ድለ

2023.10.10 ዶክተር ሩፊኒ፡ እናቴ ሊልያና ፍራንኮ ኤቸቨሪን ካርዲናል ጆሰፍ ዊሊያም ቶቢን 2023.10.10 ዶክተር ሩፊኒ፡ እናቴ ሊልያና ፍራንኮ ኤቸቨሪን ካርዲናል ጆሰፍ ዊሊያም ቶቢን 

ጸብጻብ ውዕሎ ሓምሻይ መዓልቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ

ቤተ ክርስቲያን ከምቲ "ሰብኣውነትና ናቱ ዝገብር፡ ሰብኣውነት ዘኽብር ሓንጎፋይ ቢሉ ዝቕበል ንኻልኦት ማዕጾ ዝኸፍት ኢየሱስ" ክትነብር ድሌት ኣለዋ

ኣቦ መንበር ሽማግለ ሓበሬታ ባይቶ ሲኖዶስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ዕለት 10 ጥቅምቲ ምሸት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ንናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ሓበሬታ ልኡካን ጋዜጠይናታት ብዛዕባ ተጋባእያን ሲኖዶስ ብናይ ስራሕ ጉጅለ ተወዳዲቦም ኣብ ሓምሻይ ውዕሎ ዘካየድዎ ዘተ ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ናይ ሰበኻ ኒው ዮርክ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ቶቢን ኮሎምቢያዊት ድንግል እናቴ ኤቸቨሪ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ሓቀይና ጽባቐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን “ማዕጾኣ ኣብ ክፉት ምዃኑን[ንሰባት ምስ እትቕበልን እዩ” ስለዚ እቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ማዕጾ ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ክፉት ክኸውን ዝሕግዝ ምዃኑ፡ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለዚ ዝሓበሩ ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ናይ ኒው ዮርክ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ጆሰፍ ዊሊያም ቶቢን፥ እቲ ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ካልኣይ ቅጥዒ ናይ መዛተይ ሰነድ ዘተኮረ ከም ዝነበረን እዚ ድማ ከመይ ጌርና ኢና ብዝያዳ ምሉእ ብምሉ ምልክትን መጋበርያን ናይ ሕብረት ምስ ኣምላኽን ናይ ኩሉ ሰብኣውነት ሓድነትን ክንከውን እንኽል? ዝብል ምዃኑን ዕለት 9 ጥቅምቲ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይ ዋዕላ ከምኡ እውን ሰሉስ ዕለት 1 ጥቅምቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ንኡሳን ጉጅለታት ዕዮ ዘተ ምንባሩ ኣፍሊጦም።

ንኡሳን ጉጅለታት ዘተ፥ ካልኣይ ቅጥዒ ናይ መዛተይ ሰነድ

ኣብተን ንኡሳን ናይ ስራሕ ጉጅለታት፡ ተሳተፍቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዛዕባ ትምህርቲ፡ ምህዳር ህብረ-ባህላውነትን ምጉዓዝ ምስ ዝተገለሉን ስደተይናታትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ከም ዝዘተዩን . . . ነተን ኣርእስታት መሰረት ገይሮም ነቲ ብዛዕባ ሓድነት ዝተወፈየ ንኡሳን ክፋላት ቅጥዒ ለ - 1 ዕለት 1 ጥቅምቲ ኣብ ሓምሻይ ዋዕላ ከም ዝዘተዩን ከምኡ እውን ኣብ ሻድሻይን ሻብዓይን ዋዕላ ብዛዕባ እቲ ዝተዘተይሉ ኣርስቲ ኣስተንትኖ ከቕርባ እየን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሩፊኒ፥ ኣብ መንጎ ተጋባእያን ዓቢይ ምክፋል

ዶክተር ሩፊኒ ንሕቶታት ጋዜጠይናታት ክምልሱ እከለዉ፥ ኣባላት ጉባኤ ሲኖዶስ ብፍላይ ኣብተን ንኡሳን ጉጅለታት ዝያዳ ናይ ምዝራብ ዕድላት ከም ዘለዎም ኣስሚሮም፥ “ኣብ መንጎ ኩሎም ተሳተፍቲ ዓቢ ምክፋል ኣሎ፡ ብመሰረት ውልቃዊ ተመክሮይ” ከም ዝበሉን ካርዲናል ቶቢን እውን ኣስዒቦም፥ እቲ ሲኖዶስ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዘቕንዕ ዘሎ ዶ ይመስል? ዝብል ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበ ሕቶ ክምልሱ እንከለዉ፥ “ተጋባእያን ርእሰ ተኣማንነት ኣለዎም፡ ምኽንያቱ ነገራት ካብ ላዕሊ ኣይኮኑን ዝመጹ ዘለዉ፡ ካብ ታሕቲ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ካብ ተሳትፎ ህዝቢ . . . ኣምላኽ፡ ናብ ላዕሊ ድማ ይበጽሕ፡ ስለዚ ምግዳድ ኮነ ትሑዝ ዝብል መስርሕ የሎን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እናቴ ኤቸቨርቲ፥ ገዓር ድኻታት ንሰምዕ

