ድለ

2024.02.10 Mostra Castel Gandolfo 1944 - Palazzo Papale di Castel Gandolfo 2024.02.10 Mostra Castel Gandolfo 1944 - Palazzo Papale di Castel Gandolfo 

ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንምዝካር ኣብያተ-መዘክር ቫቲካን ጳጳሳዊ ኣብይትን መደባት ይሰርዑ

ቅድሚ እቲ ብ8 መጋቢት ዝዝከር ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣብያተ-መዘክር ቫቲካንን ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዚርከብ ቤተ ጳጳስን ነተን ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ታሪኽን ማሕበረሰብን ስነ-ጥበብን ዓብዪ ጽልዋ ዘሕደራ ደቂ ኣንስትዮ ብምዝካር ከብዕሉ መደብ ኣውጺኦም ከም ዘለዉ ኣዊጆም ።

ብኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ዓመት እዚ እውን ኣብያተ-መዘክር ቫቲካን ከምኡውን እቲ ምስኡ እተተሓሓዘ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ ቤተ ጳጳስ፣ ኣብ ዝኽሪ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ይሳተፍ ኣሎ።

ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ዕለት 21 ለካቲት ዝወጸ ኣዋጅ ኣብያተ - መዘክር ቫቲካን ነቲ  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ፍሉይ ናይ ደቂ ኣንስትዮ መሰል ገይሮም ዝዝክርዎ "መሃዝነት ዝመልኦ ጠመተ" ከምኡ ውን "ለውሃት ዝመልኦ ልቢ" ንምጕላሕ ካብ ዕለት 7 - 8 መጋቢት ዝቐርብ ፈላሚ ኣርእስትታት ዝኾነ ዑደት ምርኢታት ከም ዘካይድ ኣፍሊጡ ።

ካብ ቅ. ማርያም መግደላዊት ናብታ ቅድስቲ አዴና

ተሳተፍቲ እዚ ዑደት ምርኢት እዚ በቲ ኣብ ቫቲካን ዝርከብ ኣውደ ምርኢት ቅርጻታትን ኣሳእልን ኣቢሎም ብምሕላፍ ናብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ከምርሑ እዮም ፣ ገለ ኻብቲ ዝዕዘብዎ ስእልታት ኸኣ ናይ  ቅድስቲ ማርያም መግደላዊትን ቅድስቲ ካተሪና ብዓል ሲየናን፣ ናይ ቅድስቲ ስኮላስቲካን ከምኡውን ናይ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ክጥቀስ ይከኣል ።

እዚ ዑደት እዚ ንዅሉ ሰብ እንተላይ ነቶም ቈልዑ ዘለዉዎም ስድራ ቤታትን (ልዕሊ 6 ዓመት) ክፉት ክኸውን እዩ።

መምርሒ ናይዚ ዑደት እዚ ብቋንቋታት ጣልያንን ብእንግሊዘይናን እተሰናደወ ኮይኑ ነቶም ዝኾነ ኣካለ ስንክልና ዘለዎም በብቲ ክርድኡሉ ዝኽእሉ ዓቕሞም ክሳተፉሉ ዝኽእሉ መወከሲታት ኣሰናድዩ ይርከብ አሎ።

ካልኣይ ውግእ ዓለም ናብተን ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝነበራ ደቂ-ኣንስትዮ

ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ድማ ኣብ ካስትል ጋንዶልፎ ዝርከብ ቤተ ጳጳስ እውን ብተመሳሳሊ መንፈስ  ንዅለን በጻሕቲ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምጉዳል ዋጋ ሓለፋታት ብምግባር ኣብቲ መደብ በዓለን ክሳታፋ ምዃነን ተፈሊጡ ።

እዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ንኽብሪ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ዝካየድ  ኰይኑ፣ ካብ ዓርቢ 8 መጋቢት ክሳብ ቀዳም 9 መጋቢት ካብ ሰዓት 9 ናይ ንግሆ ኽሳዕ ሰዓት 5፡ 30 ድ. ቐ. ሰንበት 10 መጋቢት ድማ ካብ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ክሳዕ ሰዓት 6፡30 ድ. ቐ. ፍሉይ ኣገልግሎት ክህብ ኢዩ።

በጻሕትን ብጾቶምን ብባዕሎም ኰነ ብመራሕቲ ዑደት ነቲ ታሪኻዊ መንበሪ ገዛ ጳጳስትን ከምኡ ውን ነቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ በቲ "ካስተል ጋንዶልፎ 1944" ዘርእስቱ ታሪኻዊ ምርኢት እተመረቐ ሓድሽ ቦታታት ቤተ-መዘክር ሓዊስካ ምብጻሕ ከካይዱ ዘኽእል መደብ ክኸውን ኢዩ።

እተን 'ፍልይ ዝበሉ' ኣዴታት ኣዋልድ ኣዋልድ ናጽላታት

ሳላ እቲ ብድምጽን ብናይ ምስማዕ ርእየትን ዝገበራኦ ጽዑቕን ስምዒታውን ምስክርነታት ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ ውን ሳላ እቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ቤተ ጳጳስ ዝጸንሓ ኣዴታትን ደናግለን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ከምኡውን ህጻናትን ዘርእይዎ ሓያሎ ስእላዊ ምርኢታትን ሓያል ምሳልያዊ ትርጕም ዘለዎ መደባትን ክካየድ ኢዩ ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ እቲ ዑደት በጻሕቲ በቲ ውቁብ ትርኢት ቀላይ ኣልባኖ ቕድሚ ምምሳጦም ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ሙርን ምስጢራዊ ስፍራ ኣታኽልትን ጕዕዞኦም ኪቕጽሉ ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ።

22 February 2024, 15:22