ድለ

2023.10.20 ጸብጻብ መበል 15 ጉባኤ ሲኖዶስ፥ ቤተ ክርስቲያን ምስ ድኻታት 2023.10.20 ጸብጻብ መበል 15 ጉባኤ ሲኖዶስ፥ ቤተ ክርስቲያን ምስ ድኻታት  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ጸብጻብ መበል 15 ጉባኤ ሲኖዶስ፥ ቤተ ክርስቲያን ምስ ድኻታት

“ኣብ መንጎ ሰበ-ስልጣንን ሓባራዊ ሓላፍነትን ውሳኔ ኣብ ምሃብ ርክባት ወይ ዝምድናታት ዘሎ ምስትውዓል”

ናይ ጉባኤ ሲኖዶስ ሽማግለ ጉዳያት ሓበሬታ ኣቦ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ  ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዛዕባ “ኣብ መንጎ ስልጣንን ሓባራዊ ሓላፍነትን ኣብ ውሳኔ ምሃብ ዘሎ ዝምድናታት ዘሎ ጉዳይ ምስትዓውል” ኣማእኪሉ ዕለት 21 ጥቅምቲ ዝተኻየደ መበል 15 ውዕሎ ጉባኤ ሲኖዶስ፡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ንናይ ዝተፈላለያ ማዕከታት ዜና ልኡካን ዝተወሃበ መግለጺ ከም ዝመርሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 20 ጥቅምቲ ምሸት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኩሎም ተጋባእያን ከምኡ እውን ምእመናን ዘሳተፈ ጸሎት መቑጸሪያ ምንቲ ሰላም ከም እተኻየደን፡ “ነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ጽንኩር ኩነት ንዝርከቡ መንሰእያት ተስፋ ከይቆርጹን መጻኢኦም ካብ ሃገሮም ወጻኢ ከየማዕድዉን ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ንኣኣቶም ከም ስድራ ቤትን ከም ጓሳን ናብ ሰላም ዘብጽሕ መሳርሒታት ኣብ ምቕራብ ክትተግህ” ዘተሓሳሰበ ምንባሩ ከም ዝገለጹን ዕለት 20 ጥቅምቲ ድሕሪ ቐትሪ ኣብቲ መበል 15 ዋዕላ ጉባኤ ሲኖዶስ፥ “ካብ ከም ማእከላይ ምብራቕ ዩክሬይን ኣማዞንን ኪኖኡን ዝኣመሰሉ ናይ ውግእን ወይ መከራ ቦታታት ዝመጹ ዝትንክፍ ምስክርክርነት” ከም ዝሃቡ ሩፊኒ ይሕብሩ።

ሩፊኒ፥ ውህደት ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ

“ኣብ መንጎ ሰበ-ስልጣንን ሓባራዊ ሓላፍነትን ውሳኔ ኣብ ምሃብ ርክባት ወይ ዝምድናታት ዘሎ ምስትውዓል” ዘማእከለ ዘተ ምክያዱ ኣመልኪቶም። ሲኖዳውነት “ንስልጣን ዘወግድ ዘይኮነስ ኣብ ዓውዲ ዘቐምጦ” ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣድላይነት ስልጣን ከም ዘሎ ኮይኑ እንታይ ደኣ ክትሙግቶን ወይ ንዘይምስምማዕ ዘይምፍራሕ” ክህሉ ነቲ ስልጣን ሓሳብካ ምግላጽ ዝብል እዩ፡ ነቲ ዘይምስምማዕን ምጉትን ቦታታት ሰናይ ናይ መሰጋገሪ መገዲ ዝገብር ድማ መንፈስ ቅዱስ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም እተቓለሐ ይሕብሩ።

