ድለ

“እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ይመላለስ”: መርሕ ቃል ዓለም ለኸ መዓልቲ ስደተይናታት 2024 ዓ.ም. “እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ይመላለስ”: መርሕ ቃል ዓለም ለኸ መዓልቲ ስደተይናታት 2024 ዓ.ም. 

“እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ይመላለስ”: መርሕ ቃል ዓለም ለኸ መዓልቲ ስደተይናታት 2024 ዓ.ም.

ቫቲካን መርሕ ቃል ዓለም ለኸ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን 2024 ዓ.ም. ወግዓዊ ከም ዝገበረትን እቲ ካብ 1914 ዓ.ም. ኣትሒዙ ካቶሊካውያን ምእንቲ እቶም ብሰንኪ ግጭትን መስጐጕትን ቍጠባዊ ጸገማትን ካብ መረበቶም ምስ ዝመዛበሉ ሰባት ንኽሓብሩን ናይ ስቓዮም ተኻፈልቲ ብምዃን ጸገማቶም ክእለ ኣብ ዝገብር ጻዕሪ ልዑል ግደ ክህልዎምን ምእንታኦም ክጽልዩን ንምትብባዕ ዝተበገሰ መደብ ምዃኑ ይዝከር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኩለንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ 2024 ዓ.ም. መበል 110 ዓለም ለኸ መዓልቲ ስደተኛታትን ተመዛበልትን መርሕ ቃል ብወግዒ ከም ዘፍለጠን፡ እዚ ሰንበት ዕለት 29 መስከረም 2024 ዓ.ም. ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ለኸ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መርሕ ቃል፥ “እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ይመላለስ” ዝብል ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ምንቅስቓስ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን

ቅድሚ እቲ ዕለት እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መልኽቲ ከመሓላልፉ ምዃኖም እቲ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣዘኻኺሩ፡ እዚ መልእኽቲ እዚ “ተጓዓዝነት ሸነኽ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት” ምዃኑን፡ “ብፍሉይ ኣብቶም “እዋናዊ ምልክት ናይታ ትጓዓዝ ዘላ ቤተ ክርስቲያን” ዝውክሉ ስደተይናታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘተኮረ መርሕ ቃል ምዃኑ ይሕብር።

እቲ መግለጺ ቀጺሉ፥ “እዚ ጉዕዞ እዚ ብሲኖዳዊ ኣገባብ ክፍጸም ዝግበኦ ኮይኑ፣ ንኹሉ ስግኣትን ዕንቅፋታትን ሰጊርና፣ ብሓባር ናብቲ ሓቀይና ቤትና ንምብጻሕ ብሓባር እንጓዓዝ ምዃና ዘመላኽትን ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ሰባት ኣብ ዝረኸብዎ ቦታ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቱ መሪሕነቱን ሓለዋኡን ብምርግጋጽ፡ ምስ ህዝቡ ዝኸይድ እግዚኣብሄር ህላወኡ ምፍላጥ ኣገዳሲ ይኸውን። ምስ እዚ ግና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣፍደገ ልብና ንዝኹሕኩሕን ናይ ርክብ ዕድል ኣብ ዝህብን ስደተይና ህላወ ጎይታ፡ ኣማኑኤል፡ ኣምላኽ-ምሳና ምፍላጥ ማዕረ ማዕሪኡ ኣገዳሲ ምዃኑ እቲ መግለጺ የስተብህል።

110 ዓመት መዓልቲ ዓለም

ዓለም ለኸ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን በብዓመቱ ኣብ መወዳእታ ሰንበት ወርሒ መስከረም ዝኽበር ከም ዝኾነን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1914 ዓ.ም. ዝተኸበረ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ብግጭትን ስደትን ቁጠባዊ ጸገማትን ዝተመዛበሉ ሰባት ክዝክሩን ክጽልዩን ዝሕግዝ ኣጋጣሚ እዩ።

ነዚ ፍጻመ ንምዝካር፡ ኩለንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ ብምስማዐ ርእየትን መልኽትታትን ሓበሬታዊ ጽሑፋትን ቲዮሎጊያዊ ኣስተንትኖታትን ኣቢሉ ብዛዕባ ናይ 2024 ዓ.ም. መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መርሕ ቃል ዓሚቑ ምርዳእ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ብመራኸቢ ብዙሓን ወፍሪ ከካይድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

23 February 2024, 17:00