ድለ

2023.10.17 ሲኖዶስ መደብ ዕላል ዘይኮነስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ብኸመይ ክትመላለስ ኣስተንትኖ እዩ 2023.10.17 ሲኖዶስ መደብ ዕላል ዘይኮነስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ብኸመይ ክትመላለስ ኣስተንትኖ እዩ  (Vatican Media)

ሲኖዶስ መደብ ዕላል ዘይኮነስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ብኸመይ ክትመላለስ ኣስተንትኖ እዩ

ፕሮፈሰር ኮህለር ራያን እውን ብወገነን ከምዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ ሕቶታት እኳ እንተሎ ክህነት ንደቂ ኣንስትዮ ዝብል ጉዳይ ሓቀይና ናይ እዋንና ደቂ ኣስንትዮ ድሌታት ዘንጸባርቕ ኣይኮነን . . . ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብዙሕ ይትኮር፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ደቂ ኣስንትዮ እንታይ ከም ዘድልየን ክንርሳዕ ይገብር ኣሎ

ናይ ጉባኤ ሲኖዶስ ሽማግለ ጉዳያት ሓበሬታ ኣቦ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ  ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብዛዕባ ናይ ዕለት 17 ጥቅምት መበል ዓሰርተ ሓደ ውዕሎ ጉባኤ ሲኖዶስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ንናይ ዝተፈላለያ ማዕከታት ዜና ልኡካን መግለጺ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፓውሎ ሩፊኒ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ሲኖዶስ መደብ ዕላል ዘይኮነስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ከመይ ገይራ ክትመላለስ ከም እትኽል ኣስተንትኖ እዩ ዝብል ሃሳብ ከም ዘስመሩሉን እቲ ናይ ሰሉስ ውዕሎ ብዛዕባ ኣገልግሎት ጳጳሳትን ተራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምምሕያሽ ሕገ ቀኖና ክግበር ዘመላኽት ከምኡ እውን ኣበርክቶም ዓለማውያን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ምይይጥ ምካያዱ ኣጉሊሖም፡ ኣብቲ ዝተወሃበ መግለጺ ዝሓበራ፥ ማዕርገ ክህነት ንደቂ ኣንስትዮ ዝብል ጉዳይ ንናይ ሎሚ ደቂ ኣንስትዮ ድሌታት ዘንጸባርቕ ኣይኮነ ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ፡ ዕለት 17 ጥቅምቲ ምእንቲ ሰላም ንማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝተሓተተ ጾምን ጸሎትን ከም ዝሓበሩን ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ራባት ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ክርስቶባል ሎፐዝ ሮመሮ፡ ኣብ ኣውስትሪያ ናይ ብሮከንባይ ጳጳስ ናይ ኦቻይና ፈደራላዊ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ኣቡነ ኣንቶንይ ራንዳዞን ፕሮፈሰር ረነይ ኩህለር ርያንን ካብቶም ኣብ ዓለም ህቡናት ቲዮሎግያ ተባሂሎም ካብ ዝጥቀሱ ናይጀሪያ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኣግቦንክሃኢንመገ ኤማኑኤል ኦሮባቶር ከም ዝሓበሩን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕዳሴ ሕገ ቀኖና

ዶክተር ሩፊኒ፡ ብጉጅለ እተወዳደቡ ተጋባእያን ሲኖዶስ፡ ኣብ ናይ መዛተይ ሰነድ ለ - 2 ‘ሓባራዊ ሓላፍነት ኣብ ተልእኾ’ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ከም እተመያየጡን እዚ ‘ሓባራዊ ሓላፍነት’ ዝብል ቃል ነቲ ኣብ ሕገ ቀኖና ዘሎ ምትሕብባር ዝብል ቃል ክትክእ ዝብል ሓሳብ ከም ዝቐረበን በዚ መሰረት እቲ ዘተ ናብ ጽገና ሕገ ቀኖና ከም ዝመርሕን በዚ ኣጋጣሚ እውን ናይ ሕገ ቀኖና ሊቅ ጳጳስ ራንዳዞ እውን ብወገኖም ገለ ገለ መዳያት ናይ ሕገ ቀኖና “ከከም ድሌት ፍሉያት ማሕበረሰባትን ኩነታትን ክመዓራረ ከም ዝኽልእ” ኣብሪሆም።