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መገለጺ ዝሓበራ ኮሎምቢያዊት እናቴ ሊልያና ፍራንኮ ኤቸቨሪ ኣባል ማሕበር ደናግል ማሕበረሰብ ቅድስተ ማርያም እመቤትን ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ፈደራላዊ ማሕበር ደናግል ኣደ መንበርን፡ ቤተ ክርስቲያን ከምቲ "ሰብኣውነትና ናቱ ዝገብር፡  ሰብኣውነት ዘኽብር ሓንጎፋይ ቢሉ ዝቕበል ንኻልኦት ማዕጾ ዝኸፍት ኢየሱስ" ክትነብር ድሌት ኣለዋ። ብመንፈስ ምልዋጥ ዝጅምር ዝተፈላለየ ኣገባብ ዝርኢ . . . ነዚ ናይ ሓባር ክብሪ እዚ ብልክዕ ኢና ነለልዮ፣ እዚ ድማ ካብ ምክብባር፣ ሕብረት፣ ሓባራዊ ምስትውዓልን ዝምንጩ ክብሪ ምዃኑ ኩላትና ኣፍልጦ ኣሎና . . . ኣብዚ ሕጂ ንመያየጠሉ ዘሎና ካልኣይ ቅጥዒ መዛተዪ ሰነድ ኣብ ልብና ዝድመጽ ዘሎ ኣውያት ድኻታት ክንሰምዕ ዝብል ጻውዒት ዘቕርብ እዩ። ኣብ መኣድና ገጽ ድኻታት፡ ስደትይናታት፡ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ሰባት ብዘሰጋግሩ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝሳቐዩን ኣብ ማሕበራዊ ምግላል ዝወደቑ ኣብ ወሰናስን ዝርከቡ ገዓሮም ይድመጽ ኣሎ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመራሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ካርዲናል ቶቢን፥ ዝምስጥ ዘተ ህብረ - ባህልታት

ካርዲናል ቶቢን ኣብቲ ንሶምን እናቴ ኤቸቨሪ ብሓባር ዝርከቡሉ ንኡስ ናይ ዘተ ጉጅለ ካብ ሩሲያ ዝመጸት መንሰይ ካብ ዩክሬይን ዝመጸት ኣደ ካብ ጋና ዝመጸ መጋቤ ጴንጠቆስጣዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ማለዢያ ዝመጸ ናይ ናይ ስነ መለኮት ሊቅ ካብ ሲንጋፑር ዝመጸ ኣወሃሃድን ዝርከብዎ ምዃኑ ገሊጾም፥ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕነት ዘለዎ ጉጅለ ምህላወይን ንኻልኦት ክትሰምዕ ምኽኣልን ንዓይ ምቹእ ኩነታት እዩ ዝፈጥረለይ፡” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ከም ካህን ደሓር እውን ከም ካርዲናል ኣብ ሰበኻኦም ዝነብርዎ ክውንነት ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣማራጺ ቤተ ክርስቲያን ሕውነት እዩ! ንኹሉ ቦታ ዘለዎ

ካርዲናል ቶቢን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ናይ ጉስነት ተመክሮኦም ኣካልፊኖም እዮም፡ እዚ ድማ ኣብ ካቴድራል ኒው ዮርክ፥ “ብሰንኪ ጾታዊ ዝንባለኦም ዝተገሉ ከም ነጋድያን ዝመስል ኣቀባብላ ከም ዝረኽቡን፡ ምኽንያቱ ክግለሉ ክእለዩ ዝገብሩ ኣለዉ፡ ‘ጽባቔ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምኽፋት ማዕጾኣ እዩ - ዝያዳ ጽብቕቲ እትኸውን ማዕጽታታ ዝያዳ ምስ እትኸፍት እዩ!’ ዝብል ሓደ ካህን ዝበሎ ሓሳብ እዝክር። ኣብዛ ብሃገራውነት ብጽልኢ ወጻእተይናታት እትልለ ዓለም ዶብ ንምህናጽ ተወፋይነት ዘለዎም መራሕቲ ዘለዉሉ ዓለም - ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣማራጺ ‘ሕውነት’ እዩ። እዚ እዩ ሲኖዳውነት፡ ኩላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና ክንርዳእ ዘኽእለና ኣማራጺ፥ “ንገዛእ ርእስና ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ እንርእየላ ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ሰብ ቦታ ኣሎ” ከም ዝበሉ የመላኽት።

11 October 2023, 15:17