ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኣብ ዩክሬይን ወተሃደራዊ ምትእትታው ሕብረት ኤውሮጳ "ዘፍርሕ" እዩ! ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኣብ ዩክሬይን ወተሃደራዊ ምትእትታው ሕብረት ኤውሮጳ "ዘፍርሕ" እዩ! 

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኣብ ዩክሬይን ወተሃደራዊ ምትእትታው ሕብረት ኤውሮጳ "ዘፍርሕ" እዩ!

ብጳጳሳዊ Centesimus Annus Foundation - ትካል ምእተ ዓመት ዝወሃብ ኣህጉራዊ ስነ ስርዓት ስልማት “ቁጠባን ሕብረተሰብን” ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዩክሬንን ማእከላይ ምብራቕን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ዝያዳ ምብራኹ ሓያል ስክፍታ ይፈጥር ምህላዉ ገሊጾም ኣብዚ፡ እቲ እንኮ መፍትሒኡ ድማ፡ “ቶኽሲ ደው ምባል” ዝብል ውሳኔ ምዃኑ የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ ርእሰ ብሔር ሃገረ ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኤውሮጳ ናብ ዩክሬን ኣጋር ሰራዊት ክትሰድድ ትኽእል እያ ዝብል ዝሃቦ መግለጺ “ዘፍርሕ ተርእዮ” ዝኸፍት ምዃኑ ገሊጾም፥ ማክሮን ዕለት 26 ለካቲት ዩክሬን ኣንጻር ወራር ሩስያ ኣብ እትገብሮ መኸተ ንምድንፋዕ ሓድሽ ስጉምትታት ከምዝወሰደት ኣፍሊጦም፣ ኤውሮጳ ሞስኮ ንምስዓር ዝሓንጸጸቶ ሸቶ ንምዕዋት ሰራዊት ምዕራባውያን ሃገራት ምውፋር ክኽልከል ዝከኣል ኣይኮነን ከም ዝበሉን፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ካርዲናል ፓሮሊን ትማሊ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቫቲካን ጳጳሳዊ ማሕበር ምእንተ ዓመት ኣብ ዝካየዶ ፍጻመ ኣብ ዝተረኽብሉ መድረኽ ወጻኢ ካብ ጋዜጠይናታ ንዝቐረበሎም ሕቶ ክምልሱ እንከለዉ "እቲ ካብ መጀመርታ ወትሩ ከነርሕቖ ዝጸናሕና ወተሃደራዊ ምትእትታው ኤውሮጳ ኣብ ኩናት ዩክረይን ዝብል ሓሳብ ብሓቂ ዘፍርሕ ተርእዮ'ዩ። ዘይንምነዮ ኣቡቀለምሲሳውን ተርእዮ’ዩ፡ ከምዚ ቢልካ ምግላጹ ምናልባት ኣብዚ ህሞት እዚ ዝተጋነነ ክኸውን ይኽእል፡ ብርግጽ ግን ዘፍርሕ እዩ" እንክብሉ ይገልጹ።

ብዛዕባ’ቲ ማክሮም ዘቕረቦ ሓሳብ መሰረት ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ ምናልባት ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት “ብወተሃደራዊ ስርሒት ይኹን ብዘተ ምፍታሕ ዝብል ተስፋ ስለዘየለ” ይኸውን ዘቕረቦ እንክብሉ ይምልሱ፥ “ብሓቂ ክልቲኦም ወገናት ተራኺቦም ዝመያየጥሉ መንገዲ እንተዝረክብ ምቹእ ምኾነ፡ ዘተ መፍትሒ ዘርክብ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ” ኢሎም።

“ዝተፈላለዩ ዓይነታት መፍትሒታት ቀሪቦም እዮም እቲ ዘገድስ ንምትግባር ድሌት ምህላው እዩ።”