ድቁና ደቀ ኣንስትዮን ተራ ደቂ ኣንስትዮን

ድቁና ንደቂ ኣንስትዮ ክፉት ክኸውን ከም ዝኽልን ከምኡ እውን ቅድሚ እዚ ኣርእስቲ እዚ እውን ‘ባህሪ ድቁና’ ክነጽር ኣገዳሲ ምዃኑ ከም እተሓበረን ከምኡ እውን ተራ ደቂ ኣንስትዮ ይብሉ ሩፊኒ - ኢየሱስ ንደቂ ኣንስትዮ ዝሃበን ቦታ እውን ዘኪሮም “እተን ቀዳሞት ትንሳኤ ኢየሱስ ዘበሰራ ደቂ ኣንስትዮ ንዘክር’ ቢሎም ኣብ ባይቶታት ጉስነት ደቂ ኣንስትዮ ክህልዋ እንከለዋ ውሳኔታት ዝያዳ ግብራውን ማሕበረሰባት ዝያዳ መሃዚ ይኽውን  . . . ከም ዝበሉን ‘ገለ ነገር ክዝረበሉ ምስ እትደሊ ደቂ ተባዕትዮ ክትግበር ምስ ኣትደሊ ኣኼባ ደቂ ኣንስትዮ ጥለብ’ ዝብል ምስላ ጠቒሶም፡ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ማእከል ወይ ቀንዲ ኣርእስቲ ደቂ ኣንስትዮ እኳ እንተዘይኮና፡ ነዚ መሰረት ገይረን ፕሮፈሰር ኮህለር ራያን እውን ብወገነን ከምዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ ሕቶታት እኳ እንተሎ ክህነት ንደቂ ኣንስትዮ ዝብል ጉዳይ ሓቀይና ናይ እዋንና ደቂ ኣስንትዮ ድሌታት ዘንጸባርቕ ኣይኮነን . . . ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብዙሕ ይትኮር፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ደቂ ኣስንትዮ እንታይ ከም ዘድልየን ክንርሳዕ ይገብር ኣሎ፡ . . . ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ዓለማውያን ምእመናን ካህናት ጳጳሳት

ኣብቲ ኣብ ንኡሳን ጉጅለ ተወዳዲቦም ኣባላት ሲኖዶስ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ዕዮ ዘተ፥ ኣብ ኣገዳስነት ቁስምስና ብምትኳር እውን ቁምስና ናይ ኣገልግሎት መደበር ዘይኮነስ ናይ ሱታፌ ቦታ ክኸውን ከም ዘለዎን ማሕበረሰብ ቁምስና ኣገልግሎት ዓለማውያን ምመናን ንሕጽረት ካህናት ዝሽፍን እውን እተኾነ ናብ ቄስሳውነት ከየብሉ ከም እተሰመረሉን። ከምኡ እውን ጳጳሳት ንምመናን ብፍቕርን ሓልዮትን ዘሰንዩ ኣቦኣዊ መግለጺ ክኾኑ፡ ሸይላ ፒረስ ዋና ጸሓፊት ሽማግለ ሓበሬታ ሲኖዶስ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ ይሕብራ።

ጳጳስ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ቁጠባዊ ኪደት ሕጋዊ መዳያቱ ዝከታተልን ዘማሓድርን ብቐንዱ ሲኖዶስ ዝመርሕ ክኸውን ዝብል እውን ሓሳብ ከም ዝቐረበ ፒረስ ሓቢረን፡ ካብ ተሓባበርቱን ክኢላታትን ሓገዝ ክረክብ ይኽል ዝብል ሓሳብ ከም እተሰመረሉ የመላኽታ።

ካርዲናል ሎፐዝ ሮመሮ፥ ኣብ ፍርቂ መገዲ ኢና ዘሎና

ብዙሕ ሕቶታት ተላዒሉ እዮ ይኹን እምበር እቲ ባይቶ ሲኖዶስ ኣብ መደምደምታ ኣይበጸሐን፡ እንተወሓደ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ኣይበጻሕናን እዚ ድማ ፍርቂ ናይቲ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ዝጀመረን ኣብ 2024 ዓ.ም. ዝቕጽል ጉዕዞ ጥራይ ምዃኑ ብጹዕ ካርዲናል ሎፐዝ ሮመሮ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡ . . . ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ መንጎ ሰበኻታትን ርእሰ ሰበኻታትን ገዳማትን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ዝተኻየዱ ጉባኤታት የዘኻኽሩ።

ኵለንተናዊ ኣረኣእያ

ፕሮፈሰር ኮህለር ራያን እውን ብወገነን፥ እቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ መሳጢ እንክብላ ገሊጸን፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሲኖዶስ ዝፍጸም ዘሎ ከም ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መጠን እዩ። ብዙሕ ዝተፈላለየ ድምጺ ክንሰምዕ ዕድል ስለ ዝህበ። ብጸሎት ብሓባር ኣብ ምስማዕ ምትኳር ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመልኪተን፥ ‘ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን’ ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ነጥቢ ሲኖዶስ እዩ ቢለን፥ ከም ኩላውነትና ከባብያውነትና ንኸነለልይ ዘብቅዕ እውን እዩ። ኣብ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምቕራብ፡ ስለዚ ነዚ ኩላውነት እዚ ብስነ ኣሃዛዊ ዝማዕበለ መጋበርያ ብምጥቃም እውን ምቅላሕ የድሊ. . . ኣብዚ ግን ክሳብ ሕጂ ናይዚ ምዕባለ እዚ ሕሩጋት ከም ዘለዉ ከይረሳዕና. . .

