ድለ

ክሳብ መዓስ? ክልተ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ኲናት ኣብ ዩክሬን ክሳብ መዓስ? ክልተ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ኲናት ኣብ ዩክሬን  (ANSA) ርእሰ ዓንቀጽ

ክሳብ መዓስ? ክልተ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ኲናት ኣብ ዩክሬን

ድሕሪ ክልተ ዓመት ኲናት ኣብ ዩክሬን፡ እቲ ዓመጽ ደው ክብልን ርክብን ፍትሓዊ ሰላም ክህሉ ንምዝታይ ገና እንታይ እዩ ክግበር ዘለዎ? ነዚ ዝበሉ ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ትርኒየሊ ብምኽንያት ካልኣይ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ኲናት ዩክሬይን ኣማእኪሎም ዕለት 24 ለካቲት ኣብ ዘውጽዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ካብ ቅድስቲ መሬት ዝስማዕ ዘሎ ዘስካሕክሕ ሓበሬታ፡ ሕጂ ድማ ሞት ተቓዋሚ ሩስያዊ ናቫልኒ፡ ነቲ ካብ ዩክሬን ዝመጽእ ጸብጻባት ኲናት ዝዕብልሎ እኳ እንተመሰለ፡ እቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ካብ ዝባራዕ ካልኣይ ዓመቱ ምዝካር ግድን ይኸውን።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንመሰኻኽር፡ ነቶም ኣብ ስነ - መጐት ጽልኢ ኢዶም ዘይህቡ፡ ነቶም ብዕስራን ኣርባዕተን ኣዋርሕ ብዘቑጽር ዘሎ ኲናት ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ስቓዩ ንምውጋድ ጸሎት ዘየቋርጹን ዘድሊ ሰብኣዊ ምንቅስቓሳት ብምክያድ ናይቲ ህዝቢ ድምጺ ክስማዕ ክንዓዪ ጸኒሕና ኢና ንዓዪ እውን ኣሎና። እቲ ኣብዚ ውግእ እዚ ዘጋጥም ዘሎ ኢሰብኣውነት ዝነግር እቲ ኣብቲ ባይታ ዘሎ ሓቂ ንምቕራብ ፍቓደይና ብምዃን ብዛዕባኡ ንነገር፡ እቲ ኲናት ንሒደት ኪሎ ሜተራት ክሊ ንምስዓር ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸር ህይወት ይስውእ ኣሎ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያትን ዓበይትን ቈሲሎም ወይ ሰንኪሎም ኢዮም። ብምሉአን ከተማታት ዩክረይን ዓንየን ኢየን፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተዓቝይቦም ይርከቡ። ብኣሽሓት ዝቝጸር ነተጕቲ ንመጻኢ ህይወት ንጹሃት ሰባት ንሓደጋ ዘቃልዕ እውን ኣብቲ ዞባ ተዘሪኡ ይርከብ። እቲ መጥቃዕቲ ደው ንምባልን ኣብ ጠረጴዛ ዙርያ ኾፍ ኢልካ ብዛዕባ ሰላም ንምዝታይ ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ተወሳኺ ነገር እዩ ከጋጥመና ዘለዎ?

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እታ ኣብ ስቓይ ዘላ ዩክሬይን ኣቓልቦ ንምስሓብ ዘቕረብዎ ማእለያ ዘይብሉ ጻውዒት ኣብ ጸማም እዝኒ ዝወድቕ ዘሎ እዩ ዝመስል። ኲናትን ዓመጽን ነቲ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ዝሕግዝ መንገዲ ኮይኑ ዘሎ ይመስል። ንመጻኢ ዝካየዱ ውግኣት ዝዓለመ ውድድር ኣጽዋር ኣገዳስን ከም ዘይሃደም ኣማራጺ ቅቡል ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ንመውዓሊ ህጻናትን ኣብያተ ትምህርትን ኣባይቲ ሕክምናን ንምምዋል፡ ጥሜት ንምምካት፡ ወይ ፍጥረትን ተፈጥሮን ንምዕቃብ ናብ ዝብል ስነ-ህይወታዊ ዕላማ ንምትግባር ዘኽእል ፈጺሙ ዘይርከብ ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ገንዘብ፡ ኣብ ኣጽዋር ዝምልከት ጉዳይ ክሕሰብ እንከሎ ኩሉ ግዜ ይርከብ። ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ቅድሚ ምሽብሻባት ንውግእ ድምጺ ኣልቦ ኮይኑ ይረአ። ከም ሰላም፡ ርክብን ዘተን ዕርቅን ዝኣመሰሉ ቃላት፡ ብጥርጣረ ይረኣዩ። ብዛዕባ ዘተን ዘተ ዘተባብዕ ድምጺ ካብ ኤውሮጳ ክስማዕ ኣዝዩ ውሑድ እዩ፣ ኪኖ እቲ ብሕታዊ ርእይቶ መራሕቲ።

ካብዚ ህሞት እዚ ንላዕሊ ኣብ ስነ-መጐት ኲናት ኢድካ ዘይምሃብ ኣድላይነት የብሉን። ከምቲ ተካኢ ጴጥሮስ ኣብ ትሕቲ ሓሙኹሽቲ ጽልኢ ናይ ተስፋ ሓዊ ከመይ ጌርካ ከም እተለልይ ነቲ ህያብ ሰላም ካብ ኣምላኽ ምድላይን ምምህላልን የድሊ። ሓድሽ ትንቢታዊ፣ መሃዛውን ነፃን ተባዕ፣ ኣብ ሰላም ዘይጣላዕ ንመጻኢ ደቂ ሰባት ሓላፍነት ክወስድ ዝኽእልን መርሕነት የድሊ። ነቶም ናብ ናይ ገዛእ ርእስና ጥፍኣት ክወስዱና ዝኽእሉ ስነ-መጎት "ጎይቶት ውግእ" ዘይግዝኡ ብትርን ብትብዓትን ክንሰምዖ ናይ ኩሉ ሓላፍነታዊ ተወፋይነት ይሓትት እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

26 February 2024, 14:53