ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን ንሰላም ዘተ ከም ዘድሊ ይጉልሑ ካርዲናል ፓሮሊን ንሰላም ዘተ ከም ዘድሊ ይጉልሑ  (AFP or licensors)

ካርዲናል ፓሮሊን ንሰላም ዘተ ከም ዘድሊ ይጉልሑ

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኲናት ኣብ ዘላ ዓለም ዘሎ ህልው ምዕባለታት የስተንትኑ፡ ቅዱስ ኣቦና ብሰንኪ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘሎ ስቓይ ብርቱዕ ሓዘን ይፈጥረሎም ከም ዘሎ ዕለት 22 ሕዳር ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ከም ዘስመሩሉን እቲ ዘሎ ግጭት ድማ “ውግእ ዘይኮነስ ግብረ ሽበራ እዩ” ዝብለዎ ቃል ኣማእኪሎም ርእይቶኦም ይህቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 23 ሕዳር ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 90 ዓመት ህልቂት ሆሎዶሞር መስዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ምዕራጎም ኣብቲ ስፍራ ካብ ዝተረኽቡ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም፡ እዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝበልዎን ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ቅድስቲ መንበር ዘለዋ ንጹር መርገጺ፡ “ብኹሉ መዳይን ምስ ኩሉን ፍትሓዊት ክትከውንን ከምኡ እውን ስቃይ ኩሉ ሰብ ኣብ ግምት ከተእትው እትጽዕር ምዃና ዘረጋግጽ እዩ። ነቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቓዕትን ስቓይ ፍልጥኤማውያንን ኣፍልጦ ትህብ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ውግእ ምኽንያት ንዝሳቐዩ ዘለዉ ኵሎም ቅርበት ድማ የጉልሑ።

ዘተ ክብገስ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ ካርዲናል ፓሮሊን ክምልሱ እንከለዉ፥ እቲ ዘተ መፍትሒ ንምርካብ ኣብ ዝገበር ጻዕሪ ኣበርክቶ ክገብር ከም ዝኽእል ዘለዎም እምነት ገሊጾም፥ ጅሆ ዝተተሓዙ ናጻ ክልቀቑን ስቓይ ፍልስጥኤማውያን ከበቅዕን ደጋጊሞም ጻውዒት የቕርቡ። ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ ዝሕግዝ እውን ምዃኑ እኣምን” ኢሎም።

ብዛዕባ ናብ ሩሲያ ዝተወስዱ ዩክራይናውያን ህጻናት

ናይቶም ናብ ሩሲያ ዝተወስዱ ህጻናት ዩክሬይን ብዝምልከት ካርዲናል ዙፒ ልኡኽ ሰላም ር.ሊ.ጳ. ናብ ሞስኮን ኪየቭን ምብጻሕ ከም ዘካየዱን እዚ ጉዳይ እዚ መፍትሒ ክረክብ ድማ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ፡ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብን ውጽኢታቱን ካርዲናል ዙፒ ኮነ ባዕሎም ካርዲናል ፓሮሊን ዓቢ ጥንቃቐ ዝገብሩ እውን እንተኾኑ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ግን ምዕባለ ዘለዎ ምዃኑ ኣስተብሂሎምን ኣረጋግጽ ቢሎም፡ ርእሰ ብሔር ቭላድሚር ፑቲን ኲናት ደው ክብል ዘቕረቦ ጻውዒት ዝእመን ድዩ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ እክምልሱ፥ ዝእመን ክኸውን፡ ተኣማንነት ዘለዎ ክኸውን ተስፋ እገብር” እንክብሉ መልሲ ሂቦም።

ስክፍታታት ጸረ ሴማውነት

ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ ካብ ምጅማር ግጭት ሓማስን እስራኤልን ስዒቡ ዝተፈጥረ ማዕበል ጸረ - ሴማውነት ስክፍታታት ከም ዘሎን ብዛዕባ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻሜታት ብዕምቆት ከም ዘተሓሳስቦም ኣረጋጊጾም። “ካብቲ ‘ዘለናዮ ዘመን’ ዘርስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ጀሚርካ ብርግጽ ድሓር እውን ስዒቡ ብዝቐርብ መርገጺ እቲ ጉዳይ ኣብ ሕቶ ዝኣትው ኣይኮነን በቲ ዝፍጠር ጸገም እውን ዝጽለው ኣይኮነን፡ ምስ በሉ ስዒቢ ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ እዚ እውን ብዛዕባ ምትግባር ስምምዕ እስራኤልን ሓማስን ዝምልከት ክኽውን እንከሎ፡ ዝርአ ዘሎ ምድንጓይ ትግባረ ስምምዕ ከም ዘተሓሳስቦ ገሊጾም፡ ስለዚ እቲ ስምምዕ ክቕጽል ዘለዎም ተስፋ እውን ኣጉሊሖም፡ ንጉዳይ ጅሆ ዝተተሓዙ ምፍታሕ ኣብ ደረጃ ምርግጋእ ምብጻሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ይገልጹ።

ኣገባብ ቅድስቲ መንበር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክጠቕሱ እንከለዉ “ግብረ ሽበራ” ዝብል ቃል ብምምራጾም ነዚ ስዒቡ ዝወሃብ ዘሎ ነቐፌታት ኣማእኪሎም፥ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ነቐፌታታት ዘይፍትሓዊ እንክብሉ ገሊጾም፡ ስለዚ ቅዱስ ኣቦና ዝተጠቀምሉ ቃል እቲ ካልኦት ቅዱስነቶም ክብልዎ ዝደልይዎ ዘስምዕ ኣይኮነ” እንክብሉ ርእይቶኦም ይህቡ።

ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ዓለማዊ ተርእይቶታት ብዛዕባ ሰላም ኣብ ዝዘተየሉ ኩነታት ካርዲናል ፓሮሊን ቅድስቲ መንበር ኣብ ግርጭታት ዘለዋ ኣቀራርባ ወትሩ ነቐፌታ ከም ዘጋጥማ ድማ ኣሚኖም፡ ናይ ገለልተይናነት መርገጺ ምሕላውን ንኽልቲኡ ወገን ምዝርራብን ዝብል መርገጺኣ ዘጋጥሞ ብድሆታት እዩ እንክብሉ ኣጉሊሖም።

ወሲኾም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ቅዱስ ኣቦና ክበሃል ዘለዎ ካብ ምዝራብ ንድሕሪት ኣይምለሱን እዮም እዚ እውን ኣገባብን ቅድን ቅድስቲ መንበርን ከም ዝኾነ እውን ኣብሪሆም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

24 November 2023, 16:22