ኣቡነ ራንዳዞ እውን ብወገኖም፥ ንነገራት ኩሉ ብኤውሮጳዊ ኣገባብ ከይጥመቱ ዝሕግዝ ሲኖዶስ እዩ፡ ማለት ኩሉ ሰብ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ንምብጻሕ ወይ ንኣብነት ናብ ሰበኻ ንምኻድ ዘድሊ ዘይጉዱል መጓዓዝያ ከም ዘሎ ገርካ ዘይምሕሳብ፡ ኩሉ ሓደ ኣይኮነን ስለዚ ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን ኣማኢት ኪሎ ሜትር ዘቋርጽ እውን እዩ . . . እዚ ክልቲኡ ጉዳይዚ ምንባብ ኣገዳሲ ምዃኑ የብርሁ። . . . ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ዕዮ ወይ ናይ ዘተ ጉጅለ ዘለዉ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመጹ እዮም እዚ ዓቢይን በሊሕን ክእለት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘንጸባርቕ እዩ

ሃብቲ ናይ መስርሕ

ኣባ ኦሮባቶር፥ “ኩላውነት ካበይን ደረጃታትን መንን ብዘይገድስ እቲ ናይቲ ሲኖዶስ መስርሕ ጸጋ እዩ። ስለዚ እቲ መስርሕ ካብቲ ውጽኢት ንላዕሊ ኣገዳሲ ክኸውን ምዃኑ ርግጸይና እየ . . . ሓድሽ ኣገባብ ንኽንመሃር ዝመርሓና እዩ . . . ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምስማዕ መስርሕ ክኸውን እዩ ኣብ መስርሕ መመያ እውን ዓቢይ ኣበርክቶ ዝህልዎ ከም ዝኾነን፥ ብዙሕነት ንቤተ ክርስቲያን ሃብቲ ማለት ውህበት እውን ምዃኑ ዘረጋግጽ ዘሎ መስርሕ እዩ ኢሎም።

ጽልኢ ወይ ምስሕሓብ ዘይብሉ

ፍልልይ ከም ጽቡቕ ባህርይ ክትርእዮ ዘተባብዕ ብሓቂ ኣብ መንጎ ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ዝቕልቀል ብዙሕ ‘ፍልልያት’ ኣሎ እንተኾነ ግን ካርዲናል ሊፐዝ ሮመሮ፥ “ኣብ መንጎ ውድባት ዝፈጥር ግጭት ፈጺሙ ዘይህልወሉን ስነ መጎታዊ ሓሳብ ምቕራብ እምበር መልሲ ንምቕራብ ዘይህወኽ ኣካይዳ ሲኖዶስ የድንቑ።

ሲኖዶስ ንጋዜጠይናታት ወይ ንገለ ገለ ሕቶ መልሲ ንምሃብ ዝካየድ ኣይኮነን ካብ መስርሕ ቤተ ክርስቲያን ዝምንጩ ምስትውዓል ቤተ ክርስቲያን ዘዳልዎ እዮ። ስለዚ ሲኖዶስ ናይ ቤተ ክርስቲያ ናይ ምስትውዓል ምልክት እዩ ይብሉ።

ጉባኤ ሲኖዶስን መራኸቢ ብዙሓንን

ሓደ ጋዜጠይና ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበረሰብ ሓደኣዎ ጾታን ዝምልከት ዘቕረቦ ሕቶ፥ እዚ ናይ ምደባ ጉዳይ ኣይኮነን ኣንታይ ደኣ ናይ ምምኽኻርን ሓሳብ ናይ ምልውዋጥን ኣርእስቲ ምዃኑ ፓውሎ ሪፊኒ ገሊጾም፥ ስለዚ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ምምኽካርን ምስማዕን እዩ። መድብ ዕላል ወይ ናይ ዕላል ምርኢት ኣይኮነን . . . እዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ናብ ህዝቢ እግዚኣብሔር ተመሊሱ ዝለኣኽን ስዒቡ ካልእ ጉባኤ እውን ክካየድ እዩ። ድሕሪኡ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ክቐርብ ምዃኑ እውን የዘኻኽሩ። ስለ ከምቲ ካርዲናል ሎፐዝ ዝበለዎ፥ “ትዕግስትን ተስፋን” ዝሓትት ነዊሕ መስርሕ እዩ እንክብሉ ነቲ መደብ ጋዜጣዊ መገልጺ ይዛዝሙ።

19 October 2023, 15:58