እቲ ቀዳምነት ድማ  ኣገዳስነት ሓድሕዳዊ ምስማዕን ንኹሉ እዩ። ካብቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተቐባልነት ክግበረሎም ዘይከኣል ኮይኑ ዝስምዖም ወይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ከም ዘይኮኑ ዝተንገሮም ጀመሪካ - ከም ካብ ካልእ ሃይማኖታት ዝመጹ፡ ስደተይናታት ድኻታት ኣደዳ ኣድልዎ ዝኾኑን ኣካለ ስንኩላንን ወይ ደቀባት ንኹሎም ምእንጋድ ከም ዘድልን ኣብ ዝኾነ ይኹን ‘ዝተፈልዩ’ ተባሂሉ ዝንገረሎም ነቶም ሓደኣዊ ጾትዊ ስምዒት ዝንባለ ዘለዎም ናይ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ኣደዳ ከይኮኑን ዝተነጸሉ ኮይኑ ከይስምዖም ምቕባል” ዝብል ሓሳብ ከም እተቓለሔ ገሊጾም፡ ኣስዒቦም ካልእ ኣብቲ ዋዕላ ዝተለዓለ ነጥቢ፥ “ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ.” ዝብል ኮይኑ እቶም ንስተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መሰረታዊ ርክብ ዘይነበሮም “ነቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ኣካለ ክርስቶስ ከም ዘቑስል” ከም እተመለክተን፡ እዚ እውን ነቲ ብውልትውናን ጽልኢ - ወጻእተይናታትን ውግእን ዝልለ ዓለም ዓቢይ መልእኽቲ ዝብል ሓሳብ ከም እተሰመረሉ ኣፍሊጦም።

ፒረስ፥ ቤተ ክርስቲያን ምስ ድኻታት

ዋና ጸሓፊት ሽማግለ ሓበሬታ ጉባኤ ሲኖዶስ ሺላ ፒረስ እውን ብወገነን፡ ኣብቲ መበል 15 ዓውላ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝተዘተየሎም ኣርእስታት ብተወሳኺ ተራ ደቂ ኣንስትዮን ውፉያን ውልቀሰባትን ዝብል ጠቒሰን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መስርሕ ውሳኔ ድምጸን ከስምዓ ዝብል ምዃኑ ከም እተሰመረሉን ንጉዳይ ግህሰት ንምፍታሕ ዘኽእል ቀጻሊ ህንጸት ክህሉ ዝብል ለበዋ ከም ዝቐረበን ብኻልእ መዳይ እውን ቄስሳውነት ዝብል ሓሳብ ከም እተለዓለን ግህሰት ንምምካት ግብኡ መሓውራት ከም ዘድልን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኹሎም ውልቀ ሰባትን መንሰያትን ህጻናትን ንምክልኻል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ተበግስታት ምድንፋዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰቡ ኣፍሊጠን።

ካልእ ብተደጋጋሚ ዝለዓል ጉዳይ ኣብ ብስነ ኣሃዛዊ እደ ጥበብ ኣብ ዝምርሽ ዘሎ ዓለም ተልእኾ ዝምልከት ኮይኑ፡ እዚ ድማ ንሰባት ሓቀይና ህይወቶም ስለ ዝትንክፍ ጽሩይ ምናብ ክኸውን ከም ዘይክልን፡ ኣስዒበን ጎይታ ዝፈርደና ብፍቕርና እዩ እሞ ቤተ ክርስቲያን ንድኻታት ንምግልጋ ዘለዋ ተልእኾ ዳግማይ ብምርግጋጽ ስለዚህ ጎይታ ዝፈርደና ኣብ ዘሎና ውህሉል ፍልጥት ዘይኮነስ ንድኻታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ዘሎና ፍቕሪ ምዃኑ ከም እተሰመረሉ የመላኽታ።

ካርዲናል ባረቶ ኺመኖ፥ ሓድነት ኣብ ብዙሕነት

ተወላዲ ፐሩ ናይ ሰበኻ ሁኣንካዮ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ዞባ ኣማዞን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኢየሱሳዊ ካርዲናል ፐድሮ ሪካርዶ ባረቶ እውን ይብሉ፥ “እዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ መጀመርታ ኣብ ሰበኻታት ቀጺሉ ኣብ ሃገረ ስብከታት ብደረጃ ሃገርን ኣህጉርን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ከም እተዳለወ ኣዘኽኺሮም፡ ንሕና ዋላ ሓንቲ ኣይንምህዝን - መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ርክስቲያን ዝብሎ ንምስማዕ ኢና ዝተኣከብና፡ ኩላትና ምስ ር.ሊ.ጳ. ንሕና ናይ ሓደ ግዝኣት ሓላፍነት ዘሎና ጳጳሳት ኣብ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓባራዊ ናይ ተሓታትነት ሓላፍነት ኣሎና።