ሓድሽ ጻውዒት ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ንምባል

ብዛዕባ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን፥ ቫቲካን ምስ እስራኤል ኣብ እተካይዶ ዘላ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ዝኾነ ምዕባለታት ከም ዘየርኣየ ብምርግጋጽ፡ ድሌት ቅድስቲ መንበር ዘተ ምትብባዕን ምትግባርን ዝብል እዩ፡ "እቲ ዘተሓሳስበና ነገር ነቶም ጅሆ ዝተተሓዙ ሰባት ብቐዳምነት ነቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝዀነ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ደገፍ ንምቕራብ ዘኽእል መገዲ ምርካብ ኢዩ። ስለዚ እቲ እንኮ መገዲ እቲ ውግእ ደው ምባል ኢዩ" እንክብሉ ኣትሪሮም ይገልጹ።

ስልማት ጳጳሳዊ ትካል ምእተ ዓመት “ቁጠባን ሕብረተሰብን”

ካርዲናል ፓሮሊን ነዚ ዝገለጹ ኣብ ጐድኒ’ቲ ንተወላዲ ቺለ ፕሮፈሰር ሞንተሮ ኦርፋኖፑሎስ፡ “ተቓላዕነት፥ ናብ ዝያዳ ሰብኣዊ ስነ-ምግባር” ዘርእስታ መጽሓፍ ንንባብ ንዘብቀዐ፥ ኣህጉራዊ ስልማት “ቁጠባን ሕብረተሰብን” 2024 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ትካል ምእተ ዓመት ንምሃብ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ክኸውን እንከሎ፥ እዚ ስልማት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ጳጳሳዊ ትካል ምእተ ዓመት ዝወሃብ ኮይኑ፡ “ንማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብዕምቆት ንምጽናዕን ንምትግባርን ኣብ ዝግበር ተበግሶ ዓቢይ ግደ ንዘበርክቱን ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ንመላእ ህዝቢ ተበጻሒ ንምግባር ንዝጽዕሩ ዝወሃብ ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ተወላዲ ቺለ ፕሮፈሰር ኦርፋኖፑሎስ ነዚ ስልማት እዚ ብቑዕ ተባሂሉ ከም እተሓረየን ካርዲናል ፓሮሊን እቲ መደብ ስነ ስርዓት ስልማት ሕውነት ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሐ ምዃኑ ዘኪሮም፡ “ንቕሓት ተቓላዕነትና ንተመኩሮ ካልእነት የርህወና፡ እዚ ድማ ንህያብ ሕውነትን ናብ ርክብ ምስ ኣምላኽ ይድርኸና። ምስ ኣሕዋትና ኣብ ምቅርራብ ንነብስና ዳግማይ ክንረኽባ የኽእለና፣ በዚ ኸኣ ነቲ ኣዝዩ ሓቀይና ሰብኣውነትና ዳግማይ ክንረኽቦ ኢና" ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ሓልዮት ባህሊ የድልየና

"ተቓላዕነት ስነ ህላዌኣዊ ደረት ጥራይ ዘይኮነስ ንኢታእላው ክፉት ዘገብርን ፍቕርን ድሕነትን ዘድልየና ከምኡውን ምስ ካልኦት ንኽንከውን ናይ ዘሎና ዓሚቝ ድሌት መግለጺ እውን ኢዩ። በዚ መዳይ እዚ ስነ-ምግባር ተኣፋፍነት/ተቓላዕነት ስምዒት ለውሃት ክስምዓካን ክህልወካን ዝገብር ከምኡውን ነቲ ኣብ ነፍሲ ዝወርድ ጸበባ እውን ከይተረፈ ብትብዓትን ብርሕራሐን እንቕበለሉ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ብስለት ከም ዝህልወካ ዝገብር ኢዩ።" ዋላ’ኳ ተኣፈፍነትን ድሩትነትን እንተሃለወና፡ ነቶም ዝተገለሉ ምጽንናዕ ምሃብ ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቦም፡ ሎሚ ግን "ኣብ እደ ጥበብ ዝግበር ወፍሪ ንፖለቲካዊ ምርጫታት ዝጸልወሉ ምልከ እደ ጥበባውነት ስርዓት፡ ንብቕዓትን ባህሊ ብኽነትን ዝድግፍ ኮይኑ ኣሎ"። ዝኸፈልካ ኸፊልካ መኽሰብ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ "ቀንዲ ጠንቂ ቝጠባዊ ምጽንጻን ንግዲ ኣጽዋር ብከላ ኣከባቢ ከምኡውን ጠንቂ እቲ ዘይማዕርነትን ሕራጎት ዜምጽእ ማሕበራዊ ምጕዳል ፍትሒ እዩ" ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዘይማዕርነት ከዕቢ ይኽእል

ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ህይወት ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋታት፡ ተወሳኺ ካርዲናል ፓሮሊን ናይ ዘስዕዎ መደረ ሓሳብ ኮይኑ፡ “ሰብ ሰርሖ ኣስትውዕሎ ነቲ ዝጸንሐ ዘይምዕሩይነት ከዕብዮ ይኽእል'ዩ፡ ኣብቲ ሕሳባዊ ሕግታት ንምስልጣን ዝጥቀመሉ ህሉው ጭብጢ ንዘሎ ወገናውነት ከቐጽል ይኽእል'ዩ ናብ ዘይፍትሓውነት እውን ክመርሕ ይኽእል'ዩ። ኣብ ከም ስራሕ፣ ስርዓታት ቁጠባን፣ ክንክን ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ፍትሒ፣ ስደትን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ዝኣመሰሉ መዳያት ኣድልዎ ንዝመልኦ ውሳነታት ክመርሕ ይኽል እዩ።

ዕዳ ድኻታት ሃገራት ምጉዳል

ስለዚ ነቲ ሓደ ኻብቲ ዓሚቝን ጥንታዊን ሱር ቍጠባዊ ሃጸይነት ዝዀነ ንዕዳታት ሃገራት ዝቈጻጸር ኣህጉራዊ ሓድነት ብምትብባዕ ነቲ "ድኽነትን ግሉልን ትውካልን (ጽግዕተይናነትን) ዘምጽእ" ቍጠባዊ መዋቕር ምቕያር ኣድላዪ ኢዩ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንርትዓዊ ኣተሓሳስባ ምዝመዛ ንምስናፍ ትብዓት ክወሃቦ ዝሓትቱ ከምኡውን ድኻታት ዘይንጸል ክፍሊ ማሕበራዊ መዋቕር ዝዀኑሉ ሓድሽ ቀጥዒ ምዕባለ ክፈጥር እተማሕጸንዎ፡ ዕዳ ኣብ ማሕበራውን ትምህርታውን ጥዕናን መርሓ ግብርታት ክውፈ ኣለዎ።

ተቓላዕነት ከም ዕድል

እታ ብፕሮፌሰር ሞንተሮ ኦርፋኖፑሎስ ዝተደርሰት መጽሓፍ ምስዚ ማዕቀፍ ምኽንያታት ኣጸቢቓ እትሰማማዕን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ግብረ ገባዊ ጸገማት ንምፍታሕ ዝሕግዝ ረባሕታታት ትህብ ምዃና ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስ ኣብ መእተዊ እቲ ናይ ስልማት ስነ ስርዓት ኣብ ዘስምዕዎ መደረኦም ከም ዝገለጹን ተኣፋፊ ምዃን ዝብል ቅዉም ሓሳብ ነቲ ንዓለም ክፉት ናይ ምዃን ንኻልእ ቀረባ ምዃንን ንዝብል ንናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕሊሖም። እታ መጽሓፍ ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስነ-ማሕበረሰብኣዊ ፍልስፍናዊ ስነ ሕይወታዊ ስነ ምግባር መጽሓፍ ቅዱሳዊ መጽናዕትታት  ከምኡውን ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ድህረ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን  ዘሎ ኣምር ተቓላዕነት ምጥቃም ኣብ ግምት ዘእተወ መስተንክርን ብኹለ መዳይ ውስጠ ስነ መጽናዕትታት ነዚ ኣምር እዚ እትትንትን እያ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 February 2024, 14:49