ድለ

ሓፈሻዊ ሲኖዶስ፥ ጸሎት ምንቲ ቅድስቲ መሬትን መላእ ዓለም ሓፈሻዊ ሲኖዶስ፥ ጸሎት ምንቲ ቅድስቲ መሬትን መላእ ዓለም  (Vatican Media)

ሓፈሻዊ ሲኖዶስ፥ ጸሎት ምንቲ ቅድስቲ መሬትን መላእ ዓለም

ንፈለማ ግዜ ዋዕላ ሲኖዶስ ብሓንቲ ጓለንስተይቲ ክምራሕ እቲ ዕለት 14 ጥቅምቲ ብኣባል ማሕበር ደናግል ቅዱስ ኾሴ ዘልዮን እናቴ ማርያ ደ ሎስ ዶለረስ ፓለንሲያ ጎመዝ ተመሪሑ ዝተኻየደ ሻምናይ ውዕሎ ሲኖዶስ ክኸውን እንከሎ

ዕለት 14 ጥቅምቲ ተጋባእያን ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ ዘካየድዎ ሻምናይ ውዕሎ ምእንቲ ሰላም ጸሎቶም ከም ዘሐደሱ፥ ናይቲ ሻምናይ ውዕሎ ኣማእኪሉ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ጉባኤ ሲኖዶስ ሽማግለ ጉዳያት ሓበሬታ ኣቦ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ሓቢሮም፥ ተጋባእያን ኣገዳስነት ምስማዕ ብዙሕነት ምቕባል ከምኡ እውን ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ከም ዝመኸረን ከምኡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ምስጢር ገይሩ ዝሕዞ ጉዳይ እውን እንተዘየሎ ይኹን እምበር ምዕቃብን ኣብ ምስማዕን ዘተኮረ ክኸውን ከም ዘለዎ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዕለት 14 ጥቅምቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ተጋባእያን ሲኖዶስ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘጋጥም ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜታትን ኣብ ዓለም ዝተረስዑ ውግኣትን ዘኪሮም፡ ናይ ሓደ ደቒቕ ምእንቲ ሰላም ናይ ጽሞና ጸሎት ከም ዘካየዱን ኣብቲ ሻምናይ ውዕሎ 340 ተጋባእያን ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሻምናይ ዋዕላ ዝመርሓ እናቴ ማርያ ደ ሎስ ዶለረስ ፓለንሲያ ጎመዝ

ንፈለማ ግዜ ዋዕላ ሲኖዶስ ብሓንቲ ጓለንስተይቲ ክምራሕ እቲ ዕለት 14 ጥቅምቲ ብኣባል ማሕበር ደናግል ቅዱስ ኾሴ ዘልዮን እናቴ ማርያ ደ ሎስ ዶለረስ ፓለንሲያ ጎመዝ ተመሪሑ ዝተኻየደ ሻምናይ ውዕሎ ሲኖዶስ ክኸውን እንከሎ . . . ካብ ላቲን ኣመሪካን ካብ ካልኦት ዝተረስዑ ከባቢታት ዝመጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ህጻናትን ንምቕባልን ምሕጋዝን ጽንዓትን ፍቕርን ተወፋይነትን ከም ዘሎን። ነቶም ብዙሕ ግዜ ኣብ ሕብረተሰብ ዝርስዑን ዝግለሉን ሰባት ብዘይ ቅድመ ኩነት ናይ ዝቐርብ ኣገልግሎት ተመክሮአን ሒዘን ኣብቲ ሲኖዶስ ይሳተፋ ከም ዘለዋን ገሊጸን፥ እቲ ሲኖዶስ ድምጺ መንፈስ ቅዱስ ዘቃልሕን ኣዚዩ ትኩር ናይ ምስማዕ መገዲ” ምዃኑ ድማ ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ ኣመላኺተን፡ እቲ ዋዕላ ሲኖዶስ ብጓለንስተይቲ ክምራሕ ንፈለማ ግዜ ከም ዝኾነ ድማ ኣዘኻኺረን፥ ንናይ ደቂ ኣንስትዮም ዓለማውያን ምእመናን ሓባራዊ ሓላፍነት ዝጽውዕ መገዲ እዩ እንክብላ ከም ዝገለጸኦ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናብ ምስማዕ ምልዋጥ

ኣብቲ ሲኖዶስ ዝሳትፉ ዘለዉን ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መገልጺ ዝሓበሩ ናይ ማሕበር ሲታውያን ኣበ ምኔት ኣባ ማውሮ ጁዜፐ ለፖሪ እውን ብወገኖም፥ ነቲ ሲኖዶስ ሶውራዊ መገዲ ማለት ናብ ምስማዕ ምልዋጥ ዝጠልብ ሓቀይና ኣነባብራ እንታይ ማለት ምዃኑ ንኸነስተውዕል ይድርኸና ኣሎ ቢሎም፡ ኣብዚ እንፍትኖ ዘሎና ሓድሽ ሲኖዳዊ ኣገባብ፡ ኩሎም ኣባላት ብሓባር ኣብ መገዲ ከመይ ይጓዓዙ ከም ዘለዉ ተስተውዕል። እቲ ብንኣሽቱ ጉጅለታት ተመዳዲቡ ዝካየድ ዘተ ንምቅርራብን ንምልላይን ዝሕግዝ ከምኡ እውን ልዕሊ ኩሉ ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ንምባል ዘተባብዕ እዩ - ስለዚ እንታይ ክብል እየ ዝብል ዘይኮነስ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ይብል ዘለዎ ኣገዳስነት ዝምስክር እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድምጺ ኣካለ ስንኩላን