ነቲ ዝተነብረ ተመክሮታት ንምካብ ግን ኣብ ዓሌትን ቋንቋን ባህልታትን ብዙሕነት ዘሎ ሓድነት ኣብ ምንባር ንርከብ። እግዚኣብሔር ሕብረትን ተልኾን ሱታፌን እዩ። በዚ ኸኣ ናይ ሲኖዶስ ተመክሮ ኣብ ሓድነት ኣምላኽ ንዝህሉ ኩላዊ ብዙሕነት የርህወና። ኣብ 52 ዓመት ክህነቶም ካብኡ እቲ 23 ዓመታት ጵጵስናእኦም “ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጎ ብውሽጥን ብደገን ዘጋጥማ ጸገማት ንኽርስቶስን ንደቂ ሰባትን ንምግልጋል ንቕድሚት ትስጉም ምህላዋ እየ ዘስተውዕል” ይብሉ።

ጳጳስ ኣቨርበኽ፥ ንስሓን ሕዳሴን

ኣብ ጀርመን ናይ ሰበኻ ኤሰን ናይታ ሃገር ወተሃደራዊ ስርዓት ጳጳስ ፍራንዝ ጆሰፍ ኣቨርበኽ እውን ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መገልጺ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጀርመን ዝካየድ ዘሎ ሲኖዳውነት መስርሕ መገዲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝተጀመረን ዝሓለፈ ዓመት 2022 ዓ.ም. ዝተዛዘመን ተመክሮ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጀመርመን ሓቢሮም፡ ነዚ መገዲ እዚ ዝጀመርናሉ ምኽንያት ኣብ ጀርመን ብዝተረኽበ ብዝሒ ናይ ግህሰት ገበን ጉዳይ እዩ። እቲ ስራሕ ምስ ማእከላይ ሽማግለ ካቶሊካውያን ጀርመን ብምትሕብባር ዝተፈጸመ ኮይኑ። ካብ ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ጉጅለታት ቤተ ክርስቲያን ወከልቲ ዝሓቁፍ እውን እዩ። እዚ “መገዲ ንስሓን ሕዳሴን” እዚ “ንሕዳሴ ቤተ ክርስቲያናዊ ህይወት ብህጹጽ ዝድለዩ ጸገማት ንምፍታሕ፡ ንዕዮ ቤተ ክርስቲያን ብርእሰ ነቔፈታ ምፍታሽ” ከም ዘድሊ ዘጠቓልል ምዃኑ ገሊጾም፡ “ካብ ምስክርነት ቅዱስ መጽሓፍን ካቶሊካዊ ትውፊትን ጀሚርካ ብውጽኢት ቲዮሎጊያዊ ምርምርን ኣቢልካ ናብ እምነት ምእመናንን ብመንጽር ወንጌል እቲ ክትርጎም ዝግብኦ ምልክታት ዘመንና መልሲ ምሃብ የድሊ ቤተ ክርስቲያን ተኣማንነት ክህልዋ መታን” ኢሎም።

ቲዮሎጊያ ስልጣናዊ ትምህርቲ ወይ ትውፊትን ምልክታት ናይ ዘመን ዘይማእከላይን ዘይዕረቕን ተጋራጫውነት እንተሃልይዎም እዚ ንዝኾነ ሰብ ከእምንን ነቶም ኣብ ጀርመን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ 30 ሚእታዊ ዝኾኑ ንካቶሊካውያን መምርሒ ንምሃብ ኣይከኣልን፡  በዚ ኣጋጣሚ እዚ እቲ ሳላሳ ሚእታዊ ድማ ፕሮቶስታትን እቲ 40 ሚእታዊ ዝሽፍን ድማ ኢኣማንያን” ምዃኑ ይሕብሩ።

