፓኮ፥ ምእንጋድን ምስማዕን ምኽባርን

ናይ ፕሪቶርያ ጳጳስ ምኽትል ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ደቡብ ኣፍሪቃ ሊቀ ጳጳሳት ዳቡላ አንቶንይ ምፖኮ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ስደተይናታት ኣማእኪሎም፥ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ምእንጋድን ምስማዕን ምኽባርን ዝብሉ ሰለስተ ኣገደስቲ ተግባራት መሰረት ክወሃሃዱን ተቕባል ክረኽቡን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከም እትጽዕር ንስደተይናታት ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እውን ከም እተሳልጥ ይሕብሩ።

መብዛሕቲኦም እቶም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣትዉ ስደተይናታት - ቁጠባዊ ስደተይናታት እዮም ኣብ ግብራዊ ድሌታቶም ክትሕግዝ ትፍትን ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ክንክን ጥዕና እውን ኣብ ምሃብ ትዋሳእ፡ እቶም ስደተይናታት ከከም ቋንቃታቶም ድማ ዝከታተልዎም ጓጎስት ልኡካነ ወንጌል ከም እተመደቡን እዚ እውን ተዋሂዶም ንኽነብሩ እውን ከም ዝሕገዙ የብርሁ።

ሲኖዳውነትን ሃይራርቅን (ስርዓተ መዓርግ ስልጣን) ኣብ ቤተ ክርስትያን

ብመሰረት ሲኖዳውነት መሓውራት ምሕዳስ ኣብ ሃገረ ስብከታት ዝርከቡ ጳጳሳት ስልጣንን ፍሉይ መሰልን ከዳኽም ይኽእል ድዩ? ንዝብል ሕቶ መልሲ ዝሃቡ ጳጳስ ፍሎረስ፥ እዚ ጉዳይ እዚ ሓድሽ ከምዘይኮነ ኣመልኪቶም፡ ብቤተ ክርስቲያን ስልጣን ወይ ኣገልግሎት ምጥቓም ኣብ ምልዋጥ ልቢ ዝተመርኮሰ ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ እዚ ንዝኾነ መዋቕር እወታዊ ዕላማታት ንምዕዋት ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ።

እዚ ሕዳሴ ወይ ጽጋና እዚ ብኸመይ ክካየድ ከም ዝኽእል ብዙሕ ርእይቶታት ኣሎ። ከም ልቢ ክርስቶስ ምግልጋል እዩ እቲ ሕመረት።

ሲኖዳውነትን ስርዓተ ስልጣን ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ክንበሩ ኣለዎም፡ ነዚ ብሓባር ዘንብር ባይታ እዚ ኢና ነስተውዕል ዘሎና፡ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዳውነት ፍሉይ ባህሪ ከም ዘለዎ ኣስተብሂሎም እዚ ድማ ኣብ ማእከል ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ሲኖዳውነት እዩ፣ ስለዚ ስርዓተ - ስልጣን (ሃይራርቂ) ምስ ሲኖዳውነት ብሓባር ይኸይድ።

ካርዲናል ቺዘርንይ እውን ብወገኖም፥ “ናይ ቤተ ክርስቲያን ስርዓተ ስልጣን ወይ ኣቃውማ ካብ ምስማዕ ዝጅምር መስርሕ ዝፈርሕ ኣይኮነን፡ ስለዚ ሲኖዳውነት ንስርዓተ ስልጣን / ሃይራርቂ ቤተ ክርስቲያን ክሃስይ ኣይክልን” ይብሉ።

ሊቀ ጳጳሳት ምፓኮ፥ ብዛዕባ ህላወ ሓደኣዊ ጾታ ኣብ መንጎ ስደተይናታት ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ “ቤተ ክርስቲያን ከመይ ገይራ ከም እትቐርቦም ዘለዋ መርገጺ ንጹር እዩ። “ቅድሚ ኩሉ ርህራሄን ተቕባልን ምርኣይ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን ኣድልዎ ዘይምግባር ደጋውያን ኮይኑ ክምስዖም ዘይምግባር፡ ቅዱስ ኣቦና ድማ ነዚ ብኣዚዩ ዘገርምን ብጽቡቕን ኣብነት ዝኾኑን ዘቕርቡን ይመስለኒ!”

ሰባት ይብሉ እቶም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጳጳስ፥ እቶም ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ቤተ ክርስቲያን ቤቶም ኮይና ክስምዖም ዘኽእል መገድታት ንደሊ ኣሎና . . . ኣብቲ ዝሳቐ ሰብ ወጅሂ ክርስቶስ ኢና ንደሊ። ነቶም ስደተይናታት ሃይማኖቶም ዓሌቶም ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ጾታዊ ዝንባለኦም ኣይንሓትትን - ነቲ ዝሳቐ ክርስቶስ ጥራይ ኢና እነገልግል” ኢሎም።

ጳጳስ ፍሎረስ ብዛዕባ ድሌታት ባህልታት ላቲን ኣመሪካን በረኣእያ ሲኖዶስ ዝምልከት ንዝቐረበ ሕቶ እንክምልሱ፥ ቀሊል እኳ እንተዘይኮነ ዝተፈላለዩ ባህልታት ኣብ ሓደ ምምጻእ ናይ ሲኖዳውነት መግለጺ እዩ። ዘተ ኣብ መንጎ ባህልታትን ቋንቋታትን ምፍልላይ ዘይብሉ ዘተ . . . እንክብሉ ይገልጽዎ። ካርዲናል ቺዘርንይ እውን ብወገኖም እቶም ኣብ ደቡባዊ ክፍሊ ዓለም ዝነብሩ ሃብቲ ከም ዝኾኑ ሓቢሮም፡ እንተኾነ ግን እቲ ናይ ደቡብ ክፍሊ ዓለም ጸገም ብቤተ ክርስቲያን ዝፍታሕ ከምዘይኮነ ኣጠንቂቖም ብኣንጻሩ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተዋደደ ዘተ ክህሉ ንጽዕር” ኢሎም።

ጳጳስ ፍሎረስን ምፓኮን፥ እቲ ሲኖዶስ ነጸብራቕ ግዳምዊ ጸቕጢ ወይ ውዲት ከም ዘይተጸልዎ ኣረጋጊጾም ኣብ ትሕትን ምስን ጴጥሮስ እዩ እንክብሉ ብዝሃብዎ መብርሂ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ውዕሎ መበል 13 ጉባኤ ሲኖዶስ ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 October 2023, 15:36