ድለ

2023.10.16 Panorama di Roma 2023.10.16 Panorama di Roma 

'ሓድሽ ኮሚሽን ሰማእታት' ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተልእኾኡ

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳይት አዋጅ ቅድስና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈ ነቲ ብ2025 ክካይድ ተአዊጁ ዘሎ ዓመተ ኢዮቤል ኣብ ግምት ብምእታው አብ መንጐ እቶም ብቤተክርስቲያን አፍልጦ ዝተሃህቦም ልዕሊ 550 ሰማእታት ዝኾኑ ብዛዕባ ሰማዕትነቶምን አገልግሎቶምን ሜመያ ንምክያድን ንዓሞም ሜላታትን ተጸምዶን ንምግምጋም ኣኼባ አካይዱ።

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳይት አዋጅ ቅድስና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈ ነቲ ብ2025 ክካይድ ተአዊጁ ዘሎ ዓመተ ኢዮቤል ኣብ ግምት ብምእታው አብ መንጐ እቶም ብቤተክርስቲያን አፍልጦ ዝተሃህቦም ልዕሊ 550 ሰማእታት ዝኾኑ ብዛዕባ ሰማዕትነቶምን አገልግሎቶምን ሜመያ ንምክያድን ንዓሞም ሜላታትን ተጸምዶን ንምግምጋም ኣኼባ አካይዱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለተ 9 ሕዳር እቲ "ሓድሽ ናይ ሰማእታት - መሰካኽር ናይ እምነት ኮሚሽን " ነቲ ናይ 2025 ዓመተ ኢዮቤል ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ እተዋህቦ ዕማም ከም ዚዓዪ ንምግባር ብመሰረት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ሕቶ፣ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት አዋጅ ቅድስና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት አኼባ አካይዱ ።

ብመሰረት እቲ ኻብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን እተላእከ ሓበሬታ ብዛዕባ እቶም ግዳያት ስደት ክርስትና ዝኾኑ እተገብረ መጽናዕቲ ኸምኡውን ነቲ ዓለማውያን ምእመናንን ጓሶት ነፍታሳትን ሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብኡትን ኣንስትን ህይወትም አሕሊፈሎ ብሃብ ንዝፈጸምዎ ጅግንነት፣ እቲ ፊደስ እተሰምየ ትካላትን ካልኦት ትካላትን ብዝገበርዎ መጽናዕጥታት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቲ ብጳጳሳትን፣ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን፣ ከምኡ ውን በቶም ንዝኽርታት እዞም ሰማእታት እዚአቶም ዓቂቦም ዝርከቡ ሰባትን አብ ግምት ብምዕታዉ ሓድሽ መስርሕ ሜመያ ከም ዘካይዱ ተገሊጹ።

እቲ ኣብዚ ናይ መጀመርታ ደረጃ ናይዚ ተልእኾ ዝግበር ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት፣ ነቶም ካብ 2000 ዓ.ም. ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ንወንጌል ብምንባር ብእተፈላለየ መገዲ ህይወቶም አሕሊፎም ዝሃቡን ወይ ውን ብሰማዕትነት ዝሓለፉን ክርስቲያን ዝዝክር ክኸውን ኢዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ 550 ዝዀኑ ናይዞም ሰማዕታት ኩነት ሞቶምን ብቤተ-ክርስትያንን ብህዝቢ ኣምላኽን ዝገብርዎ ኣገልግሎትን ፍሉጣት ዝኾኑ አለዉ ። ኣብዚ እዋን እዚ አብ ተልእኾ ናይዚ ኮሚሽን ንምስታፍን ኣገዳስቲ ሃበሬታትት ንምትሕልላፍን ዘገልግል ሓደ መርበብ ሓሬታ ኢንተርነት ተዳልዩ ኣሎ ።

ተጸምዶን ሜላታትን

እዚ ኮሚሽን እዚ ዘካይዶም ተጸምዶንን ሜላታትን እንታይ ምዃኖም ብንጹር ተዘርዚሮም ድማ ይርከቡ።

አብዚ መጽናዕቲ እዚ ብፍላይ ድማ ነቲ ምፍሳስ ደምን ህያብ ህይወትን ዝተፈጸመሉ ኣህጉራውን ዞባውን ሃገራውን ኵነታት ምስናድ አብ ዝምልከት፣ ካብ ኣባላት እቲ ኮሚሽን ወጻኢ ዝግበር ምትሕብባር እውን ተሓሲቡ አሎ ። መብዛሕትኦም ምእመናን አባላት ካቶሊካውያን ኣብያተ-ክርስትያን ምብራቕ  ዝገበርዎ ኣበርክቶ ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን እስያን ዘተኰረ ክኸውን ኢዩ።

ሰማእነት አብ ሕብረት አብያተ ክርስቲያን ዘለዎ አገዳስነት አብ ግምት ብምእታው ውን ነቲ ክርስትያን ምእመናን ናይ ካልኦት አብያተ ክርስቲያናት ውን ከይተረፈ ዚህብዎ ምስክርነት አገዳሲ ምዃኑ አተኵሮ ተዋሂቡሉ አሎ ።

ነቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳይት ኣዋጅ ቅድስና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ወኪሎም አቦ መንበር ናይዚ ሓድሽ ኮሚሽን ዝኾኑ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ አቡነ ፋብዮ ፋበን፣ እዚ ኮሚሽን እዚ ንዝተዋህቦ ተልእኾ ንምፍጻም ዘድሊ መሳርሒታት ማለት ሰብኣውን ንዋታውን ሓልዮት ከም እተገብረሉ ገሊጾም ።

ብርሃን ተስፋ

ምስ ምክትል አቦ-መንበር ናይዚ ኮሚሽን ብምኳን ፕሮፌሰር ኣንድርያ ሪካርዲ ብሓባር ኮይኖም ነቲ ኣቐዲሙ እተገብረ መጽናዕትታት ዳግመ ግምገማ አካይዶምሉ እዩም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ አብ መጻኢ ዝግብር ምርምራት እማሜ ዘቕርብ  ርእይቶታት አቕሪቦም ይርከቡ።

"ስለዚ ብናይ ምትሕብባር መንፈስ ናብ ልቢ እቲ ክካየድር ተወሲኑ ዘሎ ዳህሳስ ህይወት እቶም መሰኻኽር ወንጌል ዝኾኑን ሰማዕትነቶምን ከምኡ ውን ምስቲ ብህይወቶአም ምእንቲ እቶም ድኹማት ዝመስከርዎ ፍቕሪ፣ ንሰላም ዝገርዎ ዳህሳስን፣ ነቲ ስቃይ ዝመልኦ ምስቲ እኩይ ዝገበርዎ ቃልስን በዚ ኸምዚ ድማ እምነቶም ከይከሓዱ ምስ ዝሃብዎ ምስክርነት ንምርኻብ ተዳሊና አሎና” ዝብል ሓሳባት አመሓላለፉ ። እዞም ሰማዕታት ብርሃን ተስፋ ከምኡውን ነቲ ዝለዓለ መኽሰብ ናይ ህይወት ዝኾነ ሓድነት ሰብኣዊ ስድራቤትን ከምኡውን ኣጽዋር ንዘይብሎም ሓይሊ ክርስትናን ዘምልክቱን ዝጽውዑን ትሑትት ግን ከኣ ክኢላታት ድምጺ ወንጌል ኢዮም ።"

14 November 2023, 17:58