ድለ

2021.02.01 Progetto dicasteri: Dottrina della fede 2021.02.01 Progetto dicasteri: Dottrina della fede 

ቅድስቲ መንበር ሰዓብቲ እምነት ካቶሊኽ አብ ማሕበራት ማሳውያን ከይሓብሩ ግዙታት ምዃኖም ኣረጋገጸት

ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳይት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብስምረት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንናይ ፊሊፒንስ ጳጳስ ዘቕረብዎ ሕቶ መልሲ ብምሃብ ካቶሊካዊ እምነት ምስ ማሕበር ማሳውያንን ዘይቃዶ ምዃኑ ዳግም ኣረጋገጸ።

ኣባ ተወልደ ምብራህቱ - ሃገር ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት በቲ ብብፁዕ ካርዲናል ቪክቶር ፈርናንደዝ ዝተፈረመን በቲ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘጽደቅዎ ሰነድ፣ ካቶሊካውያን ምእምናን አብ ማሕበራት ማሳውያን ክሓምብሩ ከም እተኸልከሉ ኣረጋገጹ ።

እዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ነቲ ጳጳስ ናይ ሰበኻ ዱማንጉወት ፍሊፒንስ ብፁዕ ኣቡን ጁልቶ ኮርተስ ዘቕረቦ ሕቶ፣ ትማሊ ረቡዕ ዕለት 15 ሕዳር መልሲ ሃበሉ ።

"[ኣቡን ኮርተስ] ቍጽሪ ኣባላት ማሕበር ማሳውያን አብ ሰበኻኦም እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላው፣ ነቲ ኣብ ሰበኻኦም ዘሎ ብሻቕሎት ድሕሪ ምግላጽ፣ ነቲ ሰረተ-እምነታዊ አቕዋም ኣብ ግምት ብምእታው ብዓይኒ ሓዋርያዊ ጉስነት ነዚ ሓቂ እዚ ብኸመይ ብኣግባብ ክሕዝዎ ከም ዘለዎም ርእይቶ ሓተቱ።"

እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት አብ ዝሃቦ ምላሽ ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳስት ፍሊፒንስ አብዚ ኩነታት እዚ ዝገብርዎ ተሳትፎ አገዳሲ ምኹኑ ይጠቅስ አባኡ ድማ " ክልተ ኣገባባት ዘጠቓልል ብነፍስወከፍ ጳጳስ ሰበኻ ዝተዋደደ ሜላ-ትግባሬ  አድላዪ ምዃኑ ይሕባር።"

እቲ ቐዳማይ ናይ ኣቀራርባ ሜላ ነቲ ሕቶ አብ ደረጃ ዓንቀጽ-እመነት አልዒልካ ምንጻሩ፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ከም ዘመልከቶ - "ሓደ ምእመን አብ ማሕበር ማሳውያን ንጡፍ ኣባል ኮይኑ ምስታፍ ፍጹም ክልኩል ኢዩ፣ ምኽንያቱ ካቶሊካዊ ዓንቀጽ-እምነትን ማሳውነትን ምንም አይሳነን ኢዩ።" (cf. ናይ 1983 ናይ ቅድስሪ መንበር ብዛዕባ ጉዳይት እመንት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብዘዕባ ማሕበራት ማሳውያን ዘውጽኦ አዋጅ ርአ) ከምኡውን ምስቲ ብቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳስት ዝወጸ መምርሒታት ዘይቃዶ ብምዃኑ ይገልጽ ።

ስለዚ እቲ ዝተዋህበ መልሲ ከምዚ ይብል - "እቶም ብወግዒ ዀነ ደይመደይ ኢሎም ኣባላት ማሕበራት ማሳውያን ዝዀኑ ንስርዓታት ማሳዋያን እውን እተቐበሉ፣ ብመሰረት እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣዋጅ ተገዚቶም ኢዮም ። እዚ ስጕምቲ እዚ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ማሕበር ማሳውያን ዝተመዝገበ ወላውን ንካህናት ዝምልከት ኢዩ።"

እቲ ኻልኣይ ኣቀራርባ ኸኣ ጳጳስት ፊሊፒንስ "ኣብ መንጎ ካቶሊካዊ እምነትን ማሕበር ማሳውያንን ዘሎ ፍልልያት ዘነጽር ትምህርተ ክርስቶስ አብ ኩለን ቁምስናታት ክካይድ ብመደብ ሒዞም ክሰርሑሉ" ከም ዘለዎም ዝሕብር ኢዩ። ከምኡ ውን አድላዩ እንተ ደአ ኾይኑ ብጹዓን ጳጳስት ፊሊፒንስ ብመንገዲ ዕላዊ አዋጅ  ነዚ ጕዳይ እዚ ንህዝቢ ከፍልጥዎም ተሓቲቶም አለዉ።

እቲ ኣብ ሕዳር 1983 ዝወጸ ኣዋጅ ቅድሚ እቲ ሓድሽ ሕገ ቆነና ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ ተሓቲሙ ። እቲ ብ1983 ዝወጸ ሓድሽ ሕገ ቆኖና ነቲ አቐዲሙ እተሓትመ ሕገ ቆኖና ላቲናዊት ቤተክርስቲያን ተኪእዎ ኢዩ፣ ገለ ካብቲ ሓደስቲ መዳያት እተጠቕሱ - ነቲ ሰባት ብዕግበት ገሊኣቶም ከኣ ብሻቕሎት ዝተቐበልዎ ውሳኔታት ብዛዕባ ማሕበራት ማሳውያን ንጹር ኵነኔ ዘይምህላዉን፣ ነቶም አባኡ ዝሓበሩ ፍጹም ግዘት ብዘይምንባሩን ኢዩ ዝነበረ ። እዞም ክልተ ጸግማት ድማ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ሕገ ቆኖና ተጠቂሶም ይርከቡ ። ይኹን እምበር እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ህየንተ ናይዚ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እነት ዝሓሊ ነበር ቅዱስ ማሕበር ብብፁዕ ካርዲናል  ጆሴፍ ራትዚንገርን ብጸሓፊ ናይቲ ሓዋርያዊ ማሕበር  ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ዠሮም ሃመርን ዝፈረምዎን ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ብዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝጸደቐን ኣዋጅ፣ እቶም አብ ማሕበራት ማሳውያን ዝአተዉ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኣብ ኩነት “ዓቢይ ሓጢኣት" ከም ዘለዉ ዘረጋግጽ ኢዩ።

16 November 2023, 22:00