ድለ

TOPSHOT-NICARAGUA-RELIGION-TRADITION-CHINEGRO TOPSHOT-NICARAGUA-RELIGION-TRADITION-CHINEGRO  (AFP or licensors)

ቅዱስቲ መንበር ነቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ካብ ኒካራጓ ዝመጹ 12 ካህናት ተቐቢላ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና አማሓዳሪ - ቅድስቲ መንበር ኣብዚ ነቶም ካብ ኒካራጓ ካብ ቤት ማሕቡስ እተፈትሑ 12 ካህናት ተቐቢላ ቦታ ብምሃብ አብ ሰበኻ ሮማ ናይ አገልግሎት ተልእኾ ከም ዝሃበቶም አረጋጊጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና አመሓዳሪ ማቴዮ ብሩኒ አብ መግለጺኡ - "ቅድስቲ መንበር ካብ ኒካራጓ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኻብ ቤት ማእሰርቲ እተፈትሑ 12 ኻህናት ክቕበል ከም እተሓተተት ከረጋግጸልኩል እኽል ኢየ። ቅድስቲ መንበር ድማ ነቲ ዝቐረበላ ሕቶ ተቐቢላቶ አላ" በለ።

እዞም ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅዱስቲ መንበር ዝኾኑ ማትዮ ብሩኒ ጋዜጠኛታት ንዝሓተትዎ ሕቶታት መልሲ አብ ዝሃቡሉ፦

ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ አብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ በዓል መዚ ስነስርዓት ተቕባል ከም ዝገብሩሎም አፍሊጡ፣ ኣብ ሰበኻ ሮማ ድማ አብ እተፈላለየ ቦታት ከም እተአንገዱ ገሊጾም ።

20 October 2023, 16:43