ኣርባዕተ ዓውድታታ ኣስተንትኖ፥ ማለት ስልጣን ክህነት ተራ ደቂ ኣንስትዮን ጾታዊ ስነ ምግባርን ዝብሉ ነጥብታት ጠቒሶም፥ ነዞም ጉዳያት ንምጽናዕን ክውሰዱ ዘለዎም ስጉምትታት ዝርዝር ንምሃብን ኣብ ፍራንክፈርት ሓሙሽተ ዓበይቲ ዋዕላታት ተዳልዮም እዮም፡ ውጽኢቱ ድማ ብናይ ጀርመን ጳጳሳት ጉባኤ ብተኸታታሊ ሰነዳት ተሓቲሞም እያቶም።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዳውነት ዝብል መገዲ መሪጻ ኣላ፡ እንተኾነ እዚኦም ብቀኖናዊ ቀያዲ ናይ ሲኖዶስ ውሳኔታት ከም ዘይኮኑ ኣነጺሮም ዝያዳ ክብደት ንኽህልዎም ግን ብውሑዱ ክልተ ሲሶ ጳጳሳት ብዝሃብዎ ድምጺ ጸዲቑ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት 15 ውሳኔታት በዚ ኣገባብ እዚ ተቐባልነት ተዋሂብዎ ኣሎ። . . . ኣስዒቦም ካርዲናል ባረቶ ይብሉ፥ ጳጳሳት ካህናት ሰብ ውፉይ ህይወትን ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ፍጥረትን ምክልኻል ፍጥረትን ናይ ኣማዞን ከባቢ ህዝቢ ብሓባር ዝሰርሓሉ ቤተ ክርስቲያናዊ ጉባኤ ኣማዞን ዘለዋ ክብሩ ተመክሮ ኣብሪሆም፡ ብነቔፈታዊ ኣገባብ ብዝካየድ መርመራን ኣብ ስርዓተ መሰረት ሓቂ ቀዳምነት ዘይብሎም ልምድታትን ባህላውነትን ከይተጣበቕካ ንኢየሱስ ኣብ ማእከል እምነት ምቕማጥ” ኣገዳሲ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ጳጳስ አይቸን፥ ኣብ ‘ፈረንሳዊ ኣማዞን’

ኣብ ፈረንሳ ናይ ግረቦብል ቪየን ሰበኻ ጳጳስ ዣን ማርክ ኣይቸን፣ ኣብ ፈረንሳዊ ኣማዞን ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ወሰናስን ከባቢ ዘጋጥሞም ተመክሮ፥ ኣቲ ከባቢ ብዙሕ ድኽነት ዝረኣየሉ ኮይኑ ግን መንፈሳዊ ምድላይ ክርስቶስን ወንጌሉን ዘተባብዕ ዞባ ምዃኑ ገሊጾም። . . . እቲ ቀንዲ ብድሆ እቲ ከባቢ ሓባራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ስለዚ “ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ማለት ብሓንሳብ ምስትንታንን ቤተ ክርስቲያን አብዚ ኣምር እዚ ከመይ ገይራ ክትቅበሎ ከም እትኽል ምርኣይን” ማለት “ካብ ውሑዳት ሓላፍነት ዝስምዖም ውልቀ ሰባት ዝሓቖፈት ቤተ ክርስቲያን ናብቲ ኩሉ ሰብ ሓላፍነት ምእዋጅ ክርስቶስ ዝስከመላ ቤተ ክርስቲያን ማለት እዩ።” ብሓቂ ኩሉ ሰብ ርእይቶኡ ዝገልጸላ ኣካለ ክርስቶስ ዝኾነት ንኹሉ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ዝመሓላለፍፈሉ እዩ” ኢሎም።

ኣስዒቦም እውን ኣብ ቤት ማሕቡስ ምስ ዝርከቡ እሱራት ቤተ ክርስቲያን ዞባኦም ዘለዋ ተመክሮ ኣመላኺቶም። ኣብኡ ዝቐርብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ . . . ኣብሪሆም ኣስዒቦም እውን ተመክሮ ሓባራዊ ሓላፍነት እውን ጠቒሶም፡ እዚ ህይወት ናይ ሰበኻኦም ኮይኑ ተመክሮ ሲኖዳውነት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ይሕብሩ። ንደቂ ኣንስትዮን ዓለማውያን ምመናን ኣብ ናይ ሰበኻ ሓላፍነት ምስታፍ እዚ እውን ንጳጳስት ዝሕግዛ ሓፈሻዊ ተርኣዳኢት ጳጳስ ክሳብ ዝብል ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነት ዝተዋህበ ከም ዘለዋ እውን የዘኻኽሩ . . .