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሓበሩ ተጋባኢ ሲኖዶስ ኣብ ስፐይን ክርስቲያናዊ ሕውነት ንኣካለ ስንኩላን ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ማሕበር ኣቦ መንበር ኤንሪከ ኣላርኮን ጋርሲያ እውን ብወገኖም፥ ባዕሎም እውን ሓደ ካብቶም ኣካለ ስንኩላን ከም ዝኾኑን፥ “ቅድም ቀዳድም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ - ኣብ ሲኖዶስ ንኽሳተፍ ስለ ዝዓደሙኒ አመስግን” እንክብሉ ቃሎም ኣበጊሶም፥ እቲ ምስታፎም ድማ ንሽም ዘይኮነስ ንጡፍን ምውሳእ ዘጠቓልል እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ኣካለ ስንኩላን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝግደሱን ብዙሕ ግዜ እውን ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣቃልቦ ክግበረሉ ኣብነት ብምዃን የተባብዑ . . . ኣብ ዓለም ኣካለ ስንኩላን ኣብ ጽላት ዕዮን ቤት ትምህርትን ብዙሕ ግምት ዘይወሃቦም ከም ዝኾኑን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግና ከምኡ ኣይኮነን እቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ዘረጋግጾ ሓቂ እዩ። ኣካለ ስንኩላን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንጡፍ ክፋል ኮይኖም ከም ዝስምዖም ድማ መስኪሮም - ኣባላት ወንጌል ኢና እቲ ሓቀይና ለውጢ ድማ ይረአ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተራ ደቂ-ኣንስትዮ

“ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶሳዊ ዘተ “ብዛዕባ ቅብዓተ ማዕርገ ክህነት ንደቂ ኣስንትዮ ተዘሪቡ ድዩ? ዝብል ንዝቐረበ ሕቶ፥ ኣበ ምኔት ማሕበር ሲታውያን እንክምሉስ፥ እዚ ርእሰ ጉዳይ እዚ ኣብ ሲኖዶስ ዓብላሊ ኣይኮነን፡ ድቁና ደቂ ኣንስትዮ ኣሎ፥ ኣገልግሎት ፍቕሪ ማለተይ እዩ። ብወገነይ እቲ ዘገድስ ኣብ ንጡፍ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ደቂ ኣንስትዮ ዝህልወን ተሳትፎ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሩፊኒ፥ ዕቃበ ደኣ እምበር ምስጢር ዝበሃል የሎን

ናይ ጉባኤ ሲኖዶስ ሽማግለ ጉዳያት ሓበሬታ ኣቦ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ፥ ብዛዕባ ጉዳይ ምስጢራዊ ሰነዳት ብጉጅለታት ተወዳዲቡ ዝካየድ ዘተ መሰረት ዝቐርቡ ሰነዳት ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ኣባላት ሲኖዶስ ናብቲ ዘድሊ ገጽ ክኣትዎም ዝኽእል ናይ ተጠቃሚ ስምን መእተዊ ቃልን ከም እተወሃቦምን ይኹን እምበር ብዝነበረ ናይ ኣጠቓቕማ ጉድለት ዝፈጠሮ ሃጓፍ መሰረት ገለ ገለ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣታት ዝፈነወኦ ሓበሬታ ከም ዘሎን፥ ይኹን እምበር እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ካብ ሲኖዶስ ዝወዘ ብዝብል ኣቀረባብራ ምቅላሕ ዝተጋነ እዩ። ናብ ናይ ሲኖዶስ ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተላእከ ናይ ንኡሳን ጉጅለታት ዘተ ጽማሬ ዝተንከፈ እውን ኣይኮነን እንክብሉ ኣረጋጊጾም፥ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ዕቃበ ደኣ እምበር ምስጢር ዝበሃል ከምነገር የሎን እንክብሉ ሓቢሮም፥ “ናይ ሓባር ምርድዳእ ቦታ ንምሕላው ዝዓለመ ዕቃበ ምስጢር እዩ ዘሎ፥ እዚ ግን “ምስጢራውነት ክንብሎ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ድሌት ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣብ ጸብጻባት ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ስራሕ ኣባላት ንኡሳን ጉጅለ ብውልቂ ዘቕርብዎ ሓሳብ ከም ምስጢር ክሕሎ ኣለዎ ዝብል እዩ” እንክብሉ መብርሂ ከም ዝሃቡ ቫቲካን የመላኽት።

17 October 2023, 09:40