ድለ

ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. መልእኽቲ ጾም ኣርብዓ ዘማእከለ ‘ኣውያት ውጹዓት’ ዘርስቱ ሓድሽ ናይ ቅብኢ ስራሕ ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. መልእኽቲ ጾም ኣርብዓ ዘማእከለ ‘ኣውያት ውጹዓት’ ዘርስቱ ሓድሽ ናይ ቅብኢ ስራሕ 

ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. መልእኽቲ ጾም ኣርብዓ ዘማእከለ ‘ኣውያት ውጹዓት’ ዘርስቱ ሓድሽ ናይ ቅብኢ ስራሕ

ናይ ኩለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓሊ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት፥ ኣብ ናይ 2024 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ዓቢይ ጾም ዘማእከለ በቲ ውሩይ ናይ ጎደና ስእል ቅብን ስነ ጥበበይና ዝተቐብአ ሓድሽ ቅብኢ ብወግዒ የሕትም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ሓድሽ፡ ምሳልያዊ ስእሊ ብናይ ጎደና ስነጥበባዊ ማውፓል ብዝል ናይ ስነ ጥበብ ስም ዝፍለጥ ኢጣሊያዊ ማውሮ ፓሎታ ኣብቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ 2024 ዓ.ም. ናይ ዓቢይ ጾም መልእኽቲ ማእከል ገይሮም ዝሰርሕዎ ሓድሽ ቅብኢ ብናይ ቅድስቲ መንበር ውሁድ ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብወግዒ ከም እተዘርገሐ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዛ ዕለት 26 ለካቲት ተሓቲማ ብወግዒ ዝቐረበት ሳልሰይቲ ብማውፓል ዝተሰርሐት ነቲ ቅዱሰንቶም ኣብቲ ናይ ዓቢይ ጾም መልኽቶም "ሎሚ'ውን ኣውያት ብዙሓት ውጹዓት ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ሰማይ ይግዕር ኣሎ። እዚ ኣውያቶም ናባና ዝበጽሕን ጽን ንብሎን ዘርዕደና እንተኾይኑ ገዛእ ርስና ንሕተት" ዝብል ዘስመሩሉ ሓሳብ ሕመረት ዝገበረ ምዃኑ የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቲ ዓቢይ ጾም 2024 ዓ.ም. ናይ ሎሚ ሰብኣውነት "ንኹሉ ሰብ ውሕስነት ክህብ ዝኽእል ደረጃታት ስነ ፍልጠትን፡ እደ ጥበባዊ፡ ባህላውን ሕጋውን ምዕባለ ከም ዝበጽሐ ይግንዘቡ።

እቲ ዕለት 1 ለካቲት ብወግዒ ዝቐረበ ናይ ዓቢይ ጾም መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ "ብምድረ በዳ ኣቢሉ ኣምላኽ ናብ ሓርነት ይመርሓና" ዝብል ነቲ መጽሓፍ ዘጸኣት "ካብ ምድሪ ምስሪ፡ ካብ ኩነታት ጊልያነት ዘውጻእኩኻ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ" (ዘጸ 20.1-17) ዝብሎ ዘቓልሕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እዚ ድማ ብፍላይ ናጽነት እትብል ቃል ቅዱስነቶም ኣብቲ መልእኽቶም ዝተጠቀሙሉ ቃል ናይ ምውፓል ናይ ቅብኢ ስራሕ ድሕረ ባይታ ከም ዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ኩለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርኒ ዝምራሕ ኣብ ዘውጸኦ መብርሂ፡ እቲ ናይ ጎደና ስእሊ-"ጸዓት ኦቢይ ጾም ካብ ባርነት ሓራ ንምውጻእ ይሕግዘና ቢሉ፥ እግዚኣብሄር ንተስፋና ይድግፍ - ብቤተ ክርስቲያናዊ፡ ማሕበረሰባውን ውልቃውን ናይ ምልዋጥ ጉዕዞ ኣቢሉ ናብታ ንሱ ከውረሰና ዝደልያ መሬት ኣቕኒዕና ክንጓዓዝ ይመርሓና ዝብል ሓሳብ ከም እተሰመረሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

27 February 2024, 16:07