እናቴ ኒርማሊኒ፥ ቀጻሊ ጉዕዞ

ናይ ሓዋርያዊ ቀረመለሳውያን ደናግል ማሕበር ጠቕላሊት ሓለቓ ኣብ ህንዲ ናይ መላእ ማሕበር ደናግል ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበር ኣደ መንበር ህንዳዊት እናቴ ማሪያ ኒርማሊን እውን ብወገነን፥ እቲ ንሰን ዝመርሐኦ ጉባኤ ገዳምውያን ኣብ ዓለም ዝዓበየ ካቶሊካዊ ጉጅለ ምዃኑን 13 ሺሕ ኣባላት ዝሓቁፍ እዩ ቢለን ነቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ፥ “ጽቡቕን ዘደንቕ ናይ ጉዕዞ ተመክሮ” እንክብላ ገሊጸን፡ ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ ዋላ’ኳ ናይ ባህልን ድሕረ ባይታዊ ፍልልይ እንተሃለወ ብዘይ ፍርሕን ጸቕጥን ንካርዲናላትን ጳጳሳትን ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ መንሰያት ውፉያን ዓለማውያን ምእመናን ከምኡ እውን ንኸምኣን ዝኣመሰሉ ውልቀ ሰባት ተመኩሮታቶምን ሓሳባቶም ብናጽነት ከም ዘካፍሉ ሓቢረን . . . ድሕሪ ሲኖዶስ እውን ሲኖዳውነት ንኹሎም ማሕበረሰባት ዘሳትፍ ቀጻሊ መስርሕ እዩ . . . ነፍሲ ወከፍ ህሞት ናይ ምክፋልን ጸሎትን ንሰላም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጸን መበቆልና ብዘየገድስ ኩላትና ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽ ኢና” ኢለን።

ክውንነት ጸዋዕታ

ብዛዕባ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዲያቆናትን ዝተመርዓዉ ዲያቆናት “ክህነታዊ ግደ ክህልዎም ዘኽእል ተኽእሎታት ኣሎ ዝብል ንዝቐረበ ሕቶ መልሲ ዝሃቡ ካርዲናል ባረቶ፥ እዚ ሲኖዶስ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ጉባኤ ኣማዞን ዝተበጽሐ ተመክሮ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ዞባ 7500 ርብዒት ኪሎ ሜትር 33 ሚሊዮን ደቀባት ዝሓቁፍን ካልኦት 3 ሚሊዮን ድማ ኣብ ትሽዓተ ሃገራት ፋሕ ዝብሉ ደቀባት ከም ዘጠቓልል ኣመላኺቶም። ቅድም ቀዳድም ንኹሎም ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበሉ እትሓቁፍ ቤተ ክርስቲያን ኣማዞን ምፍጣር ዝብል እዩ። ስለዚ ነዚ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይ ዝኾነ ተመክሮ ግምት ምሃብ የድሊ፡ ጀርመናዊ ጳጳስ ኦቨርቤኽ እውን ብወገኖም፥ ኩሎም ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ ጀርመን ዝለዓሉ ሕቶታት እንኮላይ ጉዳይ ግህሰትን እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ሃይማኖት ዝነጽግ ኣናበለ እግዚኣብሔር ዘይፈልጥ ህዝቢ እናበዘሐ ይከይድ ምህላውን ኣብ ጀርመን ልዕሊ ፍርቂ ናይ ፕሮተስታንት ቤተ ክርስቲያን መጋብያን ደቂ ኣንስትዮ እየን . . . ኣብ ጀርመን ካብ 1968 ዓ.ም. እትሒዙ ቀዋሚ ድቁና ኣሎ ብዛዕባ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ድቁናን መጻኢ ህላወአንን ሕቶታት ይለዓል ኣሎ። ቀዋሚ ድቁና ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም መሰል ጥራይ ዘይኮነ ጸዋዕታ እውን እዩ ኢሎም።

ሲኖዶስ ጀርመን ኣብ ልዕሊ እዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ዘለዎ ጽልዋን ማሕታኡን ኣብ ጀርመን እንታይ የምስል ንዝብል ሕቶ፡ እቲ ጦብላሕታ ብመሰረት ጳጳስ ኦቨርቤኽ፥ ኣብ ጀርመን ኣብ ሲኖዳዊ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ዝተገብረ ኩሉ ኣብ ሕብረተሰብ ጽልዋ ከም ዝነበሮ ርጉጽ እዩ ብዛዕባ ብህልትውናን ተራ ቲዮሎጊያ ኣብ ምምላስ ንዝቕልቀሉ ሕቶታት ኣስተንትኖ ከም ዘድሊ ኣመልኪቶም ብዛዕባ ማዕርገ ክህነት ንዝተመርዓዉ ዝብል ሕቶ ንነዊሕ ዓመታት ስጉምትታት ክም ዝተወሰደ ገሊጾም፡ ተመሃር ዘርኣ ክህነት ናብ ዘይህልውሉ ኣንፈት ነብል ዘለና ንመስል እዚ ብድሆ እዚ ቅዱስ ምስጢር ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ምድሓን ጥራይ ዘይኮነስ ምንባርን ህላወን ዝምልከት እዩ እንክብሉ ብዝሃብዎ መልሲ እቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 October 2023, 16:43