ድለ

2021.01.14 Monastero Mater Ecclesiae, Giardini Vaticani, città del Vaticano, papa Benedetto xvi 2021.01.14 Monastero Mater Ecclesiae, Giardini Vaticani, città del Vaticano, papa Benedetto xvi  (Copyright by Bernard Bialorucki)

ገዳም እመ ቤተክርስቲያን (Mater Ecclesiae) ቫቲካን መንበሪ እተን ዜስተንትና ደናግል ኰይኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንማሕበር ደናግል አቡነ ቡሩኽ ኣርጀንቲና ኣብቲ ልሒቕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ብ2013 ካብ መንበሮም ምስ ወረዱ ን10 ዓመታት ዚኣክል ዝቕመጡሉ ዝነብሩ ገዳመ እመ ቤተክርስቲያን (ማተር ኤክለስያ) ክቕመጣን ከገልግላን ፈቐዱለን።

ኣባ ተወልድ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ማእከል ስፍራ ኣታኽልቲ ቫቲካን ዚርከብ "ገዳም" መንበሪ ልሒቕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ዝነበረ ገዳመ እመ ቤተክርስቲያን ነቲ ቀንዲ ዓላማኡ አብ ምግልጋል ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ንቅዱስነቶም ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶምን ንመላእ ቤተ ክርስትያን ንምድጋፍ ብጸሎትን አምልኾን ብውዳሰን ካሕሳን ማለት ብህድኣትን አብ ብጸሎት ጽሞናን ተጸሚደን ንዘገልግላ መነኮሳን ደናግል" ከም መንበሪ ዀይኑ ኼገልግል ሓቲቶም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ውሳነ እዚ በታ ብዕለት 1 ጥቅምቲ ናይዚ ዓመት እዚ ብኢድ እተጻሕፈት መልእኽቶም አቢሎም ከም ዝኣወጅዎን፣ ዝሓልፈ ሰኑይ ዕለት 13 ሕዳር ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን  ዝወጾ መግለጺ አፍሊጡ ።

እቲ መግለጺ ከም ዚሕብሮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዘን አባላት ገዳመ መነኮሳት ደናግል አቡነ ቡሩኽ ዘቅድስቲ ስኮላስቲካ ካብ ቪክቶሪአ፣ ቦናስ አይረስ አርጀንቲና ሰበኻ ቅድስ ኤሲዶሮ ጸውዕወን፣ ንሳተን ድማ "ነዚ ጻውዒት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብልግሲ ተቐቢሎምዎ አለዋ።" ክብል እቲ መግለጺ የመላኽት።

መንበሪ ልሒቅ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ዝቐደሙ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ ብዕለት 25 መጋቢት 1994 ዘውጽእዎ "ህይወት ኣስተንትኖ" ዘርእስቱ ሓጺር አዋጅ ኣብ ሃገር ቫቲካን እመ ቤተክርስቲያን ዝብል ስያሜ ብምሃብ ነዚ ቀኖናዊ ገዳም መስረቱ ።

ልሒቕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ብዕለት 11 ለካቲት 2013 ካብ መንበሮም ምስ ወረዱ አብዚ ገዳም እዚ  ክነብሩ ከም ዝደልዩ ገለጹ ። ነተን ናይ መወዳእታ ዓመታት ህይወቶም ድማ በቶም አሰነይቶምን ተሓባበርቶም እናሓገዙ ክሳዕ ዕለት 31 ታሕሳስ 2022 ናብ ሰማያዊ ቤት ክሳብ ዝተሳገሩ ንቤተ-ክርስትያን ብጸሎቶም እና አሰነይዋ አባኡ ተቐመጡ ።

ካብ መጀመርታ ጥሪ ጀሚሩ ገዳም መነኮሳን ክኸውን ኢዩ

እቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜን ክፍሊ ማሕተምን ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ እዚ ገዳም እዚ ነተን ብመሰረት እቲ ሕጊ ማሕበማሕበረን ሓደ ገዳም ኮይኑ ክቕጽል ምዃኑን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ከአ ኣብቲ ገዳም ዝነብራ ሽዱሽተ ድንግል ሓንጐፋይ ኢሉ ክቕበለን ምዃኑን ተፈሊጡ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዋና ኣመሓዳሪ ሃገረ ቫቲካን ንዅሉ ግድነታት እዚ ገዳመ እመ ቤተክርስቲያ ብሓላፍነት ከም ዝሓሊን ተሓታትነት ከም ዘለዎን ወሲኖም ።

14 November 2023, 17:56