ድለ

መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ራብዓይ ኣስተንትኖ ካንታላሜሳ፡ "ኪዲ ደጊም ሓጢኣት ኣይትግበሪ" መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ራብዓይ ኣስተንትኖ ካንታላሜሳ፡ "ኪዲ ደጊም ሓጢኣት ኣይትግበሪ" 

መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ራብዓይ ኣስተንትኖ ካንታላሜሳ፡ "ኪዲ ደጊም ሓጢኣት ኣይትግበሪ"

ካብ ዕለት 19 - 24 ለካቲት ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሓባር ምስ ናይ ኩርያ ሮማና - ናይ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ሰባኬ ቤት ጳጳስ ካርዲናል ካንታላመሳ ኣብ ዝመርሕዎ ዘለዉ መንፈሳዊ ሱባኤ ይሳተፉ ከም ዘለዉን፡ ካርዲናል ካንታላመሳ ዕለት 22 ለካቲት ራብዓይ ስብከት ዓቢይ ጾም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ተሓባበርቶምን ናይ ሮማዊ ኩርያ ሮማና ላዕለዎት ኣካላት ኣብ መንፈሳዊ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ኣብ ዝተጸምድሉ ሰሙን፡ ቫቲካን ኒውስ መዓልታዊ ኣስተንትኖ፡ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት፡ ብሰባኺ ቤት ጳጳስ ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላሜሳ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ሱባኤ ብምክትታል ነቲ ኣስተንትኖ ናብ ሰማዕቱ ከም ዘቕርብን ካርዲናል ካንታላሜሳ እቲ ትማሊ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ ኢየሱስ ነታ ብሕጊ ሙሴ መሰረት ብዳርባ እምኒ ክትቅተትል ዝነበራ ኣመንዝራ ሰበይቲ፥“ኣቲ ሰበይቲ፡ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፡ ዝፈርደኪዶ የልቦን፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ሓደ እኳ፡ ጐይታይ፡ በለቶ። ኢየሱስ ድማ፡ ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፡ ኪዲ እሞ ደጊም ኣይትበድሊ።  ዝበላ ቃል ኣማእኪሎም ሓጢኣት ከም ዘሎ ኽንግንዘብ ዝግዘና ቃል ምዃኑ ኣዘኻኽኢሮም። ሓደ ሰብ ብሕቡእ ቁሩብ ካብኡ ዘይፈልዮ ዝተጣበቖ ሓጢኣት ከም ዘለዎን፡ እዚ ንስሓ ዘቕርቦ፡ ግን ከኣ ይኣክል ዝብል ሓቀይና ድሌት ዘይብሉ ሓጢኣት ምህላዉ ዘመላኽት እዩ” ከምቶም ነታ ኣመንዝራ ዝኸሰሱ ደሓር ግና ንሳቶም እውን ከይተረፉ ዝተጣበቕዎ ሓጢት ከም ዘለዎ ብኢየሱስ ዝተነግሮም።

"ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ፡ ኣብ ኑዛዜታቱ፡  ካብ ሓጢኣት ስሚዒታዊነት ሓራ ንምውጻእ ዝገበሮ ቃልሲ ይገልጸልና። ካብዚ ኩነት እዚ ድማ 'ንጽህናን ምቁጽጻርን ሃበኒ' እንክብል ናብ ኣምላኽ ዝጸለየሉ ህሞት እዩ።" . . . ካብ ኩሉ ናጻ ከም ዝኾንካ ክስምዓካ መታን ብጭቡጥ እንታይ ክትገብር ኣለካ? ንሓጺር እዋን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንነብስኻ ኣቐሚጥካ፡ ‘ጐይታይ፡ ተኣፋፍነተይ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ፡ ስለዚ ኣብ ጸጋኻ ጥራይ ተኣሚነ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር፡ እቲ ዝተፈላለየ እሞ ገዛእ ርእሰይ ኣክንዲ ኣባካኻ ኣብ ካልእ ዘጣብቐሉን እምነተይ ዘንብረሉ ዕጋበትን፡ ናጽነት፡ ዕርክነት፡ ቂምታ፡ ቁጠባዊ ተንኮል፡ ብሓጺሩ፡ ይኣክል እቲ ኣነን ንስኻን ኣጸቢቕና እንፈልጦ ሓጢኣተይ ይኣክል ክብሎ እደሊ ኣለኹ፡ ምስጢራዊ ይቕረታኻ ክቕበል እየ ዝመጻእኩ። . . . እቲ ኣብ መንጎ እታ ኣመንዝራን ኢየሱስን ዘሎ ርክብ። ድሕሪ እዚ ተመክሮ እዚ ድማ በቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝርከብ ምሕረት ካብ ባርነት ሓጢኣት ነጻ ኮይንካ ምስ ኣምላኽን ምስ ገዛእ ርእስኻን ብጾትካን ብሰላም ምንባር ክንደይ ጽቡቐ ምዃኑ ክንዕዘብ ኢና!" ዝብል ሓሳብ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

23 February 2024, 16:50