ድለ

2023.11.21 ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ መጋበርያ ተስፋ እዩ! 2023.11.21 ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ መጋበርያ ተስፋ እዩ! 

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ መጋበርያ ተስፋ እዩ!

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ቅዋሜ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን ዝምድናን ቅድስቲ መንበርን ደቡብ ኮርያን ካብ ዕለት 20 – 23 ሕዳር ኣብ ሰውል ምብጻሕ የካይዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር መበል 60 ዓመት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ደቡብ ኮርያን ንምኽባር ኣብ ደቡብ ኮርያ ዕለት 20 ሕዳር ዑደት ከም ዝጀመሩን። በዚ ምኽንያት እዚ ዕለት 21 ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “60 ዝብል ቁጽሪ ኣብ ባህሊ ኮርያ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑን እዚ ማለት ድማ ናብ ሓድሽ ናይ ሕይወት ዑደት ምሕላፍን ዝዓበየ ናይ ምልኣት ምዕራፍን” ዝብል ምዃኑን ወሲኾም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “እዚ ቁጽሪ እዚ ንምሉእ ፍጻሜ ዝግበር ምድላው ዘመልክትን ሓሳብ ሓድሕድ ምድግጋፍን ምትስሳርን ዝውክል” ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዝኽሪ ከም ምስጋና እዩ

ሊቀ ጳጳስ ጋላገር እዚ መበል 60 ዓመት ምስ ምዝዛም ብመንግስቲ ኮርያን ጳጳሳትን ዝድገፍ ውጥናት ምርምርን ምዕቃብን ማህደር ኣብ ዝተዛዘመሉ እዋን ዝካየድ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። እቲ ውጥን ኣብ ሓዋርያዊ ቤተ መዛግብቲ ቫቲካን፣ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍትን ኣብ ሴኡል ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ዝተዓቀቡ ሰነዳት ዝምልከት እዩ።

ሊቀ ጳጳስ ነቲ ዝሓለፈ ስሳ ዓመታት ታሪኽ ዳግም ገምጊሞም፡ ኣብዚ ናብ ደቡብ ኮርያ - ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1984ን 1989ን፡ ከምኡ’ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ 2014 - መራሕቲ ሃገራት ኮርያ ናብ ቫቲካን ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ቅድም ክብል ኪም ዳይ-ጁንግ ኣብ 2000 ከምኡ’ውን ሙን ጃይ-ኢን ኣብ 2018ን 2021ን ምዃኑ ዘኪሮም።

ኣብዚ እዋን እዚ ሊቀ ጳጳስ ጋላገር ኣብ ኮርያ ወንጌል ብዓቢ ህያውነት ሱር ዝሰደደ ምዃኑን ሎሚ ንብዙሓት ልኡካነ ወንጌል መበገሲት ቦታ" ኮይና ከምዘላን እቲ መጽናዕታዊ ውጥን ነቲ ሽዑ ሊቀ ጳጳስ ሮንካሊ ናይ መጻኢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23 ኣብ 1948 ንልኡኽ ኮርያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝሃብዎ ሓገዝ ዝምልከት ሰነዳት እውን ዘጠቓልል ከም ዝኾነን፡ ሊቀ ጳጳስ ሮንካሊ ንሪፓብሊክ ኮርያ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ንኽወሃባ ርእይቶ ዝሃቡ እውን ምዃኖም ከም ዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ፥ ምልክት ተስፋ

ቀጺሎም ሊቀ ጳጳስ ጋላገር ሕሉፍ ምዕቃብን ምዝካርን "ናይ መጻኢ ተስፋን ብድሆታትን" ንምግጣም ካብኡ ጸጋታት ናብ ምውሳድ እንተ ዘይመርሐ መኻን ንጥፈት ኮይኑ እዩ ዝተርፍ እንክብሉ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡

ቅዱስ ኣቦና "ሳልሳይ ኲናት ዓለም እናተኾላለፈ ዝካየደሉ እውን ንነብር ኣሎና ዝበለዎ ሓሳብ ዘኪሮም፡ ከም ቅድድም ኣጽዋር ውግእን፡ ኒዩክለራዊ ስግኣትን ግብረሽበራን ዝኣመሰሉ ተርእዮታት፡ "ቤተክርስትያንን መሓውራት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ብሓደ ዕማም ዝጥርነፍ እዩ" እዚ ድማ ምልክት ተስፋ ምዃን ዝውክል ከም ዝኾነን ። ኲናት ዘይሃድም ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ብዘተ ክስገር ከም ዝኽእል ዘረጋግጽ እዩ”።

በዚ ኣረኣእያ እዚ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ "ኣብ ኣገልግሎት ሓባራዊ ህይወት ደቂ ሰባት ዝውዕል መሳርሕን ኣብ ኩሉ ዝከኣል ኣጋጣሚታት ነቲ ናይ ሓባር ባህጊ ምርግጋእን ድሕነትን ሰላምን ደጊሙ ዘረጋግጽ ድምጺ" ይኸውን። ሰላም ግን ናይ ሓይልታት ሚዛን ጥራይ ዘይኮነስ ሓቀኛ ሰላም፣ ኣብ ፍትሒ ዝተመስረተ እዩ።

ሊቀ ጳጳስ ጋላገር ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ደቡብ ኮርያን "ኣብ ልዕሊ ህሉውን መጻእን ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኤስያ ዝረአ ዘሎ ዓበይቲ ብድሆታት ኣብ ምግጣም" ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምትሕብባር ተስፋኦም ብምግላጽ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 November 2023, 15:49