ድለ

2024.02.20 Sussidio per l'Anno della preghiera del Dicastero per l'Evangelizzazione 2024.02.20 Sussidio per l'Anno della preghiera del Dicastero per l'Evangelizzazione 

ቅድስቲ መንበር ንዓመት ጸሎት ዚኸውን መወከሲ መጻሕፍቲ ኣውጺኣ

ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ንዓመት ኢዮቤል 2025 ንምስንዳው ብዛዕባ ክርስትያናዊ ጸሎት ዝገልጽ መወከሲ መጽሓፍ "ጸሎት ምሃረና" ዘርእስታ መጽሓፍ ብናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላእለዋይ ቤትጽሕፈት ተሓቲሙ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

በቲ ብዛዕባ ጉዳይት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ እተዳለወት ንምእመናን መወከሲ ዝኸውንን "ንጸሎት ከም ምስ ኣምላኽ ዝግበር ብሕታዊ ተዋስኦ ምኹኑ ተረዲኦም ጸሎት ንኸጽዕቑ" ዘተባብዖምን፣  ኸምኡውን ብዛዕባ እምነቶም ንኸስተንትኑን፣ ብቈራጽነት ኣብዛ ዓለም ብተጸምዶ ንኸገልግሉ ዝሕግዞም ሓድሽ  መወከሲ መጽሓፈ ጸሎት ኣሕቲሞም ።

እዛ ጸሎት መሃረና ዘርእስታ ሓዳስ  ናይ መሰናደዊ መጽሓፍ ኮይኑ ካብቲ ንቤተ-ክርስትያን ናብ ዓመተ ኢዮቤል  2025 ንምስንዳው ዝሕግዝ ካብ ቤትጽሕፈት ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝወጸ ተኸታታሊ ጽሑፋት እቲ ናይ መወዳእታ ኢዩ ። 

ኣርእስቲ ናይዛ መጽሓፍ ኻብቲ ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ዘቕረብዎ ሕቶ እተወስደ ዀይኑ ቤተ-ክርስትያን ንዓመተ ኢዮቤል ንምስንዳው ኣብ እትገብሮ ተበግሶታት ዘማእዝን ሓዝሳብ ዘሓዘለ ኢዩ።

ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ጸሎት ዘስተምሃርዎ እተመስረተ

በቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሥልጣነ ኣስተምህሮት ዘመሓላለፍዎ ኣስተምህሮታት ተማእዚኑ፣  በብምዕራፋቱ ንጉባኤ ጸሎታት ቁምስናታት፡ ኣብ ስድራ ቤታዊ ጸሎትን፣ ጉጅለ ጸሎት መንእሰያትን፡ ኣብ ገዳማዊ መደብ ማሕበራዊ ጸሎታትን፡ ኣብ መደብ ትምህርተ ክርስቶስን ከምኡ ውን መንፈሳዊ ሱባኤታትን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብዛዕባ “ሕዝባዊ ጸሎታት ንዓመተ ኢዮቤል 2025” ብዝብል ምዕራፍ ብምዝዛም ዝቐረበ መወከሲ መጽሓፍ ኢዪ።

ብመሰረት እቲ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ "ምስ ጐይታ ኣብ እንገብሮ ተዋስኦን ዝርርብን፣ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ውን ምሉእ ብምሉእ ንኽንነብር ዘኽእለና ኣስተንትኖታትን መምርሕን ምኽርን" ንምሃብ ዝዓለመ መጽሃፍ ኢዩ ።

ኣብዚ እዋን እዚ እዛ ጸሎት መሓረና ዘርእስታ መጽሓፍ ብቋንቋ ጣልያን ዝተሰናደወ ሕታም ካብ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ብነጻ ከነውርዳ ዝከአል ኢዩ ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ብቋንቋታት እንግሊዝይናን ስጳንኛን ፖርቱጋልን ፈረንሳይን ፖላንድን ኪትርጐም ምዃን እቲ ዝወጸ መግለጺ የመላኽት ።

ኣድላይነት ጸሎት ዳግም ንምግንዛብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዕልት 21 ጥሪ ኣብ እዋን ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ንዓመት ጸሎት ከም መሰናደዊ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ኣብ ኣወጁሉ ኣጋጣሚ ንምእመናን "ነዚ ናይ ጸጋ እዋን እዚ ብጽቡቕ ንኽንነብሮን ብርታዐ ተስፋ ኣምላኽ ንኸነስተማቕርን ኣብ ህይወት ጸሎት ኣጸቢቕኩም ክትብርትዑ የድሊ አሎ" እንክብሉ ጻውዒት ኣቕረበሎም ።

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ዕላማ ዓመት ጸሎት እንክገልጹ እዛ ዓመት እዚአ "ኣብ ብሕታዊ ህይወት፡ ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያንን ከምኡውን ኣብ ዓለምን ዓብዪ ዋጋን ምሉእ ብምሉእ ፍረ ጸሎት እንታይ ምዃኑ ንምግንዛብ እተወፈየት ክትከውን" ምዃና ገለጹ።

22 February 2024, 15:18